ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/12 ገጽ 5
  • ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ልደት ስለምንታይ ኢዩ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ ዓለም እውን ዝብዓል፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ምንጭታት ዘመናዊ ልደት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ኣብ እዋን በዓል ልደት ባህታ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/12 ገጽ 5

ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ

“ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ [“የሐጕስ፡” NW]።”—ግብሪ ሃዋርያት 20:35።

ገሊኣቶም፡ በዓል ልደት ዜብዕሉሉ ምኽንያት።

ከምቲ የሱስ ዝገለጾ፡ ውህበት ንወሃቢ ዀነ ንተቐባሊ የሐጕስ እዩ። ሓያሎ ሰባት ከኣ ሓጐስ ንምርካብ፡ ኣብ እዋን በዓል ልደት ውህበት ምውህሃብ ኣገዳሲ ዀይኑ ይስምዖም። ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጋጠመ ቝጠባዊ ቕልውላው እውን ከይተረፈ፡ ንኣብነት፡ ኣብ ኣይርላንድ፡ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ኣብ እዋን ልደት ንውህበት ጥራይ ልዕሊ 500 ዩሮ (660 ዶላር ኣመሪካ ዚኸውን) ንኸተጥፍእ ተጸብያ እያ።

ዜተሓታትት ስለምንታይ እዩ፧

ሓያሎ ሰባት ኣብ በዓል ልደት ውህበት ምውህሃብ ዝያዳ ሓጐስ ዘይኰነስ፡ ዝያዳ ውጥረት ዜምጽእ ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ከመይ ገይሩ እዩ ውጥረት ዜምጽእ፧ ብዙሓት ሰባት ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝዀነ ውህበት ንኺዕድጉ ግዴታ ዘለዎም ኰይኑ እዩ ዚስምዖም። ብተወሳኺ፡ ኵሉ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ውህበት ስለ ዚዕድግ፡ መብዛሕትኦም ዕዳጋ ኪኸዱ ኸለዉ ብዜጋጥሞም ጽቕጥቅጥን ነዊሕ ሪጋን ይበሳጨዉ እዮም።

እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዝ ይኽእል፧

የሱስ፡ “ሀቡ” በለ።a (ሉቃስ 6:38) ከምዚ ኺብል ከሎ፡ ኣብቲ ሰባት ንኺህቡ ትጽቢት ዚግበረሎም ፍሉይ እዋን ጥራይ ኪህቡ ኣይኰነን ዜተባብዕ ነይሩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንሰዓብቱ ኸም ክፍሊ ናብራኦም ገይሮም ብምርኣይ፡ ብግዜ ኸይተሓጽሩ ኺህቡ እዩ ዜተባብዖም ነይሩ።

“ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ።” (2 ቈረንቶስ 9:7) ሓደ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ርእይቶ ዚህብ ጽሑፍ፡ እቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ፡ “ዝዀነ ይኹን ነገር ‘ብግዲ’ ኺውሃብ የብሉን፡ ማለት ሓደ ሰብ ንኺህብ ከም እተገደደ . . . ዀይኑ ተሰሚዕዎ ኺህብ የብሉን” ዚብል ትርጕም ሒዙ ኸም ዘሎ ገለጸ። “ሕጉስ ወሃቢ” ኺብሃል ከሎ፡ ሓደ ሰብ፡ ከምቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን በዓል ልደት ዚግበር፡ ንሓደ ፍሉይ ሰብ፡ ኣብ ሓደ ፍሉይ ግዜ፡ ሓደ ፍሉይ ነገር ንኺህቦ ኢሉ ኺግደድ ከም ዘይብሉ የመልክት።

“ፍቓድ ልቢ እንተ አልዩስ፡ በቲ ዘለዎ መጠን ቅቡል እዩ እምበር፡ ብዜብሉ ኣይኰነን።” (2 ቈረንቶስ 8:12) ኣምላኽ ንክርስትያናት ክቡር ውህበት ንኺዕድጉ ኢሎም፡ ዕዳን ዕንዲዳን ኪዀኑ ኣይደልዮምን እዩ። ሓደ ሰብ “በቲ ዘለዎ መጠን” እንተ ሂቡ፡ “ቅቡል” እዩ። እዝስ ካብቲ መዋዓዋዕቲ ኣብ እዋን በዓላት ዜመሓላልፍዎ “ሕጂ ዓድግ፡ ጸኒሕካ ኽፈል” ዚብል መልእኽቶም፡ ኣየ ኽንደይ እተፈልየ ዀን እዩ!

a ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብመጀመርታ እተጻሕፈሉ ግሪኽኛ፡ እታ ግሲ ቐጻሊ ተግባር እያ እተመልክት።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ