ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/1 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እንስሳታት
    ንቕሑ!—2015
  • እንስሳታት ናብ ሰማይ ይኸዱ ድዮም፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/1 ገጽ 16

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ንብዙሓት ሰባት፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ንኺኣምኑ ዝደረኾም እንታይ እዩ፧

ኣደ ብውላዳ ኽትድነቕ ከላ

ህይወትሲ እተደንቕዶ ኣይኰነትን፧

ኣስታት 3,000 ዓመታት ይገብር ሓደ ገጣሚ፡ “መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ” ብምባል ጸሓፈ። (መዝሙር 139:14) ሓደ ሕጻን ካብ ሓንቲ ዋህዮ ኸመይ ኢሉ ኸም ዚዓቢ ኽትሓስቦ ኸለኻስ ኣየደንቐካንዶ፧ ብዙሓት ሰባት ነቲ ህይወታውያን እተነድፉሉ መገዲ ምስ ረኣዩ፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ኣሚኖም እዮም።—መዝሙር 139:13-17፣ እብራውያን 3:4 ኣንብብ።

እቲ ንዩኒቨርስ ዝፈጠረን ንምድሪ ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰናን ፈጣሪ፡ ህይወት እውን ፈጢሩ እዩ። (መዝሙር 36:9) ንሱ ምስ ደቂ ሰብ ርክብ መስሪቱ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ እውን ገሊጹልና እዩ።—ኢሳይያስ 45:18 ኣንብብ።

መበቈል ደቂ ሰብ ካብ እንስሳታት ድዩ፧

ኣካላትና፡ ብብዙሕ መዳያት ምስ ናይ እንስሳታት ይመሳሰል እዩ። ከመይሲ፡ ፈጣሪ ንሰባትን እንስሳታትን ኣብ ምድሪ ንኺነብሩ ኢሉ እዩ ነዲፍዎም። ነቲ ቐዳማይ ሰብ ድማ ካብ ሓመድ ምድሪ ደኣ እምበር፡ ካብ እንስሳታት ኣይኰነን ገይርዎ።—ዘፍጥረት 1:24፣ 2:7 ኣንብብ።

ሰባት ካብ እንስሳታት ዚፍለዩሉ ኽልተ ቐንዲ መዳያት ኣሎ። ቀዳማይ፡ ሰባት ንፈጣሪኦም ናይ ምፍላጥን ናይ ምፍቃርን ናይ ምኽባርን ተኽእሎ ኣለዎም። ካልኣይ፡ እንስሳታት ንዘለኣለም ኪነብሩ ኣይኰኑን ተፈጢሮም፣ ሰባት ግና ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም ተፈጢሮም። ይኹን እምበር፡ እቲ ቐዳማይ ሰብ መምርሒ ፈጣሪ ስለ ዝነጸገ፡ ኵሎም ሰባት ሞት ወሪሶም እዮም።—ዘፍጥረት 1:27፣ 2:15-17 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 1 እዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ