ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 1/3 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ስለምንታይ እዩ የሱስ ኪስቀን ኪመውትን ዘድለየ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ሕቶ 2፦ ምስ ሞትኩ እንታይ እየ ክኸውን፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ሞትን ትንሳኤን የሱስ—ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 1/3 ገጽ 16
ሰባት ኣብ ምድራዊት ገነት፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኺዘናግዑ ኸለዉን ቈልዑ ኺሕምብሱ ኸለዉን

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ሞት የሱስ ብኸመይ ይጠቕመና፧

ኣምላኽ ንሰባት፡ ብዘይ ሕማምን ሞትን ንዘለኣለም ኣብ ምድሪ ንኺነብሩ እዩ ፈጢርዎም። ይኹን እምበር፡ እቲ ቐዳማይ ሰብ፡ ኣዳም፡ ንፈጣሪ ስለ ዘይተኣዘዞ፡ ንዘለኣለም ኪነብር ኣይከኣለን። ንሕና እውን ዘርኢ ኣዳም ስለ ዝዀንና፡ ሞት ወሪስና ኢና። (ሮሜ 5:8, 12፣ 6:23) እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ንወዱ የሱስ፡ ንኺመውትን ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ህይወት ንኺብጀዎን ኢሉ ናብ ምድሪ ለኣኾ።—ዮሃንስ 3:16 ኣንብብ።

የሱስ፡ ደቂ ሰብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡ ሞተ። ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ከመይ ይመስል ምበልካ፧

ሞት የሱስ፡ ሓጢኣትና ይቕረ ንኺብሃለልናን ንዘለኣለም ንኽንነብርን መገዲ ኸፊቱ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ እርጋንን ሕማምን ሞትን ዘይብሉ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ህይወት፡ ከመይ ከም ዚመስል ይገልጽ እዩ።—ኢሳይያስ 25:8፣ 33:24፣ ራእይ 21:4, 5 ኣንብብ።

ንሞት የሱስ ብኸመይ ክንዝክሮ ይግባእ፧

የሱስ ኣብ ድሮ ሞቱ ኣብ ዝነበረት ምሸት፡ ንሰዓብቱ፡ ሕጽር ዝበለ በዓል ገይሮም ንሞቱ ንኺዝክርዎ ነገሮም። ኣብ ዓዓመት ንሞት የሱስ በዚ መገዲ እዚ ምዝካሩ፡ የሱስን የሆዋን ንደቂ ሰብ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅሩና ንኸነስተንትን ይሕግዘና።—ሉቃስ 22:19, 20፣ 1 ዮሃንስ 4:9, 10 ኣንብብ።

ኣብዛ ዓመት እዚኣ፡ ዝኽሪ ሞት የሱስ፡ ሰኑይ 14 ሚያዝያ፡ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ እዩ ዚውዕል። ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኽትእከብ ተዓዲምካ ኣሎኻ።—ሮሜ 1:11, 12 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 4ን 5ን ርአ

ካብ www.pr418.com/ti ከተራግፋ ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ