ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/1 ገጽ 14-15
  • ናብ የሱስ ክንጽሊ ይግባእ ድዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናብ የሱስ ክንጽሊ ይግባእ ድዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሱስ፡ ናብ መን ክንጽሊ እዩ ምሂሩና፧
  • እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ናብ መን እዮም ዚጽልዩ ነይሮም፧
  • ኣምላኽ ብዛዕባ ዚሰምዖ ጸሎት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • የሱስ ጸሎት ምሂሩና
    ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር
  • ፍሉይ መሰል ጸሎት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/1 ገጽ 14-15

ናብ የሱስ ክንጽሊ ይግባእ ድዩ፧

ኣብ ቀረባ እዋን፡ ሓደ ተመራማሪ፡ ኣብ ሓያሎ እተፈላለያ ሃይማኖታት ንዚርከቡ ልዕሊ 800 ዝዀኑ መንእሰያት፡ ‘የሱስ ጸሎት ይምልስ እዩ’ ኢሎም ዚኣምኑ እንተ ዀይኖም ሓተቶም። ካባታቶም ልዕሊ 60 ሚእታዊት፡ ብዛዕባ እዚ ብጽኑዕ ከም ዚኣምኑ ገለጹ። ሓንቲ መንእሰይ ግና፡ ነቲ የሱስ ዚብል ስም ሰሪዛ፡ “ኣምላኽ” ኢላ ጸሓፈት።

እንታይ ይመስለካ፧ ጸሎትና ናብ መን እዩ ኪቐርብ ዘለዎ፧ ናብ የሱስ ድዩ ወይስ ናብ ኣምላኽ፧a መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ፡ ብቐዳምነት የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብኸመይ ኪጽልዩ ኸም ዝመሃሮም እስከ ንርአ።

የሱስ፡ ናብ መን ክንጽሊ እዩ ምሂሩና፧

የሱስ ብትምህርቱን ብኣብነቱን ኣቢሉ ናብ መን ክንጽሊ ኸም ዘሎና ምሂሩና እዩ።

የሱስ ናብ ኣቦኡ ኺጽሊ ኸሎ[ኣብ ገጽ 14, 15 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ብምጽላይ፡ ክንስዕቦ ዘሎና ኣብነት ገደፈልና

ትምህርቱ፦ ሓደ ኻብቶም ደቀ መዛሙርቲ ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ ምጽላይ ምሃረና” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ የሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ክትጽልዩ ኸለኹም፡ ከምዚ በሉ፦ ‘ኣቦና’።” (ሉቃስ 11:1, 2) ብዘይካዚ፡ ኣብቲ ህቡብ ናይ ከረን ስብከት፡ ንሰማዕቱ ኺጽልዩ ኣተባብዖም። “ናብቲ . . . ኣቦኻ ጸሊ” በለ። ኣስዒቡ እውን፡ “ኣቦኹም ገና ኸይለመንኩምዎ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ” ብምባል ኣረጋገጸሎም። (ማቴዎስ 6:6, 8) የሱስ ኣብታ ሰብ ኰይኑ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ምሸት፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንኣቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ኺህበኩም እዩ” በሎም። (ዮሃንስ 16:23) በዚ ኸምዚ፡ የሱስ ናብቲ ኣቦኡን ኣቦናን ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ክንጽሊ እዩ ምሂሩና።—ዮሃንስ 20:17።

ኣብነቱ፦ የሱስ ምስቲ ንኻልኦት ዝመሃሮም ጸሎት ብምስምማዕ፡ “ኦ ኣቦይ፡ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ . . . ብግህዶ እውድሰካ ኣለኹ” ኢሉ ጸለየ። (ሉቃስ 10:21) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ “ኣዒንቱ ናብ ሰማይ ቋሕ ኣቢሉ፡ ‘ኣቦ፡ ስለ ዝሰማዕካኒ አመስግነካ ኣለኹ’” በለ። (ዮሃንስ 11:41) ቀቅድሚ ሞቱ ድማ፡ “ኣቦ፡ ንመንፈሰይ ኣብ ኢድካ አማዕቍባ ኣለኹ” ኢሉ ጸለየ። (ሉቃስ 23:46) የሱስ ናብቲ “ጐይታ ሰማይን ምድርን” ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦኡ ኺጽሊ ኸሎ፡ ኵላትና ኽንስዕቦ ዘሎና ንጹር ኣብነት እዩ ገዲፉልና። (ማቴዎስ 11:25፣ 26:41, 42፣ 1 ዮሃንስ 2:6) እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ፡ ንትምህርትታት የሱስ በዚ መገዲ እዚ ድዮም ተረዲኦምዎ፧

እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ናብ መን እዮም ዚጽልዩ ነይሮም፧

የሱስ ናብ ሰማይ ካብ ዚምለስ ኣብ ውሽጢ እተወሰነ ሰሙናት፡ ደቀ መዛሙርቱ ኻብ ተጻረርቶም ግፍዕን ምፍርራህን ኣጋጠሞም። (ግብሪ ሃዋርያት 4:18) ርግጽ እዩ ሓገዝ ደልዮም ጸልዮም እዮም፣ ግናኸ፡ ናብ መን እዮም ጸልዮም፧ ብቐጻሊ ምእንቲ ኺሕግዞም ‘ብስም እቲ ቕዱስ ኣገልጋሊኡ የሱስ’ “ሓቢሮም ድምጾም ናብ ኣምላኽ ኣልዒሎም” ጸለዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:24, 30) ስለዚ እምበኣር፡ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ፡ ኣብ ጸሎቶም ንመምርሒታት የሱስ እዮም ስዒቦም። ናብ ኣምላኽ እምበር፡ ናብ የሱስ ኣይኰኑን ጸልዮም።

ድሕሪ ገለ ዓመታት፡ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ንሱ ዀነ ብጾቱ ብኸመይ ይጽልዩ ኸም ዝነበሩ ገሊጹ እዩ። ናብ ክርስትያን ብጾቱ ድማ፡ “ምእንታኹም ክንጽሊ ኸለና፡ ነቲ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝዀነ ኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ነመስግኖ ኢና” ብምባል ጸሓፈ። (ቈሎሴ 1:3) ብተወሳኺ ጳውሎስ፡ ንክርስትያን ብጾቱ፡ “ኵሉ ሳዕ ድማ ንኣምላኽናን ኣቦናን ስለ ዅሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣመስግንዎ” ብምባል ጸሓፈሎም። (ኤፌሶን 5:20) ካብዘን ቃላት እዚአን፡ ጳውሎስ ንኻልኦት ስለ ዅሉ ነገር ናብ “ኣምላኽናን ኣቦናን” ብስም የሱስ ኪጽልዩ የተባብዖም ከም ዝነበረ ኽንርዳእ ንኽእል ኢና።—ቈሎሴ 3:17።

ንሕና እውን ከምቶም ቀዳሞት ክርስትያናት፡ ነቲ የሱስ ብዛዕባ ጸሎት ዝሃበና ምኽሪ ብምስዓብ፡ ንየሱስ ዘላትና ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። (ዮሃንስ 14:15) ናብቲ ሓደ በይኑ ሰማያዊ ኣምላኽና ኽንጽሊ ኸለና፡ ከምቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ኣብ መዝሙር 116:1, 2፡ “ድምጸይን ምህለላይን ሰሚዑ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኤፍቅሮ እየ . . . ኵለን መዓልትታተይ ናብኡ ኽምህለል እየ” ኺብል ከሎ ዝነበሮ ምትእምማን ኪህልወና እዩ።b

a ብመሰረት ቅዱሳት ጽሑፋት፡ ኣምላኽን የሱስን ማዕረ ኣይኰኑን። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 4 ርአ። ኣብ

b ጸሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ኪረክብ እንተ ደሊና፡ ብቕዓታቱ ንኸነማልእ ብቕንዕና ኽንጽዕር ኣሎና። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 17 ርአ።

ናብ የሱስ ጸልዮም ድዮም፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ እሙናት ሰባት ንየሱስ (ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰ) ከም እተዛረብዎ፡ ሓደ ሓደ ግዜ እውን ንመላእኽቲ ኸም እተዛረብዎም ዚገልጽ ሒደት ጸብጻብ ሒዙ ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 9:4, 5, 10-16፣ 10:3, 4፣ ራእይ 10:8, 9፣ 22:20) እንተዀነ ግና፡ እዞም ሰባት እዚኦም፡ ናብዞም ሰማያውያን ፍጡራት ይጽልዩ ነይሮም ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። ኣብ ኵሉ እዚ ኣጋጣሚታት እዚ፡ መጀመርታ ነቲ ዝርርብ ዝጀመርዎ እቶም ሰማያውያን ፍጡራት እዮም። ስለዚ፡ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ናብቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ጥራይ እዮም ጸልዮም።—ፊልጲ 4:6።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ