ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/3 ገጽ 13-15
  • ንንጉስ ዚኸውን ገጸ በረኸት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንንጉስ ዚኸውን ገጸ በረኸት
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብምድረ በዳ ዓረብ ምሕላፍ
  • “ምስጢር ኰይኑ ብምጽናሕ፡ ቀዳማይ ቦታ ዝሓዘ ንግድ”
  • ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ዅሕለ ምሕሊ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • በለሳን ጊልዓድ ዚፍውስ ቅዲት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/3 ገጽ 13-15
እተፈላለየ መኣዛ ዘለዎ ቐመማት

ንንጉስ ዚኸውን ገጸ በረኸት

“ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ኻብ ምብራቕ ናብ የሩሳሌም መጹ፣ . . . መዛግብቶም ከፊቶም ድማ፡ ህያባት ወርቅን ጻዕዳ ዕጣንን ከርበን ሃብዎ።”—ማቴዎስ 2:1, 11።

ንሓደ ኣዝዩ ኣገዳሲ ሰብ፡ እንታይ ህያብ ክትህቦ ምመረጽካ፧ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ገሊኡ ቐመማትን ሽቱን ልክዕ ከም ወርቂ ኣኽቢርካ ይርአ ነበረ፣ ኣዝዩ ኽቡር ካብ ምዃኑ እተላዕለ ድማ ንንጉስ ከም ገጸ በረኸት ይውሃብ ነበረ።a በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዮም እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ን“ንጉስ ኣይሁድ” ገጸ በረኸት ኪህብዎ ኸለዉ፡ ጻዕዳ ዕጣንን ከርበን እውን ዝሃብዎ።—ማቴዎስ 2:1, 2, 11።

ዘይቲ በለሳን

ዘይቲ በለሳን

ብዘይካዚ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንግስቲ ሳባ ንሰሎሞን ክትበጽሖ ኸላ ብዛዕባ ዝሃበቶ ገጸ በረኸት ከምዚ ብምባል ይገልጽ፦ “ንሳ ድማ ንንጉስ ሚእትን ዕስራን ታለንት ወርቅን ኣዝዩ ብዙሕ ቀመማትን [“ዘይቲ በለሳንን፡” NW] ክቡር ኣእማንን ሀበቶ። ከምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሀበቶ ቐመማትስ ከቶ ኣይነበረን።”b (2 ዜና መዋእል 9:9) ካልኦት ነገስታት እውን ንንጉስ ሰሎሞን ስምረቶም ንኺገልጹሉ ኢሎም ዘይቲ በለሳን ሰዲዶምሉ እዮም።—2 ዜና መዋእል 9:23, 24።

እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ቐመማትን ሽቱን ካብኡ ዚስራሕ ፍርያትን ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ኽቡር ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ፡ እዚ ነገራት እዚ፡ ብዙሕ ኣገዳስነት ነይርዎ እዩ። ንኣብነት፡ ኣብ ስነ ጽባቐ፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ቀብሪ ይውዕል ነይሩ እዩ። (“ኣጠቓቕማ ምኡዝ ሽቱ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ምኡዝ ሽቱን ቀመማትን፡ ብብዙሓት ሰባት ይጥለብ ኣብ ርእሲ ምንባሩ፡ ብሰሪ መጓዓዝያን ዋጋ መሸጣን ክቡር እዩ ነይሩ።

ብምድረ በዳ ዓረብ ምሕላፍ

ቃስያ

ቃስያ

ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ቀመማትን ሽቱን ዜፍሪ ገሊኡ ኣትክልቲ ኣብ ስንጭሮ ዮርዳኖስ እዩ ዚበቍል ነይሩ። ገሊኡ ግና ካብ ካልእ ሃገራት እዩ ዚመጽእ ነይሩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈላለየ ዓይነት ቀመማትን ሽቱን ተጠቒሱ ይርከብ። ገለ ኻብቲ ብዝያዳ ፍሉጥ ዝዀነ ኸኣ፡ ሳፍሮንን ዓልወን በለሳንን ቃርፋን ጻዕዳ ዕጣንን ከርበን ይርከቦ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ከም ካሙንን ናዕናዕን ሽላንን ዝኣመሰለ ቐመማት ከም መማቕርቲ ምግቢ የገልግል ነይሩ እዩ።

እዚ ቐመማትን ሽቱን ካበይ እዩ ዚመጽእ ነይሩ፧ ዓልወን ቃስያን ቃርፋን ኣብዚ ሎሚ ቻይናን ህንድን ስሪ ላንካን ዚርከባሉ ቦታታት እዩ ዚርከብ ነይሩ። ከም ከርበን ጻዕዳ ዕጣንን ከኣ ካብቲ ኣብ ምድረ በዳ (ካብ ደቡብ ዓረብ ክሳብ እታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ሶማልያ ዚዝርጋሕ) ዚበቍል ኣግራብን ቈጥቋጥን እዩ ዚርከብ ነይሩ። ናርዶስ ኣብ ህንዲ፡ ኣብ ኣኽራናት ሂማላያ ጥራይ ዚርከብ ዝነበረ ቕብኢ እዩ።

ሳፍሮን

ሳፍሮን

መብዛሕትኡ ቐመማትን ሽቱን ኣብ እስራኤል ንኺበጽሕ ብዓዲ ዓረብ እዩ ዚሓልፍ ነይሩ። እዚ ኸኣ ብመሰረት ዘ ቡክ ኦቭ ስፓይስስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ካልኣይን ቀዳማይን ሽሕ ዓመት ቅ.ክ.፡ ዓረብ “ኣብ መንጎ ሃገራት ምብራቕን ሃገራት ምዕራብን ንዚገብር ምምሕልላፍ ኣቕሑ ንበይና እትዕብልል” ዓዲ ንኽትከውን ብመጠኑ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ኣብ ነጌቭ ናይ ደቡባዊ እስራኤል ዚርከብ ጥንታዊ ኸተማታትን ዕርድታትን መዓርፎ ቓፍላይን ምልክታት እቲ ነጋዶ ቐመማት ዚሓልፉሉ ዝነበሩ መገድታት ይርከቦ እዩ። ዘዎርልድ ሄሪተይጅ ሰንተር ኦቭ ዩኔስኮ፡ ከም ዝሓበሮ ኸኣ፡ እዚ ሰፈራታት እዚ፡ ‘ነቲ ኻብ ደቡብ ዓረብ ናብ መዲተራነያን ዚግበር ዝነበረ ዓብዪ መኽሰብ ዝነበሮ ንግድ’ ዜንጸባርቕ እዩ።

“እዚ መጠኑ ሒደት፡ ዋጋኡ ኽቡር፡ ወትሩ ኸኣ ዚጥለብ ቀመማትን ሽቱን ኣብ ንግድ ተበሃጊ እዩ ነይሩ።” —ዘ ቡክ ኦቭ ስፓይስስ

እተን ነዚ ምኡዝ ሽቱን ቀመማትን እተጻዕና ቓፍላይ ን1,800 ኪ.ሜ. ዚኣክል ብመገዲ ዓረብ ይሓልፋ ነይረን እየን። (እዮብ 6:19) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ንግድ እተዋፈሩ እስማኤላውያን ቃፍላይ ከም “ሽቱን ቀመምን ከርበን” ተሰኪሞም፡ ካብ ጊልዓድ ናብ ግብጺ ይኸዱ ኸም ዝነበሩ ይገልጽ እዩ። (ዘፍጥረት 37:25) ደቂ ያእቆብ ንሓዎም ዮሴፍ ናብዞም ነጋዶ እዚኦም እዮም ሸይጦምዎ።

“ምስጢር ኰይኑ ብምጽናሕ፡ ቀዳማይ ቦታ ዝሓዘ ንግድ”

ሽላን

ሽላን

ኣዕራብ ነጋዶ ንመብዛሕትኡ ንግድ ቀመምን ሽቱን ንዘመናት ዚኣክል ተቘጻጺሮምዎ ነይሮም እዮም። ከም ቃስያን ቃርፋን ዝኣመሰለ ቐመማት ካብ እስያ ዜምጽኡ ዝነበሩ ነጋዶ፡ ኣዕራብ ጥራይ እዮም ነይሮም። ሃገራት መዲተራነያን ምስቲ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ዘሎ ምንጪ፡ ቀጥታዊ ንግዳዊ ርክብ ምእንቲ ኸይገብራ ኢሎም ከኣ፡ ቀመማትን ሽቱን ንምርካብ ሓደገኛ ኸም ዝዀነ ዚገልጽ ወረ ፈጢሮም ኣናፈሱ። ዘ ቡክ ኦቭ ስፓይስስ፡ እቲ ናይ ሓቂ ምንጪ ቐመማትን ሽቱን “ምስጢር ኰይኑ ብምጽናሕ፡ ቀዳማይ ቦታ ዝሓዘ ንግድ” ነይሩ ኪኸውን ከም ዚኽእል ገለጸት።

ካሙን

ካሙን

ኣዕራብ እንታይ ወረ እዮም ኣናፊሶም፧ ኣብ መበል ሓሙሻይ ዘመን ቅ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ግሪኻዊ ጸሓፍ ታሪኽ ሄሮዶተስ ከም ዝገለጾ፡ ሓደ ኻብቲ ወረ፡ ‘ዜፍርሃ ኣዕዋፍ ንሰፈረን ኪብጻሕ ኣብ ዘይክእል ኣጻድፍ ብቕላጣት ቀረፋ ኸም ዝሰርሓኦ እሞ፡ ሰባት ነዚ ኽቡር ቀመም እዚ ንምርካብ፡ ኣብ እግሪ እቲ ጸድፊ ብዙሕ ስጋ ኸም ዜቐምጡ፡ ሽዑ እተን ኣዕዋፍ ብህርፋን ነቲ ስጋ ተሰኪመን ናብ ሰፈረን ምስ ከዳ፡ እቲ ሰፈረን ናብ ምድሪ ይወድቕ፡ እቶም ሰባት ከኣ ተቐላጢፎም ነቲ ቓርፋ ኣርዮም ንነጋዶ ይሸጥዎ’ ዚብል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ወረታት ኣብ ኵሉ ተዘርግሐ። ዘ ቡክ ኦቭ ስፓይስስ፡ “ቃርፋ ምእካብ ከም ሓደገኛ ይቝጽር ስለ ዝነበረ፡ እዚ ቐመም እዚ ብኣዝዩ ኽቡር ዋጋ እዩ ዚሽየጥ ነይሩ” በለት።

ጥማር ቃርፋ

ጥማር ቃርፋ

ኣብ መወዳእታ፡ ምስጢር እቶም ኣዕራብ ስለ እተቐልዐ፡ እቲ ንበይኖም ዚምዝምዝዎ ዝነበሩ ንግድ ካልኦት እውን ኪጥቀሙሉ ጀመሩ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ቅ.ክ. እስክንድርያ፡ ግብጺ፡ ዓባይ ወደብን ሕምብርቲ ንግድ ቀመማትን ሽቱን ኰነት። ባሕረኛታት ነቲ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ዚነፍስ ንፋሳት ሞንሱን ብኸመይ ከም ዚጠቀሙሉ ምስ ፈለጡ፡ መራኽብ ሮሜ ኻብ ወደባት ግብጺ ናብ ህንዲ ኺጐዓዛ ጀመራ። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ንምሾት ዚኸውን ቀመማትን ሽቱን ብብዝሒ ኺርከብ ጀመረ፡ ዋጋኡ ኸኣ ሓሰረ።

ሎሚ፡ ዋጋ ቐመማትን ሽቱን ምስ ወርቂ ኣይወዳደርን እዩ። ንቐመማትን ሽቱን ንንጉስ ዚኸውን ገጸ በረኸት ከም ዝዀነ ጌርና እውን ኣይንቘጽሮን ኢና። ይኹን እምበር፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ንጨናን ንመድሃኒትን ይጥቀሙሉ እዮም፣ ንመመቀሪ ምግቢ እውን ይጥቀሙሉ እዮም። እወ፡ እቲ ዘወናውን መኣዛ ዘለዎ ቐመማትን ሽቱን፡ ከምቲ ኣሽሓት ዓመታት ይገብር ተፈታዊ ዝነበረ፡ ሕጂ እውን ተፈታዊ እዩ።

ጥማር ቃርፋ

ቃርፋ

a ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ “ቐመም” ወይ “ቀመማት” ተባሂሉ እተተርጐመ ቓላት እቲ በዅሪ ቛንቋ፡ ብቐንዱ ንመማቕርቲ ምግቢ ዘይኰነስ ነቲ ፍርያት ተኽሊ ዝዀነ ሽቱ እዩ ዜመልክት።

b “ዘይቲ በለሳን” ካብ ኣግራብን ካብ ቈጥቋጣትን ንዚርከብ ምኡዝ ጨና ዘለዎ ዘይቲ ወይ ዕንዲዳ የመልክት።

ኣጠቓቕማ ምኡዝ ሽቱ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ

ዘይቲ ቕብኣትን ቅዱስ ዕጣንን። የሆዋ ንሙሴ ዘይቲ ቕብኣትን ቅዱስ ዕጣንን ብኸመይ ከም ዚዳሎ ዚገልጽ መምርሒ ሂብዎ እዩ። ክልቲኡ ኸኣ ብኣርባዕተ ዓይነት ሽቱ እተቓመመ እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 30:22-25, 34-38) ገሊኦም ካህናት ዘይቲ ቕብኣት ብምድላውን ኣጠቓቕማኡ ብምቍጽጻርን ፍሉይ ክእለት ኣማዕቢሎም ነበሩ።—ዘሁልቍ 4:16፣ 1 ዜና መዋእል 9:30።

ጨናታትን ቅብእን። እቶም ጥዑም ጨና ንኺዕድጉ ዓቕሚ ዝነበሮም ሰባት፡ ንኣባይቶምን ንኽዳውንቶምን ንዓራውቶምን ንኣካላቶምን ይንስንሱሉ ነበሩ። (ኣስቴር 2:12፣ ምሳሌ 7:17፣ መሃልየ መሃልይ 3:6, 7፣ 4:13, 14) ማርያም ሓብቲ ኣልኣዛር፡ ኣዝዩ ኽቡር ዝዋጋኡ፡ “ጽሩይ ቅዱይ ቅብኢ ናርዶስ” ሒዛ ኣብ ጸጕርን እግርን የሱስ ኣፍሰሰቶ። እቲ ‘ጽሩይ ናርዶስ’ ዝሓዘ ንእሽቶ ብልቃጥ፡ ዋጋኡ ኽንዲ ውዕለት ሓደ ዓመት እዩ ነይሩ።—ማርቆስ 14:3-5፣ ዮሃንስ 12:3-5።

ሬሳ ንቐብሪ ምድላው። ኒቆዲሞስ ንኣካላት የሱስ ንቐብሪ ንምድላው፡ “ጥቕሉል ከርበን ዓልወን” ኣቕረበ። (ዮሃንስ 19:39, 40) ገሊአን ካብ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝዀና ኣንስቲ ኸኣ፡ “ሽቱን ቅዱይ ቅብእን” ኣዳልየን ናብ መቓብር ወሰዳኦ።—ሉቃስ 23:56–24:1።

መማቕርቲ። እስራኤላውያን እውን ኣብ ዓሳን ስጋን መማቕርቲ ምእንቲ ኪኸውን ቀመም ይገብሩሉ ነይሮም እዮም። ገሊኡ ቐመማት ወይኒ ንምቅማም እውን ይውዕል ነይሩ እዩ።—መሃልየ መሃልይ 8:2።

እቲ ንየሱስ እተዋህበ ኸርበን ዕጣንን

ጻዕዳ ዕጣንን ከርበን ካብቲ ንቕላጥ ንኣሽቱ ኣግራብ ወይ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብምጭዳድ ዚወጽእ ዕንዲዳ እዩ ዚርከብ ነይሩ።

ገረብ ጻዕዳ ዕጣን ኣብ ደቡባዊ ገማግም ዓረብ እዩ ዚበቍል ነይሩ፣ ቈጥቋጣት ከርበ ኸኣ ኣብተን ሓውሲ ምድረ በዳ ዝዀና ሃገራት ሶማልያን የመንን እዩ ዚርከብ ነይሩ። ጻዕዳ ዕጣንን ከርበን በቲ ዘለዎ ጥዑም ጨና ኣኽቢርካ እዩ ዚርአ ነይሩ። የሆዋ ባዕሉ እውን ምስ ኣምልኾኡ ብእተተሓሓዘ መሪጽዎ እዩ። ከመይሲ፡ ከርበ ንቕዱስ ዘይቲ ቕብኣት፡ ጻዕዳ ዕጣን ከኣ ንቕዱስ ዕጣን ዜገልግል ገለ ኽፋል ውሁድ እዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 30:23-25, 34-37) ይኹን እምበር፡ ክልቲኡ ኣብ እተፈላለየ መዓላ እዩ ዚውዕል ነይሩ።

እቲ ብልምዲ ኸም ዕጣን ዜገልግል ዝነበረ ጻዕዳ ዕጣን፡ እቲ ጥዑም ጨናኡ ንኺሃግግ ብሓዊ ይነድድ ነበረ። እቲ ኻብ ከርበ ዚወጽእ ዝነበረ ዕንዲዳ ግና ብቐጥታ እዩ ኣብ መዓላ ዚውዕል ነይሩ። ከርበ ኣብቲ ብዛዕባ የሱስ ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰለስተ ሳዕ ተጠቒሱ ኣሎ፦ (1) የሱስ ህጻን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ከም ገጸ በረኸት (ማቴዎስ 2:11)፣ (2) የሱስ ኣብ ዕንጨይቲ ምስ ተሰቕለ፡ ንቓንዛኡ ንምህዳእ ተባሂሉ ምስ ወይኒ ተሓዊሱ፣ (ማርቆስ 15:23)፣ (3) ሓደ ኻብቲ ንሬሳ የሱስ፡ ንቐብሪ ንምድላው ተባሂሉ እተዋህበ ሽቱ (ዮሃንስ 19:39)።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ