ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/6 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ደቅኹም ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ምሃርዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም፡ ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ሓግዝዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ስድራ ቤትካ ብኸመይ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል፧—2ይ ክፋል
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/6 ገጽ 16

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ንፉዕ ወላዲ ንምዃን እንታይ የድሊ፧

ሓደ ኣቦን ወዱን፡ መራሕ ማይ እናረኣዩ ኸለዉ

ውሉድካ ንኣምላኽ ኬፍቅሮ ትምህሮ ዲኻ፧

ንሓድሕዶም ዚፋቐሩን ዚከባበሩን ወለዲ ዘለዎ ቤት፡ ሓደ ውሉድ ኪዓብየሉ ዚኽእል ዝበለጸ ሃዋህው እዩ። (ቈሎሴ 3:14, 19) ልክዕ ከምቲ የሆዋ ኣምላኽ ንወዱ ዝነኣዶ፡ ንፉዓት ወለዲ ኸኣ ንውሉዳቶም የፍቅርዎምን ይንእድዎምን እዮም።—ማቴዎስ 3:17 ኣንብብ።

እቲ ሰማያዊ ኣቦና ንኣገልገልቱ ይሰምዖም፡ ንስምዒታቶም ድማ የስተብህለሉ እዩ። ወለዲ ኻብኡ ኺመሃሩ፡ ደቆም ሓሳባቶም ኪገልጹ ኸለዉ ኸኣ ጽን ኢሎም ኪሰምዕዎም ኣለዎም። (ያእቆብ 1:19) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንስምዒታት ደቆም፡ ዋላ እውን ነቲ ኣሉታዊ ዝዀነ ዘረባኦም ከይተረፈ ኺርድኡሎም ኣለዎም።—ዘሁልቍ 11:11, 15 ኣንብብ።

ሓላፍነት ዚስምዖም ውሉዳት ከተዕቢ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ከም ወላዲ መጠን ንውሉድካ ስርዓታት ናይ ምውጻእ ሓላፍነት ኣሎካ። (ኤፌሶን 6:1) ካብ ኣብነት ኣምላኽ ተምሃር። ኣምላኽ ንደቁ ብዛዕባ ትእዛዛቱን ትእዛዛቱ እንተ ዘይሓልዮም ኬምጽኣሎም ብዛዕባ ዚኽእል ሳዕቤንን ብንጹር ብምግላጽ ፍቕሩ የርእዮም እዩ። (ዘፍጥረት 3:3) ንኺእዘዝዎ ግና ኣይገድዶምን እዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ ቅኑዕ ዘበለ ብምግባር ብኸመይ ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ እዩ ዚምህሮም።—ኢሳይያስ 48:18, 19 ኣንብብ።

ቀንዲ ሸቶኻ፡ ደቅኻ ንኣምላኽ ኬፍቅርዎ ንምሕጋዝ ይኹን። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ምሳኻ ኣብ ዘይህልውሉ ግዜ እውን ከይተረፈ፡ ጥበባዊ ስጕምቲ ኺወስዱ እዮም። ልክዕ ከምቲ ኣምላኽ ብኣብነት ዚምህር፡ ደቅኻ ንኣምላኽ ምእንቲ ኼፍቅርዎ ብኣብነትካ ምሃሮም።—ዘዳግም 6:5-7፣ ኤፌሶን 4:32፣ 5:1 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 14 ርአ

ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ