ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 15/7 ገጽ 26
  • ሓድሽ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓድሽ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓደስቲ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ሓደስቲ ኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ሓድሽ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ታሪኻዊ ኣኼባ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 15/7 ገጽ 26

ሓድሽ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል

ረቡዕ ንግሆ፡ 5 መስከረም 2012፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ካናዳን ንዘለዉ ስድራ ቤት-ኤል፡ ንኣማሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሓድሽ ኣባል ከም እተወሰኾም ብምልክታ ተነግሮም። ማርክ ሳንደርሰን ካብ 1 መስከረም 2012 ኣትሒዙ፡ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ኺዓዪ ጀመረ።

ሓውና ሳንደርሰን፡ ኣብ ሳን ዲያጎ፡ ካሊፎርንያ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ብክርስትያን ወለዲ ተዀስኲሱ እዩ ዓብዩ፡ ብ9 ለካቲት 1975 ከኣ ተጠምቀ። ኣብ ሰስካችወን፡ ካናዳ፡ ብ1 መስከረም 1983 ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ። ኣብ ታሕሳስ 1990፡ ካብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ እተኻየደ ሻውዓይ ክፍሊ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልቲ (ሕጂ ንንጽል ኣሕዋት ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሃል ዘሎ) ተመረቐ። ሓውና ሳንደርሰን ኣብ ሚያዝያ 1991፡ ኣብ ደሴት ንዩፈንድለንድ፡ ካናዳ፡ ፍሉይ ፈላሚ ዀይኑ ንኼገልግል ተሸመ። ተተካኢ ሓላው ወረዳ ዀይኑ ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ኣብ ለካቲት 1997 ኣባል ስድራ ቤት-ኤል ካናዳ ኪኸውን ተጸውዐ። ኣብ ሕዳር 2000፡ ናብ ቤት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ተቐየረ፡ ኣብኡ ኸኣ መጀመርታ ኣብ ሓበሬታ ኣገልግሎት ሆስፒታል፡ ጸኒሑ ድማ ኣብ ክፍሊ ኣገልግሎት ዓየየ።

ኣብ መስከረም 2008፡ ሓውና ሳንደርሰን ኣብቲ ንኣባላት ኮሚተ ጨንፈር ዚኸውን ቤት ትምህርቲ ተኻፈለ፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣባል ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ፊሊፒንስ ኪኸውን ተሸመ። ኣብ መስከረም 2010፡ ናብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ንኺምለስ ዕደመ ቐረበሉ፡ ኣብኡ ኸኣ ሓጋዚ ኣገልግሎት ኮሚተ ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ዓየየ።

ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል

ድሕሪት፡ ካብ ጸጋም ናብ የማን፦ ዴቪድ ስፕለይን፡ ኣንቶኒ ሞሪስ፡ ማርክ ሳንደርሰን፡ ጀፍሪ ጃክሰን፡ ስቲቨን ለት። ቅድሚት፡ ካብ ጸጋም ናብ የማን፦ ሳሙኤል ሀርድ፡ ገራት ሎሽ፡ ጋይ ፒርስ። ኵሎም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል፡ ቅቡኣት ክርስትያናት እዮም

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ