ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/11 ገጽ 4
  • ንኣምላኽ ስም ኣልቦ ዚገብሮ ሓሶት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንኣምላኽ ስም ኣልቦ ዚገብሮ ሓሶት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስም ኣምላኽ ክንፈልጠሉ ዝግብኣና ምኽንያት
    መለኮታዊ ስም
  • ስም ኣምላኽ
    ንቕሑ!—2017
  • ስም ኣምላኽ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ንስም ኣምላኽ ክንጥቀመሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/11 ገጽ 4

ገበር | ሰባት ንኣምላኽ ከም ዘየፍቅርዎ ዚገብሮም ሓሶታት

ንኣምላኽ ስም ኣልቦ ዚገብሮ ሓሶት

ብዙሓት ዚኣምኑሉ፦

“ብዛዕባ ብሕታዊ ስም ኣምላኽን እቲ ስም እንታይ ምዃኑን፡ ገና ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ኣይበጻሕናን።”—ፕሮፌሰር ዴቪድ ካኒንግሃም፡ ቲኦሎጂካል ስታዲስ።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ፦

ኣምላኽ፡ “ኣነ እግዚኣብሄር [“የሆዋ፡” NW] እየ፡ ስመይ እዚኣ እያ” ኢሉ እዩ። (ኢሳይያስ 42:8) የሆዋ ናይ እብራይስጢ ስም ኰይኑ፡ “ዚኸውን” ማለት እዩ።

የሆዋ ንስሙ ኽንጥቀመሉ ይደልየና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንስሙ ጸውዑ፡ ግብሩ ኣብ ኣህዛብ ኣፍልጡ፡ ስሙ ልዑል ከም ዝዀነ ንገሩ” ይብል።—ኢሳይያስ 12:4።

የሱስ ንስም ኣምላኽ ተጠቒሙሉ እዩ። ንደቀ መዛሙርቱ ብዚምልከት ናብ የሆዋ ኺጽሊ ኸሎ፡ “ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣለኹ፡ ከፍልጦም እውን እየ” በለ። ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ስም ኣምላኽ ዘፍለጦም ስለምንታይ እዩ፧ ኣቐድም ኣቢሉ፡ “ከምታ ንዓይ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ምእንቲ ኽትህልዎምን ኣነ ምሳታቶም ሓድነት ምእንቲ ኺህልወንን” በለ።—ዮሃንስ 17:26።

ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያት፦

ዎልተር ላውሪ ዝስሙ ናይ ሃይማኖት ምሁር፡ “ስም ኣምላኽ ዘይፈልጥ ሰብ፡ ንኣምላኽ ብሓቂ ኺፈልጦ ኣይክእልን እዩ፣ ከም ሓደ ኣካል ዘይብሉ ሓይሊ ጥራይ ገይሩ ዚርእዮ እንተ ዀይኑ እውን፡ ኬፍቅሮ ኣይክእልን እዩ” በለ።

ሓደ ቪክቶር ዝስሙ ሰብኣይ፡ ሰሙን ሰሙን ናብ ቤተ ክርስትያን ይኸይድ እኳ እንተ ነበረ፡ ንኣምላኽ ዚፈልጦ ዀይኑ ግና ኣይስምዖን እዩ ነይሩ። ከምዚ በለ፦ “ስም ኣምላኽ የሆዋ ምዃኑ ምስ ፈለጥኩ፡ ኣጸቢቐ እተላለኽዎ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ምስቲ ንነዊሕ እዋን ብዛዕባኡ ዝሰምዕ ዝነበርኩ ኣካል እተራኸብኩ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ከም ናይ ሓቂ ኣካል ገይረ ኽርእዮን ምስኡ ዕርክነት ክምስርትን ድማ ከኣልኩ።”

የሆዋ ነቶም ንስሙ ዚጥቀሙሉ ሰባት ይቐርቦም እዩ። ብዛዕባ እቶም ‘ንስሙ ዚሓስቡ’ ሰባት ኪገልጽ ከሎ እውን፡ “ከምቲ ወላዲ ነቲ ዜገልግሎ ውሉዱ ዚንሕፎ፡ ክንሕፎም እየ” ኢሉ ተመባጺዑ ኣሎ። (ሚልክያስ 3:16, 17) ነቶም ንስሙ ዚጽውዑ ዓስቦም ይህቦም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ስም የሆዋ ዚጽውዕ ዘበለ ዅሉ ኺድሕን እዩ” ይብል።—ሮሜ 10:13።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ