ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/9 ገጽ 6
  • ዕዮና ብኸመይ እዩ ዚምወል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዕዮና ብኸመይ እዩ ዚምወል፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዚረኽብዎ ወፈያታት ብኸመይ እዮም ዚጥቀሙሉ፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ዓለምለኻዊ ዕዮና ብኸመይ ይምወል፧
    ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧
  • ንጥፈታት መንግስቲ ኣምላኽ ዚምወለሉ መገዲ
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ‘ንየሆዋ ዚውሃብ ኣብ ኢድና ዘሎ ህያብ’
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/9 ገጽ 6
ሓደ ሰብ ኣብ ሳጹን ውጽኢት፡ ገንዘብ ኬእቱ ኸሎ

ገበር | ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታዎት እዮም፧

ዕዮና ብኸመይ እዩ ዚምወል፧

በብዓመቱ፡ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸር መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን፡ ንሓትምን ንዝርግሕን ኢና። ኣብ ብዘላ ዓለም ድማ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርን ቤት ማሕተምን ንሃንጽ ኢና። ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸራ ጉባኤታት፡ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተባሂሉ ኣብ ዚጽዋዕ ሰሓቢ ቦታታት ኣምልኾ እየን ዚእከባ። እዚ ዅሉ ወጻኢታት ብኸመይ እዩ ዚምወል፧

ዕዮና ምሉእ ብምሉእ በቲ ብፍታው ዚግበር ወፈያታት እዩ ዚምወል። (2 ቈረንቶስ 9:7) ኣብ 1879፡ እታ ኻልአይቲ ሕታም እዛ መጽሔት፦ “‘ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ’ [ቀደም መጸውዒ እዛ መጽሔት ዝነበረ] ናይ የሆዋ ደገፍ ኣለዋ ኢልና ኢና እንኣምን፡ እቲ ጕዳይ ከምኡ ኽሳዕ ዝዀነ ኸኣ፡ ናይ ሰብ ረድኤት ኣይንልምንን ወይ እውን ኣይንሓትትን ኢና” ዚብል ሓሳባት ኣውጺኣ ነበረት። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ ካብዚ ፖሊሲ እዚ ነቕ ኣይንብልን ኢና።

ወፈያታት፡ ወይ ብቐጥታ ናብ ሓደ ኻብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርና ይለኣኽ ወይ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብ ውጽኢት ሳጹን ይኣቱ። ይኹን እምበር፡ ዕሽር ኣይንሓትትን፡ እናዞርና ገንዘብ ኣይንእክብን ወይ እውን ስለቲ እንህቦ ኣገልግሎትን ጽሑፋትን ገንዘብ ኣይነኽፍልን ኢና። ንኽንሰብኽ፡ ኣብ ጉባኤ ንኽንምህር፡ ወይ ከኣ ቦታታት ኣምልኾ ንኽንሃንጽ ኣይንኽፈልን ኢና። ምኽንያቱ፡ የሱስ “ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 10:8) ኵሎም እቶም ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርን ቀንዲ ቤት ጽሕፈትን ዜገልግሉ ይኹኑ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብዘይ ክፍሊት እዮም ዚዓይዩ።

“ሃይማኖታዊ ወፈያታት፡ ከም ኵሉ ኻልእ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብወለንታ እዩ ዚግበር፣ ነፍሲ ወከፍ ሰብ መጠን እቲ ዚውፍዮ ገንዘብን ኣብ ከክንደይ ከም ዚውፍን ብብሕቱ እዩ ዚውስን።”—ቤት ፍርዲ ሰብኣዊ መሰላት ኤውሮጳ፡ 2011

እቲ እተወፈየ ገንዘብ ኣብ ዕዮ ረድኤት እውን ይውዕል እዩ። ቀዳሞት ክርስትያናት ነቶም እተሸገሩ ንምሕጋዝ ብፍታው ወፈያታት ገይሮም እዮም። (ሮሜ 15:26) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ፡ ነቶም ብሰንኪ ባህርያዊ ሓደጋታት እተጐድኡ፡ መንበሪ ኣባይቶምን ቦታታት ኣምልኾኦምን ብምህናጽ ከምኡ እውን ምግብን ክዳውንትን ሕክምናዊ ሓገዝን ብምሃብ ንሕግዞም ኢና።

ሓደ ሕጉስ ቈልዓ

ነታ ኣብ www.pr418.com እትርከብ ፊሊፒንስ ታይፎን—ፈይዝ ኮንከርስ ኣድቨርሲቲ (ታይፎን ፊሊፒንስ—እምነት ንእዋን ጸበባ ትስዕሮ) ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ። (ኣብ ትሕቲ ABOUT US > ACTIVITIES ርአ)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ