ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp16 ቍ. 2 ገጽ 5-7
  • ስለምንታይ እዩ የሱስ ኪስቀን ኪመውትን ዘድለየ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ስለምንታይ እዩ የሱስ ኪስቀን ኪመውትን ዘድለየ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • እቲ ጸገም
  • ኣምላኽ ዝገበሮ ነገር
  • የሱስ ኪስቀን ኪመውትን ዘድለየሉ ምኽንያት
  • ብኸመይ ክትጥቀም ከም እትኽእል
  • የሱስ መድሓኒ ኢዩ—ብኸመይ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2001
  • የሱስ ዝሞተ ስለምንታይ እዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሞትን ትንሳኤን የሱስ—ንዓኻ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • በጅነት ክርስቶስ ኣምላኽ ዘዳለዎ መገዲ ድሕነት
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1999
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
wp16 ቍ. 2 ገጽ 5-7
እተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ሰባት ኣብ ገነት ተሓጒሶም ይነብሩ

ገበር

ስለምንታይ እዩ የሱስ ኪስቀን ኪመውትን ዘድለየ፧

“ብሓደ ሰብ [ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም [ኣ]ተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት።”—ሮሜ 5:12

ኣዳምን ሄዋንን ነታ እተኸልከለት ፍረ ኺርእይዋ ኸለዉ፣ ኣዳምን ሄዋንን ምስ ኣረጉ፣ ሳንዱቕ ሬሳ ናብ መቓብር ይውሰድ

“ንዘለኣለም ክትነብር ትደሊዶ፧” ተባሂልካ እንተ ትሕተት፡ እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧ መብዛሕትኦም ሰባት “እወ” ኢሎም ይምልሱ ይዀኑ፣ እንተዀነ ግና፡ ንዘለኣለም ክትነብር ኢልካ ምሕሳብ ዘይክውንነታዊ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ንሞት ድማ መናብርትናን ውዒሉ ሓዲሩ ዘይተርፈናን ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚገልጽዎ።

ብኣንጻሩ ግና፡ “ክትመውት ተዳሊኻ ዲኻ፧” ተባሂልካ እንተ ትሕተት፡ እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧ ኣብ ንቡር ኵነታት፡ መብዛሕትኦም ሰባት “ኣይፋለይን” ኢሎም ምመለሱ። እዚ እንታይ እዩ ዚሕብረና፧ ፈተናታትን ጸገማትን እናኣጋጠመና እውን ከይተረፈ፡ ብተፈጥሮና ኽንነብር ኢና እንደሊ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንሰባት ናይ ምንባር ባህግን ድሌትን ዘለዎም ገይሩ ኸም ዝፈጠሮም ይገልጽ እዩ። “ኣምላኽ ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ” ይብለና።—መክብብ 3:11።

ከም ሓቂ ግና፡ ንዘለኣለም ዚነብር ሰብ የለን። እቲ ጸገም እንታይ እዩ፧ ኣምላኽ ነዚ ዅነታት ንምዕራይ ዝገበሮ ነገር ኣሎዶ፧ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዚህቦ መልሲ ዜጸናንዕን ምስቲ የሱስ ኪሳቐን ኪመውትን ዘድለየሉ ምኽንያት ብቐጥታ እተተሓሓዘን እዩ።

እቲ ጸገም

እተን ኣብ ዘፍጥረት ዚርከባ ቐዳሞት ሰለስተ ምዕራፍ፡ ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ቅድሚኦም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኸም ዘንበረሎምን ንዕኡ ንምርካብ ኪገብርዎ ብዛዕባ ዘለዎም ነገራት ከም ዝነገሮምን እየን ዚገልጻልና። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ ኸም ዚገልጾ ግና ንኣምላኽ ኣይተኣዘዙን፣ ነቲ እተዋህቦም ተስፋ ድማ ኣጥፍእዎ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ዛንታ ብቕልል ዝበለ መገዲ እተጻሕፈ ብምዃኑ፡ ገሊኣቶም ከም ብሂል ገይሮም እዮም ዚቘጽርዎ። እንተዀነ ግና፡ መጽሓፍ ዘፍጥረት ልክዕ ከም ወንጌላት እቲ ታሪኻዊ ጸብጻብ ዘለዎ ጭብጢ ተቕርብ እያ።a

ኣዳም ብዘይምእዛዙ እንታይ ሳዕቤን እዩ ኣምጺኡ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ብሓደ ሰብ [ኣዳም] ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓለፈ” ብምባል ይምልስ። (ሮሜ 5:12) ኣዳም ንኣምላኽ ብዘይ ምእዛዙ ሓጥአ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ንዘለኣለም ኪነብር ዝነበሮ ተስፋ ኣጥፍአ፣ ጸኒሑ ድማ ሞተ። ንሕና እውን ዘርኡ ስለ ዝዀንና ነቲ ሓጥእ ኵነታቱ ወሪስና ኢና። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ንሓምምን ንኣርግን ንመውትን ኢና። እዚ መግለጺ እዚ፡ ምስቲ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ብዛዕባ እቲ ቘልዑ ኻብ ወለዶም ዚወርስዎ እተወሰነ ባህርያት ብዚምልከት ዝረኸብዎ ርኽበት ዚሰማማዕ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ኣምላኽ ነዚ ዅነታት እዚ ንምዕራይ ዝገበሮ ነገር ኣሎዶ፧

ኣምላኽ ዝገበሮ ነገር

ኣምላኽ ነቲ ኣዳምን ሄዋንን ንዘርኦም ዘጥፍኡሎም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ንምብጃው ወይ ንምምላስ መሰናድዎ ገበረ። እሞ ደኣ፡ ኣምላኽ ነዚ ዝፈጸሞ ብኸመይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ሮሜ 6:23፡ “ዓስቢ ሓጢኣት፡ ሞት እዩ” ይብለና። እዚ ማለት፡ ሞት ሳዕቤን ሓጢኣት እዩ። ኣዳም ስለ ዝሓጥአ ሞተ። ብተመሳሳሊ፡ ንሕና እውን ስለ እንሓጥእ፡ ባሮት እቲ ዓስቢ ሓጢኣት ዝዀነ ሞት ኢና። ኰይኑ ግና፡ ብናትና ጕድለት ኣይኰንናን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓጥእ ኵነታት እተወለድና። ስለዚ፡ ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንወዱ የሱስ፡ ነቲ “ዓስቢ ሓጢኣት” ኪጾረልና ለኣኾ። እዚ ግና ብኸመይ እዩ ዚዓዪ፧

እተፈላለየ ዓሌት ዘለዎም ሰባት ኣብ ገነት ተሓጒሶም ይነብሩ

ሞት የሱስ ሓጐስ ዝመልኦ ዘለኣለማዊ ህይወት ክንረክብ መገዲ ኸፈተልና

ከምቲ እቲ ፍጹም ዝነበረ ኣዳም ብዘይምእዛዙ ሓጢኣትን ሞትን ዘምጸኣልና፡ ሓደ ፍጹምን ክሳዕ ሞት እሙን ዚኸውንን ሰብ፡ ካብዚ ጾር እዚ ሓራ ኼውጽኣና ኣድለየ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ኸምዚ ብምባል እዩ ዚገልጾ፦ “ከመይሲ፡ ከምቲ ብዘይተኣዛዝነት ሓደ ሰብ ብዙሓት ሓጥኣን ዝዀኑ፡ ከምኡ ድማ ብተኣዛዝነት እቲ ሓደ፡ ብዙሓት ጻድቃን ኪዀኑ እዮም።” (ሮሜ 5:19) እቲ ኣብዚ፡ “እቲ ሓደ” ተባሂሉ ዘሎ የሱስ እዩ። ንሰማይ ሓዲጉ ኣብ ምድሪ ፍጹም ሰብ ኰይኑ ተወልደ፣b ኣብ ክንዳና ድማ ሞተ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብጽድቂ ምእንቲ ኽንመላለስን ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ምእንቲ ኺህልወናን ኣጋጣሚ ኸፊቱልና እዩ።

የሱስ ኪስቀን ኪመውትን ዘድለየሉ ምኽንያት

የሱስ ነዚ ንምፍጻም ኪመውት ዘድለዮ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ፡ ዘርኢ ኣዳም ንዘለኣለም ኪነብሩ ኸም እተፈቕደሎም ኪእውጅ ኣይምኸኣለንዶ፧ ከምኡ ንምግባር ምሉእ ስልጣን ነይርዎ እዩ። እዚ ግና ነቲ ዓስቢ ሓጢኣት ሞት ከም ዝዀነ ዚገልጽ ባዕሉ ዘውጽኦ ሕጊ ዕሽሽ ምባል እዩ። እቲ ሕጊ እቲ፡ ከከም ዝጠዓመካ ኽትኣልዮ ወይ ክትቅይሮ እትኽእል ዘይረብሕ ሕጊ ዘይኰነስ፡ መሰረት ናይ ሓቂ ፍትሒ እዩ።—መዝሙር 37:28።

ኣብዚ ጕዳይ እዚ፡ ኣምላኽ ፍትሒ እንተ ዘየንጸባርቕ፡ ሰባት ኣብ ካልእ ጕዳያት እውን ከምኡ ኺገብር ከም ዚኽእል ምሓሰቡ ነይሮም። ንኣብነት፡ እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ምተላዕለ፦ ካብ ደቂ ኣዳም ንዘለኣለማዊ ህይወት ዚበቅዕ መን ምዃኑ ኺውስን ከሎ ፍትሒ ኼርኢ ድዩ፧ ዘተስፈዎ ተስፋ ብምሕላው ዝመጸ ኺእመን ዚከኣል ድዩ፧ ኣምላኽ ኣብቲ ንድሕነትና ዚምልከት ጕዳያት ፍትሒ ምንጽብራቑ፡ ኵሉ ግዜ ቕኑዕ ዘበለ ኸም ዚገብር እዩ ዜረጋግጸልና።

ኣምላኽ ብመስዋእታዊ ሞት የሱስ ኣቢሉ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኸፈተ። ነዘን ኣብ ዮሃንስ 3:16 ተመዝጊበን ዚርከባ ቓላት የሱስ እሞ ኣስተብህለለን፦ “ከመይሲ፡ ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” ስለዚ እምበኣር፡ ሞት የሱስ መግለጺ እቲ ዘየቋርጽ ፍትሒ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኰነስ፡ መግለጺ እታ ንደቂ ሰብ ዘላቶ ዓባይ ፍቕሪ እዩ።

ኰይኑ ግና፡ የሱስ በቲ ኣብ ወንጌላት ተገሊጹ ዚርከብ ዜሳቒ መገዲ ኺመውት ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ፡ ከቢድ ፈተና ኺወርዶ ፍቓደኛ ብምዃኑን እሙን ኰይኑ ብምቕጻሉን፡ ነቲ ሰይጣን ደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ ፈተና ንኣምላኽ እሙናት ኰይኖም ከም ዘይቅጽሉ ዝኸሰሶ ኽሲ ሓንሳእን ንሓዋሩን መልሲ ሃበሉ። (እዮብ 2:4, 5) ሰይጣን ነቲ ፍጹም ዝነበረ ኣዳም ሓጢኣት ኪገብር ደሪኽዎ ብምንባሩ፡ እቲ ዝኸሰሶ ኽሲ መሰረት ዘለዎ ኺመስል ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ማዕረ ኣዳም ዝነበረ የሱስ፡ ከቢድ ስቓይ እኳ እንተ ኣሕለፈ፡ እዙዝ ኰይኑ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:45) የሱስ በዚ ኸምዚ፡ ኣዳም እውን ንኣምላኽ ኪእዘዝ እንተ ዚመርጽ፡ ኪእዘዝ ይኽእል ከም ዝነበረ ኣረጋገጸ። የሱስ ኣብ ትሕቲ ፈተና ተጻዋርነት ብምርኣይ ክንስዕቦ ዚግባእ ኣርኣያ ሓደገልና። (1 ጴጥሮስ 2:21) ኣምላኽ ድማ ስለቲ ዘርኣዮ ፍጹም ተኣዛዝነት፡ ኣብ ሰማይ ዘይትመውት ህይወት ብምሃብ ባሪኽዎ እዩ።

ብኸመይ ክትጥቀም ከም እትኽእል

ሞት የሱስ ብሓቂ ዘጋጠመ ፍጻመ እዩ። ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኸኣ ተኸፊቱ ኣሎ። ንዘለኣለም ክትነብር ትደሊዶ፧ የሱስ፡ “በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዝዀንካ ንዓኻን ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” ብምባል ክንገብሮ ዚግብኣና ነገር ሓቢሩ እዩ።—ዮሃንስ 17:3።

ኣሕተምቲ እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ዝያዳ ኽትፈልጥ ይዕድሙኻ። ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ባህ ኢልዎም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ናብቲ www.pr418.com/ti ዚብሃል ወብ ሳይትና ብምእታው እውን ጠቓሚ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

a ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ ናይ 1 ጥሪ 2011 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ​፡ “ገነት ኤድን ብሓቂዶ ነይራ እያ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

b ኣምላኽ ንህይወት ወዱ የሱስ ካብ ሰማይ ናብ ማሕጸን ማርያም ኣመሓላለፎ፣ በዚ ኸኣ ጠነሰት። ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ድማ የሱስ ካብ ማርያም ዘይፍጽምና ኸይወርስ ኣዕቈቦ።—ሉቃስ 1:31, 35።

ኣብ በዓል ዝኽሪ ዘይበዅዐ ቕጫ ይዘውር

“እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ”

የሱስ ኣብ ድሮ እታ ህይወቱ ኣሕሊፉ ዝሃበላ ምሸት፡ ምስቶም እሙናት ሃዋርያቱ ተኣኪቡ፡ ዝኽሪ ሞቱ ሰርዐ። “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” ድማ በሎም። (ሉቃስ 22:19) ነዚ ትእዛዝ እዚ ብምኽባር፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ሞት የሱስ ኬብዕሉ ኣብ ዓዓመት ይእከቡ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 19,862,783 ተኣከብቲ ነበሩ።

ኣብዚ ዓመት እዚ፡ በዓል ዝኽሪ ሞት የሱስ፡ ረቡዕ 23 መጋቢት፡ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ እዩ ኺውዕል። ንስኻን ስድራ ቤትካን ፈተውትኻን፡ ነዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መደረ ኽትሰምዕ ብኽብሪ ተዓዲምካ ኣለኻ። ሞት የሱስ ኣገዳሲ ዝዀነሉ ምኽንያትን ንዓኻ ብብሕትኻ ብኸመይ ኪጠቕመካ ኸም ዚኽእልን ኪግለጽ እዩ። ብናጻ እዩ ዚእቶ፡ እናዞርካ ድማ ገንዘብ ኣይእከብን እዩ። እቲ ዚግበረሉ ሰዓትን ቦታን ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ነቶም ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓትቶም ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ ኣብ www.pr418.com/ti ክትርኢ ትኽእል ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ