ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w19 ጥሪ ገጽ 31
  • ሓድሽ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሓድሽ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሓድሽ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ሓደስቲ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • ሓደስቲ ኣባላት ኣማሓዳሪ ኣካል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ክልተ ሓደስቲ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
w19 ጥሪ ገጽ 31
ከነት ኩክን ጄሚ ኩክን

ከነት ኩክን ብዓልቲ ቤቱ ጄሚን

ሓድሽ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል

ረቡዕ ንግሆ፡ 24 ጥሪ 2018፡ ነቶም ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ካናዳን ዘለዉ ስድራ ቤት-ኤል፡ ሓውና ከነት ኩክ ጁንየር ተወሳኺ ኣባል ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀነ ዚገልጽ ዜሐጕስ ምልክታ ተነግሮም።

ሓውና ኩክ ኣብ ደቡባዊ ማእከል ፐንስልቨንያ፡ ሕ.መ.ኣ. እዩ ተወሊዱ ዓብዩ። ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ቕድሚ ምውዳኡ ኸኣ፡ ካብ ሓደ መማህርቱ ሓቂ ሰምዐ፣ ብ7 ሰነ 1980 ድማ ተጠምቀ። ብ1 መስከረም 1982 ከኣ፡ ስሩዕ ፈላሚ ብምዃን ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ጀመረ። ንኽልተ ዓመት ፈላሚ ዀይኑ ድሕሪ ምግልጋሉ፡ ብ12 ጥቅምቲ 1984 ኣብ ዎልኪል ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ኬገልግል ጻውዒት ቀረበሉ።

ሓውና ኩክ ኣብ ክፍሊ ሕትመትን ኣብ ቤት ጽሕፈት ቤት-ኤልን ኣብ እተፈላለየ ቦታ ተመዲቡ ን25 ዓመት ኣገልገለ። ኣብ 1996 ድማ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ጄሚ ተመርዓወ፡ ንሳ እውን ኣብ ዎልኪል ኣብ ዚርከብ ቤት-ኤል ምስኡ ከተገልግል ጀመረት። ኣብ ሕዳር 2009 ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ ናብ ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ተመደቡ፣ ሓውና ኩክ ከኣ ኣብ ክፍሊ ምጽሕሓፍ ደብዳበታት ኬገልግል ተመደበ። ኣብ ሚያዝያ 2016 ናብ ዎልኪል ንሓጺር እዋን ድሕሪ ምምላሶም፡ ናብ ብሩክሊን፡ ኒው ዮርክ ገዓዙ። ድሕሪ ሓሙሽተ ወርሒ ድማ ኣብ ዎርዊክ፡ ኒው ዮርክ ናብ ዚርከብ ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ገዓዙ። ኣብ ጥሪ 2017 ድማ፡ ሓውና ኩክ ሓጋዚ ኮሚተ ጽሕፈት ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኑ ኬገልግል ተሸመ።

ኣብዚ እዋን ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል እዞም ዚስዕቡ ሸሞንተ ቕቡኣት ኣሕዋት እዮም፦

ከነት ኩክ፡ ሳሙኤል ሀርድ፡ ጀፍሪ ጃክሰን፡ ስቲቨን ለት፡ ገራት ሎሽ፡ ኣንቶኒ ሞሪስ፡ ማርክ ሳንደርሰን፡ ዴቪድ ስፕለይን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ