ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 1/10 ገጽ 8-9
  • መንግስቲ ኣምላኽ ንዓኻ ብኸመይ ትጠቕመካ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንግስቲ ኣምላኽ ንዓኻ ብኸመይ ትጠቕመካ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንግስቲ ኣምላኽ ንየሱስ ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • መንግስቲ ኣምላኽ
    ንቕሑ!—2013
  • ሕጂ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኣምላኽ ቁም!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 1/10 ገጽ 8-9
ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ሰብ ሓዳር ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሎም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪምሃሩ ኸለዉ

ገበር | መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ትጠቕመካ፧

መንግስቲ ኣምላኽ ንዓኻ ብኸመይ ትጠቕመካ፧

ካብተን ኣቐዲመን ዝነበራ ዓንቀጻት፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣዝያ ኣገዳሲት ምዃና ተገንዚብካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ምናልባት እውን በቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መጻኢ እተምጽኦ በረኸት ተሳሒብካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ኰይኑ ግና፡ እቲ መብጽዓታት ኪእመን ዘይከኣል ኰይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ።

ንዝሰማዕካዮ ዘበለ ብሃውሪ ኣብ ክንዲ እትኣምኖ፡ ጥንቁቕ ንኽትከውን ምጽዓርካ ጥበባዊ እዩ። (ምሳሌ 14:15) እቲ እትገብሮ ጥንቃቐ ድማ ምስቶም ጥንቲ ዝነበሩ ሰብ ቤርያ እዩ ዜመሳስለካ።a ሰብ ቤርያ ንፈለማ እዋን ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ተነግሮም፡ ነቲ እተባህልዎ ተቐበልዎ፣ ይኹን እምበር፡ ብስምዒት ጥራይ ኣይኰኑን ተቐቢሎምዎ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘እዚ ነገር እዚ ኸምኡ እንተ ዀይኑ ምእንቲ ኺፈልጡ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ተጠንቂቖም ይምርምሩ’ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ሰብ ቤርያ ነቲ ዝሰምዕዎ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ ኣረኣእዮምዎ እዮም። ድሕሪ ግዜ ድማ፡ እቲ ብስራት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመስረተ ምዃኑ ኣመኑ።

ንስኻ እውን ከምቲ ሰብ ቤርያ ዝገበርዎ ንኽትገብር፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኽብሪ ይዕድሙኻ። በቲ እንህቦ ናጻ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልካ፡ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚኣምኑሉ ነገራት ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮ ኸተረኣእዮ ትኽእል ኢኻ።

እቲ እትገብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትፈልጥ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት መልሲ ንኽትረኽበሉ እውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

  • ካበይ ኢና መጺእና፧

  • ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧

  • ኣምላኽ፡ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧

  • ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧

  • ምድርና ኽትጠፍእ ድያ፧

  • መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት እንታይ እዩ፧

ልዕሊ ዅሉ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ንኣምላኽ ንኽትቀርቦ’ ኺሕግዘካ እዩ። (ያእቆብ 4:8) ናብ ኣምላኽ ብዝያዳ ብዝቐረብካ መጠን ድማ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንሕጂ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዘለኣለም ብኸመይ ከም እትጠቕመካ ብዝያዳ ኽትርዳእ ኢኻ። የሱስ እውን እንተ ዀነ ናብ ኣቦኡ ኺጽሊ ኸሎ፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ኢሉ ነይሩ እዩ።—ዮሃንስ 17:3።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ገይሮም ምሳኻ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ይኽእሉ እዮም።

ብዘይ ክፍሊት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓልካ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ ንሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓትቶ ወይ ከኣ ነቲ ኣብ www.pr418.com/ti ዚርከብ ፎርም ክትመልኦ ትኽእል ኢኻ። (ኣብቲ ኣብ ቀንዲ ገጽ ዚርከብ “መጽሓፍ ቅዱስ ብናጻ ኸተጽንዕ ሕተት” ዚብል ጠውቕ)

a ቤርያ ኣብ ጥንታዊት መቄዶንያ ዝነበረት ከተማ እያ።

መንግስቲ ኣምላኽ ንዓኣ ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

ፎላኬ

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ፎላኬ ዝስማ ጓል ዓሰርተ ዓመት ቈልዓ፡ “ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኣዝዩ ዜሐጕሰኒ ነገር” ኣብ ትሕቲ ዚብል ኣርእስቲ፡ ንቤት ትምህርታ ቴማ ንኽትጽሕፍ ተነግራ። ንሳ ድማ፡ ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ምንጋር ስለምንታይ ከም ዜሐጕሳ ጸሓፈት።

ፎላኬ፡ “መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ መንግስቲ እያ። ብዓይኒ ግና ኣይትርአን እያ፣ ዋላ እውን መነጽር እንተ ገበርኩም ኣይትርእዩዋን ኢኹም” በለት።

ፎላኬ ኣስዕብ ኣቢላ፡ ብፍላይ ብዛዕባ እቲ ብሃንቀውታ እትጽበዮ በረኸት መንግስቲ ኣምላኽ ጸሓፈት። ገለ ኻብቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትፈትሖ ጸገማት ብምጥቃስ ድማ፡ “ግዳም ሓደር ዝዀኑ ሰባት ኣብ ጽርግያ ኺነብሩ ኽርኢ ኸለኹ፡ ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ዓለም ዚነብሩ ቘልዑ ድማ ብሰንኪ ጥሜት ኪሞቱ ኸለዉ እሓዝን እየ” ኢላ ጸሓፈት። ወሲኻ እውን፡ “ኢሳይያስ 65:21 ከንብብ ከለኹ ግና እሕጐስ እየ” በለት። እታ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ዚህሉ ዅነታት ደቂ ሰብ ክትገልጽ ከላ፡ “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም” ትብል።

ፎላኬ፡ ነቲ የሆዋ ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ንዅሉ ሕማም ዜወግደሉ እዋን እውን ብሃንቀውታ ኸም እትጽበዮ ገለጸት። ኣብቲ ዘቕረበቶ ቴማ ድማ፡ ራእይ 21:4 ጠቐሰት፣ እታ ጥቕሲ፡ ኣምላኽ “ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ” ትብል። ፎላኬ፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኣዝዩ ዜሐጕሳ ነገር፡ ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ መንግስቱን ምዝራብ ምዃኑ ደጊማ ብምጥቃስ፡ ነቲ ዘቕረበቶ ቴማ ደምደመቶ። መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልቢ እዛ ንእሽቶ ጓል እዚኣ ፍሉይ ቦታ ኸም ዘለዋ ንጹር እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ