ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp20 ቍ. 2 ገጽ 14-15
  • ሕጂ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኣምላኽ ቁም!

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕጂ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኣምላኽ ቁም!
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንስኻኸ ቕድም መንግስቲ ኣምላኽ ክትደሊ ዲኻ፧
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • ‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለ’
    ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ኣምልኽ
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ንመንግስቲ ኣምላኽ ተስተውዕለላዶ ኣሎኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
wp20 ቍ. 2 ገጽ 14-15
ሓደ ሰብኣይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምንባቡ ይጽሊ።

ሕጂ ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኣምላኽ ቁም!

ብርቱዕ ህቦብላ ይመጽእ ከም ዘሎ ጌርካ እሞ ሕሰብ። መንግስቲ ድማ፡ “ካብዚ ናብ ውሑስ ቦታ ውጹ!” ዚብል ህጹጽ ኣዋጅ ኣዊጁ። እንታይ ምገበርካ፧ ብርግጽ መሸም ናብ ውሑስ ቦታ ምኸድካ።

ከም ሓቂ፡ ናብ ልዕሊ ዅላትና ብርቱዕ “ህቦብላ” ይመጽእ ኣሎ ኺብሃል ይከኣል እዩ፣ የሱስ ነዚ፡ “ብርቱዕ ጸበባ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:21) ቦታ ብምቕያር ካብቲ ጸበባ እቲ ኸነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና። ዕቝባ ንምርካብ ግና ክንገብሮ እንኽእል ነገር ኣሎ። እዚኸ እንታይ እዩ፧

የሱስ ክርስቶስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ፡ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ብቐጻሊ ድለዩ” ኢሉ መምርሒ ሂቡ ነይሩ እዩ። (ማቴዎስ 6:33) ከመይ ጌርና ኢና ኸምኡ እንገብር፧

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ድለዩ። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዝዀነ ኻልእ ንላዕሊ ኣገዳሲት ከም ዝዀነት ጌርና ንርእያ ማለት እዩ። (ማቴዎስ 6:25, 32, 33) ስለምንታይ ኢና ኸምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ኽንሕዝ ዘሎና፧ ምኽንያቱ፡ ሰባት ንጸገማት ደቂ ሰብ ኪፈትሑ ኣይክእሉን እዮም። መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ እያ ነዚ ኣጸጋሚ ዕዮ እዚ ኽትዓይዮ እትኽእል።

ቅድም ጽድቁ ድለዩ። በቲ ቕኑዕ ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ንምምልላስ ክንጽዕር ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ቅኑዕን ጌጋን ባዕልና እንተ ወሲንና፡ ሕማቕ ሳዕቤናት ኢና እንዓጽድ። (ምሳሌ 16:25) በቲ ኻልእ ሸነኽ፡ ብመለክዒታት ኣምላኽ ንመላለስ እንተ ዄንና፡ ንኣምላኽ ባህ ኣብ ርእሲ ምባልና፡ ንሕና እውን ንጥቀም ኢና።—ኢሳይያስ 48:17, 18።

ብቐጻሊ ድለዩ። እወ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ብቐጻሊ ኽንደሊ ኣሎና። የሱስ፡ ገሊኦም ሰባት ኣቓልቦኦም ብኻልእ ከም ዚስረቕን ብዙሕ ገንዘብ ምጥራይ ውሕስነት ከም ዜምጽእ ገይሮም ከም ዚሓስቡን ኣጠንቂቑ እዩ። ገሊኦም ድማ ብጭንቀት ናብራ እምብዛ ስለ ዚውሓጡ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምድላይ ግዜ ኣይህልዎምን ይኸውን።—ማቴዎስ 6:19-21, 25-32።

ይኹን እምበር፡ እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚድግፉ፡ ሕጂ ዜድልዮም ከም ዚረኽቡ፡ ኣብ መጻኢ እውን ዘለኣለማዊ በረኸት ከም ዚረኽቡ፡ የሱስ ኣተስፍዩ ኣሎ።—ማቴዎስ 6:33።

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን እኳ እንተ ደለዩ፡ መወዳእታ ዅሉ ስቓይን መከራን ግና ኣብ ህይወቶም ኣይረኣዩን። እንተዀነ ግና፡ ዕቝባ ረኺቦም እዮም። ብኸመይ፧

በቲ ኣምላኽ ዘቘሞ መለክዒታት ጽድቂ እዮም ዚመላለሱ ነይሮም፣ እዚ ኸኣ ካብቲ ነቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዕሽሽ ዚብሉ ዜጋጥሞም ጸገማት ኣዕቊብዎም እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ከም እትመጽእ ዘላቶም ድልድልቲ እምነት ድማ፡ ኣመና ኸቢድ ጸገማት ኪጻወሩ ሓጊዝዎም እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንምጽዋር ዜኽእል “ካብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ሂብዎም እዩ።—2 ቈረንቶስ 4:7-9።

ንስኻኸ ቕድም መንግስቲ ኣምላኽ ክትደሊ ዲኻ፧

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ነቲ ቕድም መንግስቲ ኣምላኽ ኪደልዩ የሱስ ዝሃቦም ትእዛዝ ሓልዮም እዮም። ኣብ ብዘሎ እቲ ንሳቶም ዝነበሩሉ ኽፋል ዓለም ከኣ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰቢኾም እዮም። (ቈሎሴ 1:23) ሎሚኸ ኸምኡ ዚገብር ኣሎዶ፧

እወ! ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መንግስቲ ኣምላኽ ነዚ ስርዓት እዚ ንምጥፋእ ተሪፉ ዘሎ ግዜ ሓጺር ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። ስለዚ፡ ነቲ የሱስ ከምዚ ዚስዕብ ኢሉ ዝጠቐሶ ዕዮ ንምዕያይ ዚከኣሎም ይገብሩ እዮም፦ “እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ።”—ማቴዎስ 24:14።

እሞኸ ነቲ ብስራት እንታይ ምላሽ ክትህበሉ ኢኻ፧ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ መቄዶንያ ዝነበሩ ነበርቲ ኸተማ ቤርያ ኽትከውን ከነተባብዓካ ንፈቱ። ንሳቶም ካብ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ሰምዑ፡ “ብዅሉ ፍቓዶም” እዮም ተቐቢሎምዎ። እቲ ዝሰምዕዎ ኸምኡ እንተ ዀይኑ ንምርግጋጽ፡ ‘ቅዱሳት ጽሑፋት መርሚሮም እዮም፡’ ድሕሪኡ እውን ብመሰረት እቲ ዝፈለጥዎ ስጕምቲ ወሲዶም እዮም።—ግብሪ ሃዋርያት 17:11, 12።

ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ሚልዮናት ሰባት ንመንግስቲ ኣምላኽ ይድግፉ ኣለዉ፣ ንስኻ ድማ ከማታቶም፦

  1. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣፍ ደገ ገዛኡ የዘራርብዎ።

    ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ስማዕ

  2. እቲ ሰብኣይ እቲ ኣብ ቤቱ ምስ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዕ።

    ቅዱሳት ጽሑፋት መርምር

  3. እቲ ሰብኣይ እቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚግበር ኣኼባ ይእከብ።

    ምስቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚድግፉ ሕበር

  4. ሓደ ሰብኣይ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምንባቡ ይጽሊ።

    ንኣምላኽ ከተገልግሎ ኸም እትደሊ ኣርኢ

ንስኻ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን እንተ ደሊኻ፡ ሕጂ ዕቝባ፡ ኣብ መጻኢ ድማ ነባሪ ሰላምን ደሓንን ክትረክብ ኢኻ።

ብዛዕባ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዝያዳ ንምፍላጥ፡ ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብሳይትና እቶ።

ኣብኡ ብልዕሊ 1,000 ቋንቋ ሓበሬታ ኺርከብ ይከኣል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ