ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/7 ገጽ 8-9
  • ብዛዕባ ሓደጋ ምጭናቕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብዛዕባ ሓደጋ ምጭናቕ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገዳስነት ጸሎት
  • ናይ መጻኢ ተስፋና
  • ጭንቀት—ኣብ ኵሉ ቦታ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንዅሉ ጭንቀትካ ናብ የሆዋ ደርብዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ኵሉ ጭንቀትኩም ኣብ የሆዋ ደርብይዎ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1994
  • ንጭንቀተይ ክዋጽኣሉ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/7 ገጽ 8-9

ገበር | ንጭንቀትብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧

ብዛዕባ ሓደጋ ምጭናቕ

ኣሎና፡ “እቲ ናይ መጠንቀቕታ ድምጺ ዜስምዕ ሲረና ኼእዊ ምስ ሰማዕኩ፡ ልበይ ተረግ ተረግ ክትብል ጀመረት፣ ጐይየ ኸኣ ካብ ቦምባ ኸዕቍበሉ ናብ ዝኽእል ቦታ ኣተኹ” በለት። ቀጺላ ኸኣ፡ “እንተዀነ ግና ኣብኡ እውን ከይተረፈ እጭነቕ ነበርኩ። ኣብ መሕብኢ ዘይብሉ ቓልዕ ዝዀነ ቦታ ኽህሉ ኸለኹ እሞ ኸኣ ዝገደደ እየ ዝጭነቕ ነይረ። ሓደ እዋን መሕብኢ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ኸለኹ ድምጺ ሲረና ምስ ሰማዕኩ፡ ክበኪ ጀመርኩ፣ ትንፋስ እውን ሓጸረኒ። ክሃድእ ድማ ሰዓታት እዩ ወሲዱለይ። ብድሕሪኡ ግና እቲ ሲረና እንደገና ኼእዊ ጀመረ” በለት።

ኣሎና ብዛዕባ ሓደጋ ምፍንጃር ቦምባ ኽትጭነቕ ከላ

ኣሎና

ውግእ፡ ካብቲ ብዙሕ ጠንቅታት ሓደጋ ሓደ ጥራይ እዩ። ንኣብነት፡ ንህይወት ዜስግእ ሕማም ከም ዘለካ ወይ ሓደ እተፍቅሮ ሰብ እዚ ሕማም ከም ዘለዎ ምስ ፈለጥካ፡ ልክዕ ከምዚ ቦምባ እተፈንጀረካ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ንኻልኦት ድማ ብዛዕባ መጻኢ ዘለዎም ፍርሂ፡ ጭንቀት ኬስዕበሎም ይኽእል እዩ። ‘ደቅና ወይ ደቂ ደቅና፡ ኣብዛ ውግእን ዓመጻን ብከላን ለውጢ ኽሊማን ለብዕን መሊእዋ ዘሎ ዓለም ድዮም ኪነብሩ፧’ ብምባል ይጭነቑ። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጭንቀታት ብኸመይ ኢና ኽንዋጽኣሉ እንኽእል፧

‘ኣስተውዓሊ ሰብ እከይ [“ሓደጋ፡” NW] ይርኢ እሞ ይሕባእ።” (ምሳሌ 27፡12) ልክዕ ከምቲ ንኣካላዊ ጥዕናና ኽንሕሉ እንጽዕር፡ ንኣእምሮኣውን ንስምዒታውን ጥዕናና ንምሕላው እውን ስጕምቲ ኽንወስድ ንኽእል ኢና። ዓመጽ ዝመልኦ መዘናግዕን ዜፍርህ ስእልታት ዝመልኦ ጸብጻባት ዜናን እውን ንዓናን ንደቅናን ኣብ ርእሲ ጭንቀትና፡ ጭንቀት ዚውስኽ እዩ። ነዚ እተጠቕሰ ሕማቕ ነገራት ካብ ምርኣይ ምርሓቕ፡ ንህሉው ኵነታት ዕሽሽ ምባል ማለት ኣይኰነን። ኣምላኽ፡ ኣእምሮና እከይ ኣብ ዝዀነ ነገራት ኬተኵር ኣይኰነን ነዲፍዎ። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ሓቂ ብዘበለ፡ ጽድቂ ብዘበለ፡ ንጹህ ብዘበለ፡ ተፈታዊ ብዘበለ’ ኽንመልኦ ኣሎና። ከምኡ ምስ እንገብር፡ “ኣምላኽ ሰላም” ኣእምሮኣውን ልባውን ሰላም ኪህበና እዩ።—ፊልጲ 4:8, 9።

ኣገዳስነት ጸሎት

ናይ ሓቂ እምነት፡ ንጭንቀት ክንዋጽኣሉ ትሕግዘና እያ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንጸሎት እውን ንቕሑ” ብምባል ይምሕጸነና እዩ። (1 ጴጥሮስ 4:7) ኣምላኽ፡ “እንልምኖ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና” ብምትእምማን፡ ንዅነታትና ኽንዋጽኣሉ ምእንቲ ኺሕግዘናን ጥበብን ትብዓትን ምእንቲ ኺህበናን ክንልምኖ ንኽእል ኢና።—1 ዮሃንስ 5:15።

ኤቪን ኣሎናን ሓገዝ ደልዮም ናብ ኣምላኽ ኪጽልዩ ኸለዉ

ምስ ኤቪ ሰብኣያ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኣምላኽ ዘይኰነስ፡ ሰይጣን ከም ዝዀነ፡ “ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ” ከም ዘላ እዩ ዚገልጽ። (ዮሃንስ 12:31፣ 1 ዮሃንስ 5:19) የሱስ፡ “ካብቲ እኩይ ኣድሕነና” ኢልና ኽንጽሊ ኺምህረና ኸሎ እምበኣር፡ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣይኰነን ዚጥቀም ነይሩ። (ማቴዎስ 6:13) ኣሎና፡ “እቲ ሲረና ኣብ ዜእውየሉ ግዜ፡ የሆዋ ንስምዒተይ ንኽቈጻጸር ኪሕግዘኒ እልምኖ እየ” በለት። ቀጺላ ኸኣ፡ “ኣብ ርእሲ እዚ፡ እቲ ፍቑር ብዓል ቤተይ ተሌፎን ይድውለለይን ምሳይ ኰይኑ ይጽልን እዩ። ጸሎት ብሓቂ ሓጋዚ እዩ” ትብል። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ፡ የሆዋ “ንዚጽውዕዎ ዅሎም፡ ብሓቂ ንዚጽውዕዎ ዅሎም ቀረባኦም እዩ።”—መዝሙር 145:18።

ናይ መጻኢ ተስፋና

የሱስ ንሰዓብቱ፡ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት “መንግስትኻ ትምጻእ” ኢሎም ኪጽልዩ መሃሮም። (ማቴዎስ 6:10) መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንዝዀነ ይኹን ጐዳኢ ጭንቀት ምሉእ ብምሉእን ንሓዋሩን ከተጥፍኦ እያ። ኣምላኽ፡ በቲ “መስፍን ሰላም” ዝዀነ የሱስ ኣቢሉ፡ “ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ” ኺገብረሉ እዩ። (ኢሳይያስ 9:6፣ መዝሙር 46:9) “[ኣምላኽ] ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታት ኪፈርድ [እዩ።] . . . ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ፡ ደጊምሲ ውግእ ኣይኪምሀሩን እዮም።  . . ዜፍርሆም ከኣ የልቦን።” (ሚክያስ 4:3, 4) ሕጉሳት ሰባት፡ “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉ፡ ፍሬኡውን ኪበልዑ እዮም።” (ኢሳይያስ 65:21) ካብቶም ነበርቲ ድማ “‘ሓደ እኳ ሕሙም እየ’ ኣይኪብልን እዩ።”—ኢሳይያስ 33:24፡ ትርጉም 1990።

ሎሚ፡ እተጠንቀቕካ እኳ እንተ ተጠንቀቕካ፡ ንዘይተሓስበ ‘ኣጋጣሚ’ ምሉእ ብምሉእ ክትዓግቶ ወይ ሕማቕ ነገር ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ኣብቲ ቦታ ኻብ ምጽናሕ ወትሩ ኽትርሕቕ ኣይትኽእልን ኢኻ። (መክብብ 9:11) ንዘመናት ዚኣክል፡ ውግእን ዓመጽን ሕማምን፡ ንቕኑዓት ሰባት ይቐትል ኣሎ። እዞም ንጹሃት ዝዀኑ ግዳያት እዚኦም፡ እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧

ቍጽሮም ኣምላኽ ጥራይ ዚፈልጦ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ እንደገና ብህይወት ኪነብሩ እዮም። ‘ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ዚወጹላ’ መዓልቲ ኽሳዕ እትመጽእ፡ ኣብቲ ፍጹም ዝኽሪ ኣምላኽ ተዓቚቦምን ንግዜኡ ደቂሶምን እዮም ዘለዉ። (ዮሃንስ 5:28, 29) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ፡ “እዛ ዘላትና ተስፋ እዚኣ ኸም መልህቕ ነፍሲ፡ ርግጽን ጽንዕትን እያ” ብምባል የረጋግጸልና እዩ። (እብራውያን 6:19) ኣምላኽ፡ “ንዕኡ [ንየሱስ] ካብ ምዉታት ብምትንሳእ ከኣ፡ ንዅሎም ሰባት መተኣማመኒ ሂብዎም ኣሎ።”—ግብሪ ሃዋርያት 17:31።

ንግዜኡ ግና፡ እቶም ንኣምላኽ ኬሐጕሱ ዚደልዩ ሰባት እውን ከይተረፉ እተፈላለየ ጭንቀት የጋጥሞም እዩ። ፖልን ጃኔትን ኣሎናን፡ ግብራዊ ዝዀነ ስጕምትታት ብምውሳድን ብጸሎት ኣቢሎም ናብ ኣምላኽ ብምቕራብን ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዚህቦ ተስፋ ብምእማንን፡ ንጭንቀት ብዓወት ይዋጽእሉ ኣለዉ። ንዓኻ እውን ከምኡ፡ ‘እቲ ተስፋ ዚህብ ኣምላኽ በቲ ኣብኡ ዘሎካ እምነት ኣቢሉ ብዅሉ ሓጐስን ሰላምን ይምላእካ።’—ሮሜ 15፡13።

ካብ ሰብ ሞያ ዚርከብ ሓገዝከ፧

ግብራዊ ዝዀነ ስጕምትታት ድሕሪ ምውሳድካ እውን ከይተረፈ፡ ጭንቀት ኣብ መዓልታዊ ናብራኻ ገና ዕንቅፋት ይዀነካ እንተ ኣልዩ፡ ናብ ሓኪም ምኻድ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሰብ ካብቲ ዜጋጥሞ ሽግራት ወይ ወጥርታት ንላዕሊ ኣዝዩ ምስ ዚጭነቕ፡ ካልእ ከቢድ ጸገም ከም ዘለዎ ዚሕብር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ጭንቀት ብሰንኪ ሕማም ስለ ዚመጽእ፡ ሓኪምካ፡ ፈለማ ኣካላዊ መርመራ ይገብረልካ ይኸውን። ድሕርዚ፡ ብዛዕባ ተወሳኺ ሕክምና ምክትታል፡ ባዕልኻ ንኽትውስን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።a

a እዛ መጽሔት እዚኣ ንዝዀነ ይኹን ሕክምና ፍሉይ ደገፍ ኣይትህብን እያ። ክርስትያናት፡ ዝዀነ ይኹን ዚቕበልዎ ሕክምና ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጋጮ ምዃኑ ኼረጋግጹ ኣለዎም። ነታ ኣብ ናይ መጋቢት 2012 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት፡ “ሕማም ጭንቀት ንዘለዎም ብኸመይ ከም እትሕግዞም” እትብል ዓንቀጽ ርአ። ኣብ ኢንተርነት ኣብ www.pr418.com እውን ትርከብ እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ