ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/3 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሞት የሱስ ብኸመይ ክንዝክሮ ይግባእ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ድራር ጐይታ ብኸመይ እዩ ዚበዓል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
  • “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/3 ገጽ 16

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ንሞት የሱስ ክንዝክሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

ሕጉሳት ሰባት ኣብ ምድራዊት ገነት ተሓጒሶም ኪነብሩ ኸለዉ

ሞት የሱስ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚርከብ እዩ ዚገብር፧—ኢሳይያስ 25:8፣ 33:24

ሞት የሱስ ኣብ ታሪኽ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ፍጻመ እዩ፣ የሱስ ንሰብኣዊ ህይወት ናብቲ ዝነበሮ ፍጽምና ንምምላስ እዩ ሞይቱ። ሰብ፡ ሕማቕ ነገራት ናይ ምግባር ዝንባለ ዘለዎን ዚሓምምን ዚመውትን ኰይኑ ኣይተፈጥረን። (ዘፍጥረት 1:31) እንተዀነ ግና፡ ብሰሪ ሓደ ሰብኣይ ማለት ኣዳም፡ ሓጢኣት ናብ ዓለም ኣተወ። የሱስ ድማ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ንኼድሕነና ህይወቱ ሃበ።—ማቴዎስ 20:28፣ ሮሜ 6:23 ኣንብብ።

ኣምላኽ ንወዱ ምእንታና ንኺመውት ናብ ምድሪ ብምልኣኽ፡ ሓለፍ ዝበለት ፍቕሪ ኣርኣየ። (1 ዮሃንስ 4:9, 10) የሱስ ንሰዓብቱ፡ ቅጫን ወይንን ገይሮም ብሕጽር ዝበለ በዓል ንሞቱ ኺዝክርዎ ኣዘዞም። ዓመት ዓመት ነዚ በዓል እዚ ምብዓልና ነቲ የሆዋን የሱስን ዜርኣዩና ፍቕሪ፡ ሞሳና እንገልጸሉ መገዲ እዩ።—ሉቃስ 22:19, 20 ኣንብብ።

ካብቲ ቕጫን ወይንን ኪወስዱ ዘለዎም መን እዮም፧

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሞቱ ኺዝክሩ ኺነግሮም ከሎ፡ ብዛዕባ ሓደ ኺዳን ወይ ስምምዕ ተዛረበ። (ማቴዎስ 26:26-28) እዚ ድማ ንዕኦምን ውሱን ቍጽሪ ንዘለዎም ካልኦትን ምስኡ ኣብ ሰማይ ነገስታትን ካህናትን ናይ ምዃን ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ንሞት የሱስ ዜብዕልዎ እኳ እንተዀኑ፡ ካብቲ ቕጫን ወይንን ዚወስዱ ግና እቶም ኣብቲ ኺዳን እቱዋት ዚዀኑ ጥራይ እዮም።—ራእይ 5:10 ኣንብብ።

ኣብዘን ዝሓለፋ 2000 ዓመት፡ የሆዋ ነገስታት ንዚዀኑ ሰባት ኪሓሪ ጸኒሑ እዩ። (ሉቃስ 12:32) እዚኣቶም፡ ምስቶም ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ዚነብሩ ኺነጻጸሩ ኸለዉ ብቑጽሪ ሒደት እዮም።—ራእይ 7:4, 9, 17 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 5 ርአ

ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ