ሕቶታት ኣንበብትና
ገሊኦም ሰባት፡ በዓል ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧
ኣብ መላእ ዓለም፡ ዳርጋ ኽልተ ቢልዮን ዚዀኑ ሰባት በዓል ልደት ዜብዕሉ ኣብ 25 ታሕሳስ ኪኸውን ከሎ፡ እንተ ወሓደ 200 ሚልዮን ዚዀኑ ሰባት ድማ ልደት የሱስ ክርስቶስ ኣብ 7 ጥሪ እዮም ዜብዕሉ። ይኹን እምበር፡ በዓል ልደት ፈጺሞም ዘየብዕሉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እውን ኣለዉ። ስለምንታይ እዮም ግና ዘየብዕሉ፧
ገሊኣቶም ዘይብዕሉሉ ምኽንያት፡ ሃይማኖቶም ካብ ህዝበ ክርስትና ስለ ዘይኰነት እዩ። ንኣብነት፡ ካብ ኣይሁድ፡ ሂንዱ፡ ወይ ሺንቶ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ካልኦት ከኣ፡ ኢዘሄራውያን፡ ኢፈሊጣውያን፡ ፈላስፋታት፡ ወይ ከኣ ሰብኣውነታውያን ስለ ዝዀኑ፡ ንዛንታ በዓል ልደት ከም ጽውጽዋይ እዮም ዚቘጽርዎ።
እቲ ዜገርም ግና፡ ንልምድታት በዓል ልደት ዘይቅበልዎ ኽነሶም ብየሱስ ዚኣምኑ ሓያሎ ሰባት እውን ኣለዉ። ንልምድታት በዓል ልደት ዘይቅበልዎ ግና ስለምንታይ እዮም፧ እዞም ሰባት እዚኦም፡ ኣርባዕተ ምኽንያት እዮም ዜቕርቡ።
ቀዳማይ ምኽንያት፦ የሱስ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ወይ ጥሪ ኸም እተወልደ ኣይኣምኑን እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሱስ እተወልደሉ ፍሉይ ዕለት ኣይነግረናን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ፡ “ኣብታ ምድሪ እቲኣ ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሐደሩ ጓሶት ነበሩ። መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ጥቓኦም ደው በለ፡ . . . እቲ መልኣኽ ድማ፤ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊዱልኩም ስለ ዘሎ፡—ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ . . . በሎም” ጥራይ እዩ ዚብል።—ሉቃስ 2:8-12።
የሱስ ኣብ መጀመርታታት ጥቅምቲ ኣቢሉ ኸም እተወልደ ዚሕብር ሓቅታት ኣሎ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ጓሶት ምስ መጓሰኦም ኣብ መሮር ኪሓድሩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ከባቢ ቤት-ልሄም ዚርከብ ገጠራት፡ ኣብ እዋን ታሕሳስን ጥርን ኣዝዩ ቘራሪ እዩ። ስለዚ፡ መጓሰ ምእንቲ ኸይቈራ፡ ሙቐት ናብ ዚረኽባሉ መዕቐሊ እየን ዚውሰዳ።
ካልኣይ ምኽንያት፦ የሱስ ንሰዓብቱ ንልደቱ ዘይኰነስ፡ ንሞቱ ዚዝክሩሉ በዓል ንኼብዕሉ ጥራይ እዩ ፍሉይ መምርሒ ሂብዎም። እዚ ኸኣ፡ ቅልል ዝበለ ሓባራዊ መኣዲ ብምድላው እዩ ዚግበር። (ሉቃስ 22:19, 20) ብዘይካዚ፡ ኣብ ወንጌል ማርቆስን ዮሃንስን ብዛዕባ ልደት የሱስ ከም ዘይተጠቕሰ እውን ኣስተብህል።
የሱስ ንሰዓብቱ ንልደቱ ዘይኰነስ፡ ንሞቱ ዚዝክሩሉ በዓል ንኼብዕሉ ጥራይ እዩ ፍሉይ መምርሒ ሂብዎም
ሳልሳይ ምኽንያት፦ ቀዳሞት ክርስትያናት ልደት ክርስቶስ የብዕሉ ኸም ዝነበሩ ዚገልጽ ታሪኻዊ መርትዖ የለን። ዝኽሪ ሞቱ የብዕሉ ኸም ዝነበሩ ዚገልጽ ጸብጻብ ግና ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 11:23-26) ህዝበ ክርስትያን በዓል ልደት ኣብ 25 ታሕሳስ ከተብዕል ዝጀመረት፡ ካብ ውልደት የሱስ ልዕሊ 300 ዓመት ጸኒሓ እያ። እቲ ዜገርም ድማ፡ ኣብ መፋርቕ መበል 17 ዘመን፡ ኣብ ብሪጣንያ በዓል ልደት ከይብዓል፡ ብባይቶ ተኣጊዱ ነበረ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እውን፡ ሓፈሻዊ ቤት ፍርዲ ማሳቹሰትስ እውን ከምኡ ዓይነት ውሳነ እዩ ኣመሓላሊፉ። ከምዚ ዓይነት ውሳነ እተገብረ ስለምንታይ እዩ፧ ዘ ባትል ፎር ክሪስትማስ (ንበዓል ልደት እተገብረ ቓልሲ) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “የሱስ ኣብ 25 ታሕሳስ ከም እተወልደ ዚሕብር መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዀነ ታሪኻዊ መርትዖ የለን” ትብል። ኣስዒባ እውን፡ ፕዩርታውያን፡a “በዓል ልደት ብሽፋን ክርስትና ዚብዓል ኣረማዊ በዓል” ገይሮም ከም ዚምልከትዎ ገለጸት።
እዚ ኸኣ ናብቲ ራብዓይ ምኽንያት ይመርሓና። ንሱ ድማ፡ እቲ ባህ ዘየብል መበቈል በዓል ልደት እዩ። በዓል ልደት ካብታ ነቲ ኣምላኽ ሕርሻ ዝዀነ ሳተርን ከምኡውን ነቲ ኣምላኽ ጸሓይ ዝዀነ ሶል ኢንቪክተስ ወይ ሚትራ ንምኽባር ኢላ እተፈላለየ በዓላት እተብዕል ዝነበረት ኣረማዊት ሮሜ ዝመጸ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣንትሮፖሎጂስት ዝዀኑ ክርስትያን ራትሽን ክላውድያ ሙለር ኣይበሊንግን ኣብታ ፓጋን ክሪስትማስ (ኣረማዊ በዓል ልደት) ዘርእስታ መጽሓፎም፡ “ልክዕ ከምቲ ቕድሚ ክርስትያና ዝነበረ ሓያሎ ልምድታትን እምነታትን፡ ዓመታዊ ምምላስ ጸሓይ ንምኽባር ዚግበር ዝነበረ ጥንታዊ በዓል እውን ልደት ክርስቶስ ንምብዓል እዩ ዚውዕል ዘሎ” ብምባል ገለጹ።
ብመሰረት እዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ ነጥብታት፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት በዓል ልደት ዘየብዕሉሉ ምኽንያት ተረዲኡካዶ፧
a እዚ ፕዩርታውያን ዚብል ስም ነቶም ኣብ መበል 16 ዘመን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ዓዲ እንግሊዝ ዝነብሩ፡ ንቤተ ክርስትያኖም ካብ ጽልዋታት ናይ ሮማ ካቶሊክ ኬጽፍፉ ዚደልዩ ዝነበሩ ፕሮተስታንት እተዋህበ እዩ።