ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w14 1/12 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧
    ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧
  • ንስድራ ቤት ዚኸውን ተወሳኺ ሓገዝ
    ንቕሑ!—2018
  • መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧
    መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
w14 1/12 ገጽ 16

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ውሉዳት ንኣምላኽ ምፍቃር ኪመሃሩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ሓደ ወላዲ ፍጥረት ተጠቒሙ ንውሉዱ ኺምህሮ ኸሎ

ውሉድካ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺፈልጦን ምእንቲ ኼፍቅሮን፡ ፍጥረት ተጠቒምካ ምሃሮ

ውሉዳትካ ንኣምላኽ ምፍቃር ኪመሃሩ ዚኽእሉ፡ ኣምላኽ ከም ዘሎን ከም ዜፍቅሮምን መርትዖ እንተ ኣልይዎም ጥራይ እዩ። ንኣምላኽ ምእንቲ ኼፍቅርዎ ድማ ኪፈልጥዎ ኣለዎም። (1 ዮሃንስ 4:8) ንኣብነት፡ መልሲ እዘን ዚስዕባ ሕቶታት ኪፈልጡ የድልዮም እዩ፦ ኣምላኽ ንሰብ ዝፈጠረሉ ዕላማ እንታይ እዩ፧ መከራ ኺህሉ ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ መጻኢ ንደቂ ሰብ እንታይ ኪገብረሎም እዩ፧—ፊልጲ 1:9 ኣንብብ።

ደቅኻ ንኣምላኽ ንኼፍቅርዎ ኽትሕግዞም እትኽእል፡ ንስኻ ንኣምላኽ ከም እተፍቅሮ ምስ እተርኢ እዩ። ደቅኻ ነዚ ምስ ዚርእዩ፡ ኣብነትካ ኺስዕቡ ይኽእሉ እዮም።—ዘዳግም 6:5-7፣ ምሳሌ 22:6 ኣንብብ።

ልቢ ውሉዳትካ ኽትትንክፍ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ቃል ኣምላኽ ህያውን ዚዓይን እዩ። (እብራውያን 4:12) ስለዚ፡ ንደቅኻ ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንኺመሃሩ ሓግዞም። የሱስ፡ ልቢ ሰባት ንምትንካፍ ሕቶታት ይሓትቶምን ጽን ኢሉ ይሰምዖምን ንቕዱሳት ጽሑፋት ይገልጸሎምን ነበረ። ልቢ ውሉዳትካ ምእንቲ ኽትትንክፍ፡ ንኣገባብ ኣመሃህራ የሱስ ክትቀድሖ ትኽእል ኢኻ።—ሉቃስ 24:15-19, 27, 32 ኣንብብ።

ብተወሳኺ፡ ንውሉዳትካ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምስ ደቂ ሰብ ዝነበሮ ርክብ ዚገልጽ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እትምህሮም፡ ንኣምላኽ ኪፈልጥዎን ኬፍቅርዎን ይኽእሉ እዮም። ነዚ ዕላማ እዚ እተዳለወ ሕታማት ኣብ www.pr418.com/ti ይርከብ እዩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 14 ርአ

ኣብ www.pr418.com/ti ትርከብ እያ፡ ወይ ናብ ሓደ ኻብቲ ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ኣድራሻታት ብምጽሓፍ ሓንቲ ቕዳሕ ብናጻ ኽትሓትት ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ