ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/4 ገጽ 4-7
  • ንዅሉ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንዅሉ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብዛዕባ እቲ እንህቦ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ንዚሕተት ሕቶታት ዚኸውን መልስታት
  • እቲ ትምህርቲ ኣበይን መዓስን እዩ ኺውሃብ ዚከኣል፧
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዜቕርብዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧
    ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧
  • ነዚ እተምሃርካዮ ፈቲኻዮዶ፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—መእተዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ዘድልየካ ስለምንታይ እዩ፧
    ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/4 ገጽ 4-7
ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ገበር | መጽሓፍ ቅዱስ ክትመሃር ትደሊዶ፧

ንዅሉ ዚኸውን ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ዚገብርዎ ህዝባዊ ዕዮ ስብከት እዮም ዚፍለጡ። እንተዀነ ግና፡ ብደረጃ ዓለምለኸ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንምህርከ ትፈልጥዶ፧

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ስራሑ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምሃር ከሎ

ብ2014 ኣብ 240 ሃገራት ዚርከቡ ልዕሊ 8,000,000 ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ንኣስታት 9,500,000 ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ምሂሮም እዮም።a ብርግጽ፡ ቍጽሪ እቶም ምሳና ዀይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ዚምሃሩ ሰባት፡ ካብቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 140 ዝዀና ሃገራት ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ዚበልጽ እዩ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ትምህርታዊ ዕዮ ንምድጋፍ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ዳርጋ ሓደ ቢልዮንን ፈረቓን ቅዳሓት መጽሓፍ ቅዱስን መጻሕፍትን መጽሔታትን ካልእ ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ጽሑፋትን ብኣስታት 700 ቛንቋ ይሓትሙ እዮም። እዚ መዳርግቲ ዘይብሉ ብዝሒ ሕትመት፡ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዝመረጽዎ ቛንቋ ንኺምሃሩ ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ኣሎ።

“ትምህርቲ ፈጺመ ኣይፈቱን እየ ነይረ፡ እዚ ትምህርቲ እዚ ግና ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። እቲ እተመሃርክዎ ድማ ኣዝዩ እዩ ዜጸናንዕ!”—ካትሌጎ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ።

“እቲ ትምህርቲ፡ ንዅሉ ሕቶታተይን ካልእ ተወሳኺ ሓሳባትን ዚሽፍን እዩ ነይሩ።”—በርታ፡ መክሲኮ።

“ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ገዛይ፡ ንዓይ ኣብ ዚጥዕመኒ እዋን እዩ ዚግበር ነይሩ። ካብዚ ንላዕሊ እሞ እንታይ እየ ኽደሊ!”—ኢዘክኤል፡ ብራዚል።

“ሓድሓደ ግዜ እቲ ትምህርቲ ኻብ 15 ክሳዕ 30 ደቒቕ እዩ ዚወስድ ነይሩ—ኣብ ካልእ እዋናት ድማ ንንውሕ ዝበለ ግዜ—ኰታስ ንዓይ ከም ዝጠዓመኒ።”—ቪንያና፡ ኣውስትራልያ።

“እቲ ትምህርቲ ብናጻ እዩ ነይሩ—ዜደንቕ እዩ!”—ኣይመ፡ በኒን።

“እታ መጽሓፍ ቅዱስ እትምህረኒ ዝነበረት፡ ዕግስትን ሕያወይትን እያ ነይራ፣ በዚ ድማ ጥብቂ ምሕዝነት ኣማዕበልና።”—ካረን፡ ሰሜናዊ ኣይርላንድ።

“እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ዚምሃሩ ሰባት፡ ግድን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪዀኑ የድልዮም ማለት ኣይኰነን።”—ደንቶን፡ ዓዲ እንግሊዝ።

ብዛዕባ እቲ እንህቦ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብተደጋጋሚ ንዚሕተት ሕቶታት ዚኸውን መልስታት

እቲ ዚውሃብ ትምህርቲ እንታይ እዩ፧

እተፈላለየ ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንወስድ፡ ምስቲ ርእሰ ነገር ዚሰማማዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ንምርምር። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ኣምላኽ መን እዩ፧ እንታይ እዩ ዚመስል፧ ስም ኣለዎዶ፧ ኣበይ እዩ ዚነብር፧ ክንቀርቦኸ ንኽእል ዲና፧’ ንዚብል ሕቶታት መልሲ ይህበሉ እዩ። እቲ በዳሂ ዚገብሮ ግና ነዚ መልስታት እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣበይ ክትረኽቦ ኸም እትኽእል እዩ።

ንሰባት መልሲ ሕቶታቶም ኪረኽቡ ንምሕጋዝ፡ ነታ 224 ገጽ ዘለዋ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧b ዘርእስታ መጽሓፍ ኢና እንጥቀም። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ሰባት ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪርድኦም ንምሕጋዝ እያ ተዳልያ። ብዛዕባ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ስቓይ ደቂ ሰብን ትንሳኤን ጸሎትን ዚገልጽ ትምህርትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ርእሰ ነገራትን ዝሓቘፈት እያ።

እቲ ትምህርቲ ኣበይን መዓስን እዩ ኺውሃብ ዚከኣል፧

እቲ ትምህርቲ ኣብቲ ንዓኻ ዚጥዕመካ ግዜን ቦታን ኪውሃብ ይከኣል እዩ።

እቲ ትምህርቲ ኽንደይ እዩ ዚጸንሕ፧

ብዙሓት ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምሃሩ፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሓደ ሰዓት ዚኸውን ግዜ ይምድቡ እዮም። እቲ ትምህርቲ ዚጸንሓሉ ሰዓታት ግና ኪቕየር ይከኣል እዩ። ምስ መደብካ ንምስምማዕ ምትዕርራያት ክንገብር ንኽእል ኢና። ገሊኦም ኣብ ሰሙን ን10 ወይ 15 ደቒቕ ጥራይ እዮም ዚምሃሩ።

እቲ ትምህርቲ ኽንደይ እዩ ዚኽፈሎ፧

እቲ ትምህርትን እቲ ጽሑፋትን ብናጻ እዩ። እዚ ድማ ምስቲ፡ “ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ” ዚብል የሱስ ዝሃቦ መምርሒ ዚሰማማዕ እዩ።—ማቴዎስ 10:8።

እቲ ትምህርቲ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ እዩ ዚቕጽል፧

ክሳዕ ዝደለኻዮ እዋን ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። እታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ 19 ትምህርቲ ዝሓዘት እያ። ካብቲ ኣብኡ ዚርከብ ትምህርትታት ንዝመረጽካዮ ኽፋል ወይ ንዅሉ ትምህርትታት፡ ኣብ ዝደለኻዮ ግዜ ኽትወስዶ ትኽእል ኢኻ።

ሓደ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክኸውን የድልየኒ ድዩ፧

ኣይፋልን። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንእምነቱ ኺመርጽ መሰል ስለ ዘለዎ፣ ነዚ ኸነኽብረሉ ኸም ዘሎና ንፈልጥ ኢና። ይኹን እምበር፡ እቶም ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ መሰረታዊ ፍልጠት ዘጥረዩ ሰባት፡ ቅኑዕ ምርጫ ኺገብሩ ይኽእሉ እዮም።

ዝያዳ ሓበሬታ ኣበይ ክረክብ እኽእል፧

ኣብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይት፡ ብዛዕባ እምነትን ንጥፈታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅኑዕ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንኽምሃር ብኸመይ ክሓትት እኽእል፧

  • ሰባት ብእተፈላለየ መገዲ፡ ማለት ብኢንተርነት፡ ብደብዳበ፡ ብመዝገብ ተሌፎን ተጠቒሞም መጽሓፍ ቅዱስ ንኺምሃሩ ይሓትቱ

    ኣብ ኢንተርነት፡ ኣብ www.pr418.com ብምእታው ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

  • ካብቲ ኣብ ገጽ ክልተ እዛ መጽሔት እዚኣ ዚርከብ ኣድራሻታት ናብ ዚቐርበካ ኽትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ።

  • ኣብ ከባቢኻ ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

a ብሓፈሻ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንውልቀ ሰባት ወይ ንሒደት ጉጅለ እዩ ዚውሃብ።

b ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት። ልዕሊ 230 ሚልዮን ቅዳሕ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብልዕሊ 260 ቋንቋ ተሓቲሙ ኣሎ።

ንስድራ ቤታት ዚኸውን ሓገዝ

ኢዘክኤል

“ብዓልቲ ቤተይ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመሃር ምስ ጀመረት፡ ዓብዪ ለውጢ ኸም ዝገበረት ኣስተብሃልኩ። ናብራ ስድራ ቤትና ድማ ተመሓየሸ። እንታይ ትመሃር ከም ዘላ ኽፈልጥ ስለ እተሃንጠኹ፡ ኣነ እውን ክመሃር ጀመርኩ። እቲ እተመሃርክዎ ድማ ዝሓሸ ሰብ እዩ ገይሩኒ። ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንስድራ ቤትና ንሓድሕዳ ኸም እትቀራረብ ገይርዋ እዩ።”—ኢዘክኤል።

ካረን

“መጽሓፍ ቅዱስ ክመሃር ምስ ጀመርኩ፡ ካብ ወልፊ ሓሽሽ ተላቐቕኩ፡ ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተ ኣቋረጽኩ፡ ንቝጥዓይ እውን ክቈጻጸሮ ኸኣልኩ። ቤተይ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ጽሩይን ጽፉፍን ኰነ። ንስድራ ቤተይ ዝያዳ ኣኽቢረ እየ ዝርእዮም፣ ንዕኦም ንምሕጓስ ዝገብሮ ነገራት ባህ እዩ ዜብለኒ። ሕጂ ኣዝየ ሕጕስቲ እየ።”—ካረን።

ቪንያና

“ገለ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ እተመሃርኩ እኳ እንተ ነቐፉኒ፡ ብዓል ቤተይ ግና ንውሳነይ ደገፎ። ከምዚ ድማ በለኒ፦ ‘ሰባት ዚብልዎ ኣየገድሰንን እዩ። ንዓይ ዜገድሰኒ፡ ጽቡቕ ለውጢ ትገብሪ ኸም ዘለኺ ምርኣይ እዩ። ትምህርትኺ ቐጽሊ፡ ኣይተቋርጽዮ።’ ናብራ ስድራ ቤትና ኣዝዩ እዩ ተመሓይሹ!”—ቪንያና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ