ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/9 ገጽ 13
  • “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሃብ እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ኣርኢ
    ዓርኪ ኣምላኽ ክትከውን ትኽእል ኢኻ!
  • የሆዋ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/9 ገጽ 13

ንኣምላኽ ቅረቦ

“ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ”

እንታይ ዓይነት ውህበት እዩ ብሓቂ ንኸተማስወሉ ዚድርኸካ፧ ኵላትና፡ ካብ ሓደ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ዚህብ ሰብ ክንቅበል እዩ ዜሐጕሰና። ንምሃብ ብዚምልከት፡ ድራኸ ኣገዳሲ እዩ። ንዓና የገድሰና እዩ። ብዝያዳ ግና፡ ንኣምላኽ እዩ ዜገድሶ። ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ኣብ 2 ቈረንቶስ 9:7 እተዛረቦ ቓላት መርምሮ።

ጳውሎስ ነዘን ቃላት እዚአን ዝጸሓፈን ስለምንታይ እዩ፧ ንሰብ ቈረንቶስ ነቲ ኣብ ይሁዳ ንዝነበሩ እተሸገሩ ኣሕዋቶም ንምርዳእ እተገብረ መሰናድዎ ኺድግፍዎ እዩ ዜተባብዖም ነይሩ። እሞኸ፡ ንኺህቡ ኼገድዶም ፈቲኑ ድዩ፧ ኣይፈተነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ ይሃብ” ብምባል እዩ ጽሒፉ። ነዚ ምዕዶ እዚ፡ ኣዕሚቝና ንመርምሮ።

“ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ።” ጳውሎስ፡ ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ኪህብ ከሎ፡ “ብልቡ” ወሲኑ ኸም ዚህብ ገለጸ። ምስናይዚ እውን፡ ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ንብጾቱ ዜድልዮም ነገራት ኣዝዩ ይግደስ እዩ። ሓደ ምሁር፡ እታ “ሓለነ” እተተርጐመት ቃል፡ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ፡ “ኣቐዲምካ ምውሳን ዚብል ሓሳብ እዩ ዘለዋ” በለ። ስለዚ፡ ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ እቲ ንክርስትያን ብጾቱ ዜድልዮም ነገራት ይሓስብ፡ ብኸመይ ኪሕግዞም ከም ዚኽእል ከኣ ንርእሱ ይሓትታ እዩ።—1 ዮሃንስ 3:17።

“ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነ።” ጳውሎስ፡ ክልተ ዓይነት ምሃብ ጠቒሱ ኣሎ። (1) ብምዕጥይጣይ፡ (2) ተገዲድካ። ክልቲኡ ኣብ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ቦታ የብሉን። ሓደ ናይ መወከሲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፡ ሓደ ብጓሂ ወይ ብምዕጥይጣይ ዚህብ ወሃቢ፡ ‘ገንዘብ ኪህብ ከሎ እናጐሃየ እዩ ዚህብ።’ ብግዲ ዚህብ ወሃቢ፡ ጸቕጢ ስለ እተገብረሉ እዩ ዚህብ። መን ካባና እዩ እሞ፡ ካብ ሓደ ብምዕጥይጣይ ወይ ብግዲ ዚህብ ወሃቢ፡ ውህበት ኪቕበል ዚደሊ፧

“ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ።” ጳውሎስ፡ ሓደ ክርስትያን ኪህብ እንተ ወሲኑ፡ ተሓጒሱ ኺህብ ከም ዘለዎ ገለጸ። እወ፡ ሓጐስ ፍረ እቲ ብቕኑዕ ድራኸ ዚግበር ምሃብ እያ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ሓደ ሕጉስ ወሃቢ፡ ሓጐሱ ኺሓብእ ኣይክእልን እዩ። እታ “ሕጉስ” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ነቲ ውሽጣውን ግዳማውን መግለጺ እቲ ወሃቢ ኸተነጽር ትኽእል እያ። ሓደ ሕጉስ ወሃቢ ንልብና ይትንክፎ እዩ። ንልቢ ኣምላኽ እውን የሐጕሶ እዩ። ካልእ ትርጕም ከኣ፡ “ኣምላኽ ኪህቡ ንዚፈትዉ ሰባት እዩ ዚፈቱ” ይብል።—ኮንተምፖራሪ ኢንግሊሽ ቨርሽን።

“ኣምላኽ ኪህቡ ንዚፈትዉ ሰባት እዩ ዚፈቱ”

እቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ምሃብ እተዛረቦ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓላት፡ ክርስትያናት ዚምርሑሉ መሰረታዊ ስርዓት እዩ። ግዜና፡ ጕልበትና፡ ወይ ጥሪትና ኽንህብ ከለና፡ ፈቲና ንሃብ። ከምኡ እንተ ጌርና፡ ብፍላይ ድማ ነቶም እተሸገሩ ሰባት ብልግሲ እንተ ሂብናዮም፡ ናይ ሓቂ ሓጐስ ክንረክብ ኢና። ከምዚ ዓይነት ምሃብ፡ የሐጕሰና ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናብቲ ‘ሕጉስ ወሃቢ ዚፈቱ ኣምላኽ’ እውን የቕርበና እዩ።

ንመስከረም ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

1ን 2ን ቈረንቶስ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ