ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 15/10 ገጽ 32
  • “ካብ ኣፍ ቈልዑ” ዝወጸ መተባብዒ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ካብ ኣፍ ቈልዑ” ዝወጸ መተባብዒ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንጽቡቕ ስሙ እተጣበቐሉ ሰላማዊ ህዝቢ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ፈትዮም ይመጹ—ሩስያ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ነዊሕ ሕጋዊ ቓልሲ ብዓወት ተዛዘመ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንደቅኻ፡ ምስ ውድብ የሆዋ ንኺፋለጡ ሓግዞም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 15/10 ገጽ 32

“ካብ ኣፍ ቈልዑ” ዝወጸ መተባብዒ

ኣብ ታሕሳስ 2009፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሩስያ፡ ኣብ ታጋንሮግ፡ ሩስያ ዚርከብ ሃይማኖታዊ ውድብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጥፈታቱ ኺዕገት፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪግበት፡ 34 ካብ ጽሑፋትና ኸኣ ብኣዋጅ ከም ጥሩፍ ጌርካ ኪቝጸር ንእተገብረ ውሳነ ኣጽደቖ። ብዛዕባ እዚ ዜሰንብድ ተግባር እዚ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ ኣብ ወግዓዊ ወብ ሳይት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀሪቡ እዩ። ኣብቲ ወብ ሳይት፡ ስእሊ እቶም በቲ ውሳነ እተጸልዉ፡ ቈልዑ እውን ዚርከብዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀሪቡ ኣሎ።

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ፡ ኣብ ሩስያ ዚርከብ ማእከል ምምሕዳር ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ኲንስላንድ፡ ኣውስትራልያ እትነብር ብዛዕባ ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ንዚገልጽ ጸብጻብ ዘንበበት ስድራ ቤት ዝለኣኸቶ ሳጹንን እዚ ዚስዕብ መልእኽቲ ዝሓዘ ደብዳበን ተቐበለ፦ “ክቡራት ኣሕዋት፡ ኮዲን ላሪሳን እተባህሉ ደቅና፡ እቶም ኣብ ሩስያ ዘለዉ ብጾትና ብዘርኣይዎ እምነትን ብዘሕለፍዎ ፈተናታትን ኣዝዮም ተተንኪፎም እዮም። ካርድታትን ደብዳበታትን ጽሒፎም እዮም፣ ነቶም ኣብ ታጋንሮግ ዘለዉ ቘልዑ፡ ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ቦታታት ዚነብሩ፡ ንየሆዋ ብተኣማንነት ዜገልግልዎ፡ ብዛዕባኦም ዚሓስቡ ኻልኦት ቈልዑ እውን ከም ዘለዉ ንኽንገልጸሎም ኢልና ኸኣ ህያባት ጠቕሊልና ንሰድደሎም ኣለና። ንዅሎም ድማ ምዉቕ ሰላምታኦምን ፍቕሮምን ልኢኾም እዮም።”

እቶም ኣብ ታጋንሮግ ዚነብሩ ቘልዑ፡ ነታ ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ስድራ ቤት ስእልታት ስኢሎም ናይ ምስጋና ደብዳበታት ለኣኹላ። ሓደ ኻብቶም ኣብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ሩስያ ዜገልግሉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ በዚ “ኻብ ኣፍ ቈልዑ” ዝወጸ መተባብዒ ተደሪኹ፡ ንኮዲን ንላሪሳን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈሎም፦ “ቈልዑን ዓበይትን ብዘይፈጸምዎ በደል ኪቕጽዑ ኸለዉ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜጕሂ ክትግምትዎ ትኽእሉ እዮም። ኣብ ታጋንሮግ ዚነብሩ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝፈጸምዎ በደል እኳ እንተ ዘየለ፡ እቲ ዚእከቡሉ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተወርሰ። እዚ ብዙሕ ኣጕህይዎም እዩ። ኣብ ርሑቕ ሃገር ዘለዉ ኣሕዋትና እውን ብዛዕባኦም ከም ዚሓስቡ ምፍላጦም የተባብዖም እዩ። ስለቲ ዘርኣኹምዎ ልግስን ምዉቕ መንፈስን ነመስግነኩም።”—መዝ. 8:2።

ብሓቂ ኣባላት ዓለምለኻዊት ስድራ ቤት ኢና፡ እታ ንሓድሕድና ዘላትና ፍቕሪ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ናብራና ዜጋጥመና ፈተናታትን ጸገማትን ክንጻወሮ ትሕግዘና እያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሰባት ኪጻልኡ ኸም ዘተባብዑ ጌርካ ተኸሲሶም እዮም። ኣብ እተፈላለየ ሃገራት ዚነብሩ እተፈላለየ ባህሊ ዘለዎም ደቅና ግና፡ ኣብ ንሓድሕዶም ፍቕርን ሓልዮትን የርእዩ እዮም። እቲ ዜርእይዎ ባህሪ፡ እቲ፡ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ዚብል ቃላት የሱስ ሓቂ ምዃኑ ይሕብር።—ዮሃ. 13:35።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ