ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/12 ገጽ 9
  • ዝበለጸ ረኺቦም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዝበለጸ ረኺቦም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ እዋን በዓል ልደት ባህታ ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓል ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ምንጭታት ዘመናዊ ልደት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ንኣምላኽ ብቕኑዕ መገዲ ኸተምልኾ ወስን
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/12 ገጽ 9

ዝበለጸ ረኺቦም

ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ክርስትያናት፡ በዓል ልደት ንኸየብዕሉ ወሲኖም እዮም። ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ውሳነ እንታይ እዩ ዚስምዖም፧ ሓደ ነገር ዝጐደሎም ኰይኑዶ ይስምዖም እዩ፧ ደቆምከ እተሓረሙ ዀይኑዶ ይስምዖም እዩ፧ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እዚ እንታይ ከም ዚብሉ ርአ።

ኢቪ

ንየሱስ ክርስቶስ ምዝካር፦ “ናይ የሆዋ ምስክር ቅድሚ ምዃነይ፡ ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናብ ቤተ ክርስትያን፡ ኣይከይድን እየ ነይረ። እንተ ኸይደ ኸኣ፡ ኣብ እዋን በዓል ልደት ወይ በዓል ትንሳኤ ጥራይ እየ ዝኸይድ ነይረ። ኰይኑ ግና፡ ሽዑ እውን እንተ ዀነ፡ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ ኣይሓስብን እየ ነይረ። ኣብዚ እዋን እዚ በዓል ልደት ኣየብዕልን እየ፣ ኰይኑ ግና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ኣብ ሰሙን ክልተ ግዜ እእከብ እየ፡ ንኻልኦት ሰባት ከኣ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ እንታይ ከም ዚብል እምህሮም እየ።”—ኢቪ፡ ኣውስትራልያ።

ሩበን

ብምሃብ ዚርከብ ሓጐስ፦ “ሰባት ዘይተጸበኽዎ ውህበት ኪህቡኒ ኸለዉ ሕጕስ እየ ዝብል። ሃንደበት ዜሐጕስ ነገራት ኪግበረለይ ከሎ ደስ እዩ ዚብለኒ። ብዘይካዚ፡ ንሰባት ካርድታት ብምድላውን ስእልታት ብምስኣልን ውህበት ኪህቦም ከለኹ ብመጠኑ የሐጕሶም እዩ፣ ንዓይ እውን የሐጕሰኒ እዩ።”—ሩበን፡ ሰሜናዊ ኣይርላንድ።

ኢመሊ

ንጽጉማት ምሕጋዝ፦ “ንዝሓመሙ ሰባት ምግቢ ኸነዳልወሎም ከለና ባህ እዩ ዚብለና። ሓድሓደ ግዜ ንኸነሐጕሶም ኢልና፡ ዕንባባታት፡ ኬክ፡ ወይ ከኣ ንእሽቶ ህያብ ንማልኣሎም ኢና። ነዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ዓመት ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ክንበጽሖም ስለ እንኽእል የሐጕሰና እዩ።”—ኢመሊ፡ ኣውስትራልያ።

ዌንዲ

ምትእኽኻብ ቤተሰብ፦ “ቤተሰብና ምስ ተኣኻኸበት፡ ደቅና ንኣኮታቶምን ንሓወቦታቶምን ንሓትኖታቶምን ንኣሞታቶምን ንደቆምን፡ ከምኡውን ንኣቦሓጎታቶምን ንእኖሓጎታቶምን ይላለይዎም እዮም። ነዚ እንገብሮ ኣብ ፍሉይ እዋን በዓላት ብዘይምዃኑ፡ ውጥረት ኣይስምዓናን እዩ፡ ቤተሰብና ኸኣ ብፍቕሪ ተደሪኽና ኸም እንበጽሖም እዮም ዚፈልጡ።”—ዌንዲ፡ ደሴታት ከይማን።

ሳንድራ

ሰላም፦ “ኣብ እዋን በዓል ልደት ብዙሕ ዚዕየ ነገራት ስለ ዘሎ፡ መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ ሰላም ኣይሓስቡን እዮም። ሕጂ ግና ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንደቂ ሰብ እተመባጽዓሎም ነገራት ስለ እተመሃርኩ፡ ቅሳነት ረኺበ እየ። ደቀይ እውን ዜሐጕስ መጻኢ ኸም ዘለዎም ፈሊጠ እየ።”—ሳንድራ፡ ስጳኛ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ