ነዊሕ ሕጋዊ ቓልሲ ብዓወት ተዛዘመ!
እቲ ጕዳይ ብ1995 እዩ ጀሚሩ፣ መዕለቢ ንኺረክብ ድማ 15 ዓመት ወሲዱ። ኣብዚ ነዊሕ እዋን እዚ፡ ኣብ ሩስያ ዚነብሩ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ካብ ተጻረርቲ ናጽነት ሃይማኖት መጥቃዕቲ ወሪድዎም እዩ። እዞም ተጻረርቲ እዚኣቶም፡ ኣብ ሞስኮን ኣብ ካልእ ክፍልታት እታ ሃገርን ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሕጊ ኸም ዚኽልከሉ ንምግባር ቈሪጾም እዮም ተላዒሎም። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ነቶም ኣብ ሩስያ ዚርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ከም ዓስቢ ንጽህናኦም፡ ሕጋዊ ዓወት ሂብዎም ኣሎ። እቲ ጕዳይ ኣብዚ ዅሉ እተባጽሐ ግን ብኸመይ እዩ፧
ኣብ መወዳእታ ናጽነት ተረኽበ!
ኣብ መፋርቕ 1990ታት፡ ኣብ ሩስያ ዚርከቡ ኣሕዋትና፡ ነቲ ብ1917 ዝሰኣንዎ ሃይማኖታዊ ናጽነት እንደገና ረኸብዎ። ብ1991 ብመንግስቲ ሕብረት ሶቭየት ከም ወግዓዊ ሃይማኖት ኰይኖም ተመዝገቡ። ሕብረት ሶቭየት ምስ ፈረሰት ከኣ፡ ኣብ ፈደረሽን ሩስያ ተመዝገቡ። ብዘይካዚ፡ እቶም ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ሃይማኖታዊ መስጐጕቲ ዝወረዶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ግዳያት ፖለቲካዊ ግፍዒ ምዃኖም፡ በቲ መንግስቲ ብወግዒ ተገልጸ። ብ1993 ክፍሊ ሕጊ ሞስኮ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ማሕበረሰብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሞስኮ ብዚብል ሕጋዊ ስም መዝገቦም። ኣብታ ዓመት እቲኣ ድማ፡ እቲ ናጽነት ሃይማኖት ዚፈቅድ ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ወይ ቅዋም ሩስያ ኺዕየየሉ ጀመረ። ሓደ ሓው፡ “ከምዚ ዝኣመሰለ ናጽነት ክንረክብ ኢልና ኸቶ ሓሊምና እውን ኣይፈልጥን ኢና” ኢሉ ኺዛረብ እምበኣር ሓቁ እዩ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ነዚ ኢና ን50 ዓመት እንጽበዮ ኔርና” በለ።
ኣብ ሩስያ ዚነብሩ ኣሕዋትን ኣሓትን በቲ “እዋን ራህዋ” ተጠቒሞም ንንጥፈት ስብከቶም ስለ ዘደንፍዕዎ፡ ብዙሓት ሰባት ኣወንታዊ ምላሽ ሃቡ። (2 ጢሞ. 4:2፡ ትርጕም 1990) ብዛዕባ እዚ፡ ሓንቲ ኽኢላ፡ “ሰባት ኣብ ሃይማኖት ዓሚቝ ተገዳስነት ኣሕደሩ” በለት። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ቍጽሪ ኣስፋሕትን ፈለምትን ጉባኤታትን ኪውስኽ ጀመረ። ካብ 1990 ክሳዕ 1995 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ቍጽሪ እቶም ኣብ ሞስኮ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ካብ 300 ናብ ልዕሊ 5,000 በጽሐ። ብዝሒ እቶም ኣብ ሞስኮ ዝነበሩ ሓደስቲ ኣገልገልቲ የሆዋ እናወሰኸ ምኻዱ፡ ንተጻረርቲ ናጽነት ሃይማኖት ኣስግኦም። ኣብ መፋርቕ 1990ታት ከኣ፡ ብሕጊ ብምኽሳስ፡ መጥቃዕቶም ጀመሩ። እዚ ቓልሲ እዚ፡ ክሳዕ ኣብ መወዳእታኡ ዚዛዘም፡ ብኣርባዕተ ነዊሕ መድረኽ እዩ ሓሊፉ።
ገበናዊ መርመራ ናብ ካልእ ተጠምዘዘ
ቀዳማይ መድረኽ እቲ ቓልሲ፡ ኣብ ሰነ 1995 ተጀመረ። ደጋፊት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ሩስያ ዝዀነት ኣብ ሞስኮ እትርከብ ሓንቲ ጕጅለ፡ ኣሕዋትና ኣብ ገበናዊ ንጥፈታት ከም እተኻፈሉ ዚገልጽ ክሲ ኣቕረበት። እታ ጕጅለ ነቶም መጻምድቶም ወይ ደቆም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብምዃኖም እተማረሩ ኣባላት ስድራ ቤት ከም እትውከል ገለጸት። ኣብ ሰነ 1996፡ መርመርቲ፡ መርትዖ ገበን ኪረኽቡ እኳ እንተ ጸዓሩ፡ ዋላ ሓንቲ ኺረኽቡ ኣይከኣሉን። ኰይኑ ግን፡ እታ ጕጅለ በዚ ኸይኣኽላ፡ ኣሕዋትና ገበን ከም ዝፈጸሙ ዚገልጽ ካልእ ክሲ ኣቕረበት። እቶም መርመርቲ ኸኣ፡ ካልኣይ መርመራ ኣካየዱ፣ ኵሉ እቲ ኽሲ ግጉይ ምዃኑ ግን ተረጋገጸ። ይኹን እምበር፡ እቶም ተጻረርቲ መሊሶም ሳልሳይ ክሲ ኣቕረቡ። ድሕርዚ፡ ኣብ ሞስኮ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንደገና እኳ እንተ ተመርመሩ፡ እታ ነቲ ጕዳይ ዝረኣየቶ ዓቃቢት ሕጊ፡ ገበናዊ ጕዳይ ንምጅማር ዚኸውን መሰረት ከም ዘየልቦ ገለጸት። ድሕሪኡ፡ እቶም ተጻረርቲ፡ ራብዓይ ክሲ ኣቕረቡ፣ እታ ዓቃቢት ሕጊ ግን፡ ዋላ ሓንቲ መርትዖ ኽትረክብ ኣይከኣለትን። እቲ ዜገርም ከኣ፡ እታ ጕጅለ እቲኣ፡ ካልእ መርመራ ኺግበር ሓተተት። ኣብ መወዳእታኡ፡ ብ13 ሚያዝያ 1998፡ እቲ ሓድሽ መርማሪ ነቲ ጕዳይ ዓጸዎ።
ሓደ ኣብቲ ጕዳይ እተሳተፈ ጠበቓ ኸም ዝገለጾ፡ “ድሕሪኡ ግን፡ ሓደ ግርምቢጥ ነገር ኣጋጠመ።” እታ ነቲ ሓምሻይ መርመራ ዘካየደት ተወካሊት ቤት ጽሕፈት ዓቃብ ሕጊ፡ ገበን ከም ዘይተፈጸመ እኳ እንተ ገለጸት፡ ኣሕዋትና ብሲቭላዊ ኽሲ ኪኽሰሱ ኸም ዚኽእሉ ግን ምኽሪ ሃበት። ማሕበረሰብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሞስኮ፡ ሃገራውን ኣህጉራውን ሕጊ ኸም ዝጠሓሰ ገለጸት። ዓቃብ ሕጊ ምምሕዳር ሰሜናዊ ወረዳ ሩስያ ኸኣ ምስዚ ብምስምማዕ፡ ሲቭላዊ ኽሲ ኣቕረበ።a ብ29 መስከረም 1998፡ ኣብ ናይ ሞስኮ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ግሎቪኒስኪ፡ እቲ ጕዳይ ኪስማዕ ተጀመረ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ኻልኣይ መድረኽ ተጀመረ።
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ቤት ፍርዲ ተመርመረ
ኣብ ሓንቲ ኣብ ሰሜናዊ ሞስኮ እትርከብ ጸባብ ቤት ፍርዲ፡ ታትያና ኮንድራትየቫ ዝስማ ዓቃቢት ሕጊ በቲ ንኦርቶዶክስን ንእስላምን ንኣይሁድነትን ንቡድህናን ከም ልሙድ ሃይማኖታት ገይሩ ዚርኢ ብ1997 እተኸተመ ፈደራላዊ ሕጊ ገይራ፡ መጥቃዕቲ ፈነወት።b እቲ ሕጊ እቲ፡ ካልኦት ሃይማኖታት ሕጋዊ ተፈላጥነት ንምርካብ ኣጸጋሚ ኸም ዚዀነን ገይሩ እዩ። ጽልኢ ዜስፋሕፍሓ ሃይማኖታት ብኣብያተ-ፍርዲ ንኺእገዳ እውን ይፈቅድ እዩ። እታ ዓቃቢት ሕጊ በቲ ሕጊ እቲ ተጠቒማ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽልኢ ኸም ዜስፋሕፍሑን ንስድራ ቤታት ከም ዚብትኑን ገይራ ብሓሶት ብምኽሳስ፡ ኪእገዱ ጥርዓና ኣቕረበት።
ንኣሕዋትና ዚጣበቐሎም ዝነበረ ጠበቓ፡ “ኣብ ጉባኤ ሞስኮ ዚርከቡ ሕጊ ዝጠሓሱ ውልቀ-ሰባት መን እዮም፧” ኢሉ ሓተተ። እታ ዓቃቢት ሕጊ፡ ስም ክትጠቅስ ኣይከኣለትን። ኰይኑ ግን፡ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሃይማኖታዊ ጽልኢ ኸም ዜለዓዕል ገለጸት። ነዚ ንምርግጋጽ ከኣ፡ ካብ መጽሔት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን ካብ ካልእ ጽሑፋትን ኣንበበት (ኣብ ላዕሊ ርአ)። እዚ ጽሑፋት እዚ ብኸመይ ጽልኢ ኸም ዜለዓዕል ምስ ተሓትተት፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዘለዎም እዮም ዚምህሩ” በለት።
ሓደ ኻብ ኣሕዋትና ዝዀነ ጠበቓ፡ ነታ ዳኛን ነታ ዓቃቢት ሕግን መጽሓፍ ቅዱስ ሂቡ፡ ኤፌሶን 4:5 ኣንበበ፣ እታ ጥቕሲ፡ “ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት” ትብል። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ እታ ዳኛን እታ ዓቃቢት ሕግን እቲ ጠበቓን መመጽሓፍ ቅዱሶም ሒዞም፡ ከም ዮሃንስ 17:18ን ያእቆብ 1:27ን ንዝኣመሰለ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመያየጡሉ ጀመሩ። እቲ ቤት ፍርዲ፡ “እዚ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ጽልኢ የለዓዕል ድዩ፧” ኢሉ ሓተተ። እታ ዓቃቢት ሕጊ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርእይቶ ኽትህብ ብቕዓት ከም ዘይብላ ገለጸት። እቲ ጠበቓ፡ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ሩስያ ዘውጽኣቶ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚነቅፍ ጽሑፋት ኣርእዩ፡ “እዚ ሓሳባት እዚ፡ ሕጊ ዚጥሕስ ድዩ፧” ኢሉ ሓተተ። እታ ዓቃቢት ሕጊ፡ “ብዛዕባ ቤተ-ኽህነታዊ መጐተታት ርእይቶ ኽህብ ብቕዓት የብለይን” ኢላ መለሰት።
መርትዖ ዘይብሉ ኽስታት
እታ ዓቃቢት ሕጊ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ስድራ ቤታት ከም ዚብትኑ ገይራ ኣብ ዝኸሰሰትሉ እዋን፡ ከም በዓል ልደት ዝኣመሰለ በዓላት ከም ዘየብዕሉ ገለጸት። ይኹን እምበር፡ ሕጊ ሩስያ፡ ዜጋታት ንበዓል ልደት ኬብዕሉ ኸም ዘየገድድ ጸኒሓ ተኣመነት። ሩስያውያን፡ እንተላይ ሩስያውያን ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ናይ ርእሶም ምርጫ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም። እታ ዓቃቢት ሕጊ፡ ውድብና ‘ንቘልዑ ንቡር ዕረፍትን ስምዒታዊ ሓጐስን ከም ዚኽልክሎም’ እውን ገሊጻ ነበረት። ሕቶታት ምስ ቀረበላ ግን፡ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ወለዲ ምስ ዝዓበየ ውሉድ ተዘራሪባ ኸም ዘይትፈልጥ ተኣመነት። ሓንቲ ጠበቓ ነታ ዓቃቢት ሕጊ ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣኪባ ትፈልጥ እንተ ዀይና ምስ ሓተተታ፡ እታ ዓቃቢት ሕጊ፡ “ኣድላዪ ኣይነበረን” ኢላ መለሰት።
እቶም ከሰስቲ ንሓደ ፕሮፌሰር ሳይክያትሪ፡ ምስክርነት ክኢላ ኺህበሎም ኣቕረብዎ። እቲ ፕሮፌሰር፡ ጽሑፋትና ምንባብ፡ ኣእምሮኣዊ ጸገም ከም ዜምጽእ ገለጸ። ሓንቲ ተኸላኻሊት ጠበቓ፡ እቲ ፕሮፌሰር ዝሃቦ ቓል መግለጺ ምስቲ መንበረ-ፓትርያርክ ዘዳለዎ ሰነድ ከም ዚመሳሰል ምስ ሓበረት፡ እቲ ፕሮፌሰር፡ ገሊኡ ኽፋሉ ቓል ብቓል ከም ዝቐድሖ ተኣመነ፣ “ካብ ሓደ ፍሎፒ ዲስክ ኢና እንሰርሕ” ከኣ በለ። ተወሳኺ ሕቶታት ምስ ተሓትተ እውን፡ ንዝዀነ ይኹን ናይ የሆዋ ምስክር ሓኪሙ ኸም ዘይፈልጥ ተጋህደ። ብኣንጻሩ ግን፡ ካልእ ፕሮፌሰር ሳይክያትሪ፡ ኣብ ሞስኮ ንዚርከቡ ልዕሊ 100 ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ ኸም ዝገበረሎም፡ ኣብቲ ቤት ፍርዲ መስከረ። እቶም ጕጅለ፡ ጥዑይ ኣእምሮ ኸም ዘለዎም፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዚዀኑ ንነጀው ከኣ ንኻልኦት ሃይማኖታት ብዝያዳ ኸም ዜኽብሩ ገለጸ።
ዋላ እኳ እንተ ተዓወትና፡ እቲ ጕዳይ ኣየብቅዐን
ብ12 መጋቢት 1999፡ እታ ዳኛ፡ ንጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜጽንዕዎ ሓሙሽተ ምሁራት ብምሻም፡ ነቲ ጕዳይ ወዘፈቶ። እዚ ኪኸውን ከሎ፡ ምስቲ ኣብ ሞስኮ ዚርአ ዝነበረ ጕዳይ ብዘይተሓሓዝ መገዲ፡ ሚኒስትሪ ፍትሒ ፈደራላዊ መንግስቲ ሩስያ ንሓደ ጕጅለ ምሁራት፡ ንጽሑፋትና ንኼጽንዖ ኣዚዙ ነበረ። እዚ በቲ ሚኒስትሪ እተመዘዘ ጕጅለ፡ ብ15 ሚያዝያ 1999፡ ኣብ ጽሑፋትና ዝዀነ ይኹን ጐዳኢ ነገር ከም ዘይረኸበ ጸብጸበ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ብ29 ሚያዝያ 1999፡ ሚኒስትሪ ፍትሒ ንሃገራዊ ምዝገባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣሐደሶ። እዚ ኣወንታዊ መጽናዕቲ እዚ እናሃለወ ኽነሱ፡ ቤት ፍርዲ ሞስኮ፡ ንጽሑፋትና ዚምርምር ሓድሽ ጕጅለ ኺምስረት ጠለበ። በዚ ኸምዚ፡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ኵነታት ተፈጥረ፣ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ሚኒስትሪ ፍትሒ ሩስያ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሕጊ ኸም ዚቕየዱ ሃይማኖት ገይሩ ኺፈልጦም ከሎ፡ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ክፍሊ ፍትሒ ሞስኮ ሕጊ ኣፍሪስኩም ኢሉ ይምርምሮም ነበረ።
እቲ ጕዳይ ዳርጋ ንኽልተ ዓመት ተወዘፈ፣ ድሕሪኡ፡ ብ23 ለካቲት 2001 የሌና ፕሮሆሪቼቫ ዝስማ ዳኛ ብይን ሃበት። እቲ ዝሸመቶ ጕጅለ ዝገበሮ ውሳነ ምስ ሰምዐት፡ “ንጥፈታት ሃይማኖታዊ ማሕበረሰብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሞስኮ ዚፈርሰሉን ዚእገደሉን መሰረት የልቦን” ዚብል ብይን ሃበት። ኣብ መወዳእታኡ፡ ኣሕዋትና ኻብ ኵሉ ዝቐረበሎም ክስታት ንጹሃት ምዃኖም ብሕጊ ተረጋገጸ። ይኹን እምበር፡ እታ ዓቃቢት ሕጊ ነቲ ብይን ነጺጋ፡ ናብ ቤት ፍርዲ ኸተማ ሞስኮ ይግባይ በለት። ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ፡ ብ30 ግንቦት 2001፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንውሳነ እታ ፕሮሆሪቼቫ ዝስማ ዳኛ ሰረዞ። እቲ ጕዳይ፡ በታ ዓቃቢት ሕጊ ግን ከኣ ብእተፈልየ ዳኛ እንደገና ኺርአ ድማ ኣዘዘ። በዚ ኸምዚ፡ እቲ ሳልሳይ መድረኽ ተጀመረ።
ዋላ እኳ እንተ ተሰዓርና፡ እቲ ጕዳይ ኣየብቅዐን
ብ30 ጥቅምቲ 2001፡ ቨራ ዱቢንስካየ ዝስማ ዳኛ ነቲ ጕዳይ እንደገና ኽትርእዮ ጀመረት።c ኮንድራትየቫ ዝስማ ዓቃቢት ሕጊ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ጽልኢ ኸም ዜስፋሕፍሑ ገይራ ኸሰሰቶም፣ ብዘይካዚ፡ ንሕጋዊ ማሕበረሰብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእጋዱ፡ እቶም ኣብ ሞስኮ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መሰሎም ንኺሕለወሎም ከም ዜኽእል ገለጸት። ኣብ ሞስኮ ዚነብሩ ኵሎም 10,000 ዚዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ እታ ዓቃቢት ሕጊ ዘቕረበቶ ንመሰሎም “ዚሕሉ” እተባህለ ሓሳብ ከም ዚነጽግዎ ዚሕብር ሰነድ ፈረሙ።
እታ ዓቃቢት ሕጊ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀነ ይኹን ገበን ከም ዝፈጸሙ ዜርኢ መርትዖ ኸተቕርብ ከም ዘየድልያ ገለጸት። እቲ ጕዳይ፡ ብዛዕባ ንጥፈታቶም ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ጽሑፋትን እምነታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምዃኑ ሓበረት። ንኣፈኛ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ሩስያ ኸም ክኢላ ምስክር ገይራ ኸም እተቕርቦ ተዛረበት። እዚ ዘረባኣ እዚ ኸኣ፡ ኣባላት ቤተ-ኽህነት ኣብቲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምእጋድ ዚግበር ጻዕሪ ኣጸቢቖም ይዋስኡ ምንባሮም ኣረጋገጸ። ብ22 ግንቦት 2003፡ እታ ዳኛ፡ ጕጅለ ምሁራት ንጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንደገና ኼጽንዕዎ ወሰነት።
ብ17 ለካቲት 2004፡ መጽናዕቲ እቲ ጕጅለ በቲ ቤት ፍርዲ ኺርአ ጀመረ። እቶም ክኢላታት፡ ጽሑፋትና ንኣንበብቱ፡ “ስድራ ቤትን ሓዳርን ኪዕቅቡ” ዜተባብዕ ምዃኑ፡ ጽልኢ የስፋሕፍሕ ዚብልዎ ኽሲ ኸኣ “ደገፍ ዘይብሉ” ምዃኑ ሓበሩ። ካልኦት ምሁራት እውን ነዚ ተሰማምዑሉ። ሓደ ፕሮፌሰር ታሪኽ ሃይማኖት፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስለምንታይ እዮም ዚሰብኩ፧” ዚብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ፍርዲ፡ “ዕዮ ስብከት፡ ክርስትያን ኪዓዮ ዚግባእ እዩ። ወንጌል ከምኡ እዩ ዚብል፣ ክርስቶስ እውን ንደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ኪዱ ኣብ ኵሉ ሃገራት ስበኹ’ ኢሉ እዩ መዚዝዎም” ኢሉ መለሰ። ይኹን እምበር፡ ብ26 መጋቢት 2004፡ እታ ዳኛ ኣብ ሞስኮ ንዚግበር ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣገደቶ። ብ16 ሰነ 2004፡ ቤት ፍርዲ ኸተማ ሞስኮ ነዚ ውሳነ እዚ ደገፎ።d ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ካብ ዚኸውን ነዊሕ ዝገበረ ሓው፡ ብዛዕባ እቲ ብይን፡ “ብዘመን ሶቭየት፡ ሓደ ሩስያዊ ኢዝሄራዊ ኪኸውን ይግደድ ነይሩ። ሎሚ ኸኣ፡ ሓደ ሩስያዊ ኦርቶዶክስ ኪኸውን ይግደድ ኣሎ” በለ።
ኣሕዋትና ድሕሪ እቲ እገዳ እንታይ ገበሩ፧ ከምቲ እቲ ጥንቲ ዝነበረ ነህምያ ዝገበሮ እዮም ገይሮም። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ጸላእቲ ህዝቢ ኣምላኽ ነቲ ንመካበብያ የሩሳሌም ንምጽጋን ዝገበሮ ጻዕርታት ምስ ተጻረርዎ፡ ንሱን ህዝቡን ብዝዀነ ይኹን ዓይነት ተጻብኦ ኻብ ዕዮኦም ኣየብኰሩን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ መካበብያ ‘ነደቕዎ፡ ልቢ እቲ ህዝቢ እውን ንዕዮ ጽዒቱ ነበረ።’ (ነህ. 4:1-6) ኣብ ሞስኮ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ብተመሳሳሊ፡ በቲ እቶም ተጻረርቲ ዝገበርዎ ተግባር፡ ካብቲ ሎሚ ዚዕየ ዘሎ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣይተጐናደቡን። (1 ጴጥ. 4:12, 16) የሆዋ ኸም ዚሕልዎም ይተኣማመኑ ስለ ዝነበሩ፡ ኣብዚ ነዊሕ ቃልሲ እዚ ናብ ራብዓይ መድረኽ ንምእታው ድሉዋት ነበሩ።
ተጻብኦ ወሰኸ
ብ25 ነሓሰ 2004፡ ኣሕዋትና ናብቲ ኣብቲ ግዜ እቲ ፕረዚደንት ሩስያ ዝነበረ ቭላዲሚር ፑቲን ደብዳበ ብምጽሓፍ፡ ጥርዓኖም ናብ መንግስቲ ኣቕረቡ። እቲ ጥርዓን፡ 76 ጥራዝን 315,000 ክታምን ዝሓዘ ዀይኑ፡ እቲ እገዳ ኣዝዩ ዜተሓሳስብ ምዃኑ ዚገልጽ ነበረ። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፡ ቤተ-ኽህነት ኦርቶዶክስ ሩስያ ናይ ሓቂ መንነቶም ተራእየ። ኣፈኛ መንበረ-ፓትርያርክ ሞስኮ፡ “ንንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዚና ኢና እንቃወሞ” በለ። መራሒ እምነት ምስልምና ኸኣ፡ እቲ እገዳ “ኣገዳስን ኣወንታውን ፍጻመ” ምንባሩ ገለጸ።
ብሰንኪ እዚ፡ እተታለሉ ኽፋል ሕብረተሰብ ሩስያ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኬጥቅዕዎም ተሃንደዱ። ተጻረርቲ ንገሊኦም ኣብ ሞስኮ ኣብ ዕዮ ስብከት ዚካፈሉ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብጕስጢ ወቒዖምዎምን ረጊሖምዎምን እዮም። ሓደ ዝሓረቐ ሰብኣይ ንሓንቲ ሓብቲ ኻብ ሓደ ህንጻ ደድሕሪኣ ስዒቡ ኣብ ዓንዲ ሕቘኣ ብሓይሊ ስለ ዝረግሓ፡ ኣብ ባይታ ወዲቓ፡ ርእሳ ተጋጨወ። ንሳ ናብ ሕክምና እኳ እንተ ተወስደት፡ ፖሊስ ግን ነቲ ሰብኣይ ዋላ ሓንቲ ስጕምቲ ኣይወሰዱሉን። ካልኦት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን፡ ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ፖሊስ ኣትዮምን ኣሰር ኣጻብዖም ተወሲዱን ተሳኢሎምን ምሉእ ለይቲ ተኣሲሮምን እዮም። ኣብ ሞስኮ ዚነብሩ ሓለፍቲ መአከቢ ቦታታት፡ ኣዳራሻቶም ንናይ የሆዋ መሰኻኽር እንተ ኣካርዮም፡ ካብ ስራሕ ከም ዚስጐጉ ተነግሮም። ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ሓያሎ ጉባኤታት፡ ዚካረያኦ ዝነበራ መአከቢታት ሰኣና። ድሕርዚ፡ ኣርብዓ ጉባኤታት ኣብ ሓደ ቦታ ኣብ ዚርከብ ኣርባዕተ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪእከባ ተገደዳ። ሓንቲ ጉባኤ፡ ሰዓት ሸውዓተን ፈረቓን ናይ ንግሆ ህዝባዊ ኣኼባ ትገብር ነበረት። ሓደ ገያሺ ሓላዊ ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “እቶም ኣስፋሕቲ ኣብቲ ኣኼባ ምእንቲ ኺርከቡ፡ ሰዓት ሓሙሽተ ኺትንስኡ ነበሮም። ኰይኑ ግን፡ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ብፍታው ከምኡ ገበሩ” በለ።
“ንምስክር”
ኣብ ታሕሳስ 2004፡ ኣብ ሞስኮ እተገብረ እገዳ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ንምሕባር፡ ጠበቓታትና ናብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ኣመልከቱ። (ነታ፡ “ኣብ ሩስያ እተገብረ ብይን፡ ኣብ ፈረንሳ ከም ብሓድሽ ዚርኣየሉ ምኽንያት” ዘርእስታ ኣብ ገጽ 6 ዘላ ሳጹን ርአ።) ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት፡ ማለት ብ10 ሰነ 2010፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ምሉእ ብምሉእ ናጻ ብምግባር፡ ብምሉእ ድምጺ በየነሎም።e ንዅሉ እቲ እተኸሰስናዮ ኽስታት መርሚሩ፡ መሰረት ዘይብሉ ዀይኑ ረኸቦ። ብዘይካዚ፡ ሩስያ “ነቲ በቲ ቤት ፍርዲ እተረኽበ ግህሰት ከተቋርጾ፡ ነቲ ሳዕቤኑ ኸኣ ብዚከኣላ ዘበለ ኽትእርሞ” ሕጋዊ ግዴታ ኸም ዘለዋ ሓበረ።—ነታ፡ “ብይን እቲ ቤት ፍርዲ” ዘርእስታ ኣብ ገጽ 8 ዘላ ሳጹን ርአ።
እቲ በቲ ቤት ፍርዲ እተገብረ፡ ውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ንንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዚከላኸለሉ ዚገልጽ ንጹር ውሳነ፡ ንሩስያ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነተን ኣባላት ቤት ምኽሪ ኤውሮጳ ዝዀና 46 ካልኦት ሃገራት እውን ዚቕይድ እዩ። ኣብ ርእሲኡ ኸኣ፡ ምሁራት ሕግን ዳያኑን ሓገግቲ ኣካላትን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰልን፡ ነቲ ምስቲ ውሳነ ተተሓሒዙ ዝቐረበ ዓሚቝ ሕግታትን ሓቅታትን ብዓብዪ ተገዳስነት ኬንብብዎ እዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቲ ቤት ፍርዲ ውሳነ ኺገብር ከሎ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ደጊፉ ዝበየነሎም ሸሞንተ ውሳነታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ሩስያን ስጳኛን ኣርጀንቲናን ካናዳን ዩናይትድ ኪንግደምን ደቡብ ኣፍሪቃን ጃፓንን እተረኽበ ትሽዓተ ዓወት እውን ጠቒሱ ነይሩ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ማሕበረሰብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ነቲ መወከሲታት ኰነ ነቲ በታ ዓቃቢት ሕጊ ሞስኮ ዝቐረበ ኽስታት ግጉይ ምዃኑ ዜረጋግጽ መርትዖ፡ ኣብ እምነቶምን ኣብ ንጥፈታቶምን ንዚወርዶም መጥቃዕቲ ንምክልኻል ኪጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም።
የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ኪኸውን፡ ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስታትን ክትውሰዱ ኢኹም” በሎም። (ማቴ. 10:18) ኣሕዋትና ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመት ዝገበርዎ ሕጋዊ ቓልሲ፡ ስም የሆዋ ኣብ ሞስኮን ኣብ ካልእ ክፍልታት እታ ሃገርን ካብ ቅድሚኡ ብዝያዳ ኸም ዚፍለጥ ገይሩ እዩ። በቲ መርመራን በቲ ቤት ፍርድን በቲ ኣህጉራዊ ብይንን ኣቢሉ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተገብረ ኣቓልቦ፡ “ንምስክር” ኰይኑን “ንምስፋሕ ወንጌል” ጠቒሙን እዩ። (ፊል. 1:12) ሎሚ ኣብ ሞስኮ ዚነብሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዕዮ ስብከት ኪካፈሉ ኸለዉ፡ ብብዙሓት ሰብ ቤት፡ “ንስኻትኩም ደኣ ተኣጊድኩም ደይኰንኩምን፧” ዚብል ሕቶ ይቐርበሎም እዩ። እዚ ኸኣ ንዓታቶም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቶም ሰብ ቤት ብዛዕባ እምነትና ዝያዳ ሓበሬታ ንኺህብዎም ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ። ብንጹር እምበኣር፡ ካብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ደው ኬብለና ዚኽእል ተጻራሪ ሓይሊ የልቦን። የሆዋ ነቶም ኣብ ሩስያ ዚነብሩ ፍቑራትን ተባዓትን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኪባርኾምን ኪከናኸኖምን ንጽሊ ኢና።
[እግረ-ጽሑፋት]
a እቲ ኽሲ ብ20 ሚያዝያ 1998 እዩ ቐሪቡ። ድሕሪ ኽልተ ሰሙን፡ ማለት ብ5 ግንቦት፡ ሩስያ ንውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ኣጽደቐቶ።
b “እቲ ሕጊ እቲ፡ ብምኽንያት እታ ኣብ ሩስያ ንዘለዋ ቦታ ብቕንኢ እትሕሉን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ከተአግዶም እትህንጠን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ሩስያ ዝገበረቶ ሓያል ጸቕጢ እዩ ጸዲቑ።”—ኣሶሽየትድ ፕረስ፡ 25 ሰነ 1999።
c እቲ ዜገርም፡ በታ ዕለት እቲኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ሶቭየት ግዳያት ሃይማኖታዊ ጭቈና ኸም ዝነበሩ ዚሕብር ሕጊ ሩስያ ኻብ ዚወጽእ ዓሰርተ ዓመት መልአ።
d እቲ እገዳ ነቲ እተን ኣብ ሞስኮ ዚርከባ ጉባኤታት ዚጥቀማሉ ምዝጉብ ሕጋዊ ትካል ኣፍረሶ። ትምኒት እቶም ተጻረርቲ፡ ኣሕዋትና ብሰንኪ እቲ እገዳ ኻብ ኣገልግሎቶም ኪጐናደቡ እዩ ነይሩ።
e ብ22 ሕዳር 2010፡ ብሓሙሽተ ዳያኑ እተመርሐ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ፡ እቲ ጕዳይ ናብኡ ንኺሓልፍ ብሩስያ ንዝቐረበ ጥርዓን ነጸጎ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ እቲ ብ10 ሰነ 2010 እተገብረ ብይን፡ ናይ መወዳእታን ኪትግበር ዘለዎን እዩ።
[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]
ኣብ ሩስያ እተገብረ ብይን፡ ኣብ ፈረንሳ ኸም ብሓድሽ ዚርኣየሉ ምኽንያት
ብ28 ለካቲት 1996፡ ሩስያ ንውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ኸተመትሉ። (ብ5 ግንቦት 1998፡ ሩስያ ነቲ ውዕል ኣጽደቐቶ።) መንግስቲ ሩስያ ኣብቲ ውዕል እቲ ብምኽታሙ፡ ተገዛእቱ፦
‘መሰል ናጽነት ሃይማኖቶም እተሓለወ እዩ፣ ኣብ ቤቶም ኰነ ብዕሊ ሃይማኖቶም ኬካይዱ፡ እንተ ደልዮም ከኣ ሃይማኖቶም ኪቕይሩ መሰል ኣለዎም።’—ዓንቀጽ 9።
‘ሓሳቦም ብሓላፍነታዊ መገዲ ኺዛረቡን ኪጽሕፉን ንኻልኦት ሓበሬታ ኺህቡን መሰል ኣለዎም።’—ዓንቀጽ 10።
‘ኣብ ሰላማዊ ኣኼባታት ኪሳተፉ መሰል ኣለዎም።’—ዓንቀጽ 11።
እዚ ውዕል እዚ ኣብ ዚግሃሰሉ እዋን፡ እቶም ግዳያት ዝዀኑ ውልቀ-ሰባት ወይ ውድባት ንዅሉ ሕጋዊ ኣማራጺታት ድሕሪ ምጥቃሞም፡ ጕዳዮም ናብቲ ኣብ ስትራዝቡግ: ፈረንሳ፡ ዚርከብ ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ (ኣብ ላዕሊ ዘሎ) ኬቕርቡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ቤት ፍርዲ ብ47 ደያኑ ዝቘመ ዀይኑ፡ ቍጽሪ እቶም ደያኑ ምስ ቍጽሪ እተን ንውዕል ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ ዝኸተማሉ ሃገራት ማዕረ እዩ። ብይን እቲ ቤት ፍርዲ ቐያዲ እዩ። ነቲ ውዕል እቲ ዝኸተማሉ ሃገራት፡ ነቲ ብይን ኬተግብራ ኣለወን።
[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሳጹን]
ብይን እቲ ቤት ፍርዲ
ካብቲ እቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ብይን ተቘንጺሉ እተወስደ ሰለስተ ሓጺር ሓሳባት እንሆ፦
ሓደ ኻብቲ ኽስታት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንስድራ ቤታት ይበታትኑ ዚብል እዩ ነይሩ። እቲ ቤት ፍርዲ ግን ነዚ ዚቃወም ብይን ኣመሓላለፈ። ከምዚ ድማ በለ፦
“ምንጪ እቲ ግጭት፡ ኢሃይማኖታውያን ኣባላት ስድራ ቤት ነቲ ሃይማኖታዊ ቤተሰቦም ሃይማኖቱ ኺገልጽን ኪስዕብን ዘለዎ ናጽነት ዚጻረሩን ዘይፈቕዱን ምዃኖም እዩ።”—ሕ.ጽ. 111።
እቲ ቤት ፍርዲ፡ ብዛዕባ “ቝጽጽር ኣእምሮ” ዝቐረበሉ ኽሲ ዋላ ሓንቲ መርትዖ ኸም ዘይብሉ፡ ከምዚ ኢሉ ገለጸ፦
“ኣብያተ-ፍርዲ [ሩስያ] ካብቶም መሰል ናጽነት ሕልናኦም በዚ ተክኒካት እዚ ተጋሂሱ እተባህሉ ሰባት፡ ስም ዋላ ሓደ ውልቀ-ሰብ እውን ኪጠቅስ ዘይምኽኣሉ፡ እዚ ቤት ፍርዲ እዚ ገሪምዎ እዩ።”—ሕ.ጽ. 129።
ካልእ ክሲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ምምሕልላፍ ደም ብዘይምቕባሎም ንጥዕና ምእመናኖም ይጐድኡ ዚብል እዩ ነይሩ። እቲ ቤት ፍርዲ ነዚ ዚቃወም ብይን ኣመሓላለፈ፦
“እተወሰነ ዓይነት ሕክምና ናይ ምቕባል ወይ ናይ ምእባይ ናጽነት፡ ወይ ከኣ ኣማራጺ ዓይነት ሕክምና ናይ ምሕራይ ናጽነት፡ ንስርዓት ርእሰ-ውሳነን ርእሰ-ምሕደራን ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ብቑዕ በጽሒ ሕሙም፡ መጥባሕቲ ወይ ሕክምና ኺገብር ወይ ከይገብር ናይ ምውሳን ናጽነት ኣለዎ፣ እዚ እውን ንምምሕልላፍ ደም የጠቓልል።”—ሕ.ጽ. 136።