ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 1/8 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ከተለልዮ ትኽእል፧
    ብስራት ኣምላኽ
  • እቲ ብዛዕባ ሃይማኖት ዚገልጽ ብስራት እንታይ እዩ፧
    ብስራት ኣምላኽ
  • ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ከተለልዮ ትኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ኣምላኽ ዚቕበሎ ኣምልኾ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 1/8 ገጽ 16
እተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብሓባር ኬዕልሉ ኸለዉ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ንኣምላኽ ዜኽብራኦ፡ ኵለን ሃይማኖታት ድየን፧

ዜና ዓለም ክትሰምዕ ከለኻ፡ ሓድሓደ እዋን ብስም ሃይማኖት እኩይ ነገራት ኪግበር ከሎ ርኢኻ ትኸውን። ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለወን ሃይማኖታት፡ ኵለን ኣይኰናን። (ማቴዎስ 7:15) ብሓቂ እምበኣር፡ መብዛሕትኦም ደቂ ሰብ ተታሊሎም እዮም ዘለዉ።—1 ዮሃንስ 5:19 ኣንብብ።

ይኹን እምበር፡ ኣምላኽ ነቶም ጽቡቕን ሓቅን ዝዀነ ነገራት ዚፈትዉ ቕኑዓት ሰባት የስተብህለሎም እዩ። (ዮሃንስ 4:23) ንኸምዚኦም ዝበሉ ሰባት ድማ፡ ካብቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሓቂ ንኺፈልጡ ይዕድሞም ኣሎ።—1 ጢሞቴዎስ 2:3-5 ኣንብብ።

ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ብኸመይ ከተለልያ ትኽእል፧

የሆዋ ኣምላኽ፡ ካብ እተፈላለያ ሃይማኖት ንዝመጹ ሰባት፡ ብዛዕባ ሓቂ ንኺፈልጡን ንሓድሕዶም ንኺፋቐሩን ብምምሃር የሕብሮም ኣሎ። (ሚክያስ 4:2, 3) ስለዚ፡ ነቶም ንናይ ሓቂ ሃይማኖት ዚስዕቡ ሰባት፡ ነቲ ንሓድሕዶም ዚተሓላለዩሉ መገዲ ርኢኻ ኸተለልዮም ትኽእል ኢኻ።—ዮሃንስ 13:35 ኣንብብ።

የሆዋ ኣምላኽ ብናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣቢሉ ንዅሎም ዓይነት ሰባት የሕብሮም ኣሎ።—መዝሙር 133:1

ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ፡ እምነቶምን ኣነባብራኦምን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ንስም ኣምላኽ እውን የኽብርዎ እዮም። (መዝሙር 83:18፡ NW) ብዘይካዚ፡ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እንኮ ተስፋ ደቂ ሰብ ምዃና ይእውጁ እዮም። (ዳንኤል 2:44) ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ብምስዓብ ንብጻዮም ሰናይ ግብሪ ስለ ዝገብሩ እውን፡ ‘ብርሃኖም የብርሁ እዮም።’ (ማቴዎስ 5:16) ስለዚ፡ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ በቲ ንጐረባብቶም ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺነግርዎም ኢሎም ካብ ቤት ናብ ቤት ዚገብርዎ ምብጻሕ ኪልለዩ ይኽእሉ እዮም።—ማቴዎስ 24:14፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:42፣ 20:20 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 15 ርአ

ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ