ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp16 ቍ. 5 ገጽ 16
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
  • መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ እትመጽእ፧
  • መንግስቲ ኣምላኽ
    ንቕሑ!—2013
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • ንምድርና ኸተመሓድር እትኽእል ቀዋሚት መንግስቲ ኣላዶ፧—መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
    ተወሳኺ ርእሰ ነገራት
  • ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እቲ ሓቂ እንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
wp16 ቍ. 5 ገጽ 16
ኣብ ሰማይ ካብ ዘሎ ዝፋን፡ ብርሃን ናብ ምድሪ ይበርህ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

ገሊኦም ሰባት ነቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ግዝኣት ኣምላኽ ከም እተመልክት ይኣምኑ፣ ካልኦት ድማ ውጽኢት እቲ ደቂ ሰብ፡ ዓለምለኻዊ ሰላምን ሕውነትን ንምምጻእ ዚገብርዎ ጻዕሪ ኸም ዝዀነት ገይሮም ይሓስቡ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ መንግስቲ ኬቕውም እዩ።  . .  ንዅለን እዘን [ሰብኣውያን] መንግስትታት እዚአን ክትሕምሽሸንን ከተጥፍአንን እያ።” (ዳንኤል 2:44) መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ምምሕዳር እያ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኰይና እያ እትገዝእ። —ማቴዎስ 10:7፣ ሉቃስ 10:9።

  • ኣምላኽ፡ በዛ መንግስቲ እዚኣ ኣቢሉ ፍቓዱ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኪፍጽም እዩ።—ማቴዎስ 6:10።

መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ እያ እትመጽእ፧

እንታይ ምበልካ፧

  • ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን

  • ድሕሪ ቐረባ ግዜ

  • ፍጹም ኣይክትመጽእን እያ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“እዚ ብስራት መንግስቲ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ።” (ማቴዎስ 24:14) እዚ ብስራት ምሉእ ብምሉእ ምስ ተሰብከ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ነዚ እኩይ ስርዓት ከተጥፍኦ እያ።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • መንግስቲ ኣምላኽ መዓስ ከም እትመጽእ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን።—ማቴዎስ 24:36።

  • ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ኸም እትመጽእ ይሕብር።—ማቴዎስ 24:3, 7, 12።

ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ በጃኹም ስደዱለይ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ እዚኣ፡ ኣብ ምዕራፍ 8 ርአ

ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ