ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb18 ሕዳር ገጽ 7
  • ‘ንየሆዋ ዚውሃብ ኣብ ኢድና ዘሎ ህያብ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ንየሆዋ ዚውሃብ ኣብ ኢድና ዘሎ ህያብ’
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስለቲ ፍቕርኹም ንየሆዋ ነመስግኖ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ እዩ ዚምወል፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ንየሆዋ እንታይ ውህበት ክንህቦ ንኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ዋጋ እተን “ክልተ ሰናቲም”
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
mwb18 ሕዳር ገጽ 7

ክርስትያናዊ ህይወት

‘ንየሆዋ ዚውሃብ ኣብ ኢድና ዘሎ ህያብ’

ሓደ ሰብ ናብ ሳጹን ውጽኢት ገንዘብ የእቱ፣ ሓደ ሰብ ብኤለክትሮኒካዊ ንዋት ተጠቒሙ ወፈያ ይገብር

‘ሎሚ ንየሆዋ ኣብ ኢድና ህያብ ሒዝና እንመጽእ’ ብኸመይ ኢና፧ (1ዜና 29:5, 9, 14) ነቲ ኣብ ከባብን ኣብ ዓለምለኸን ዚግበር ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምድጋፍ፡ ብፍታው ወፈያ ኽንገብረሉ እንኽእል እተፈላለየ መገድታት ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ኣሎ።

ብኢንተርነት ዚግበር ወፈያ ወይ ኣብ ሳጹን ውጽኢት ዚግበር ወፈያ፡ ነዚ ዚስዕብ ይድግፍ፦

  • ንዓለምለኻዊ ዕዮ ዚግበር ወፈያ

    ዓለምለኻዊ ዕዮ

    መሳለጥያታት ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶን ምህናጽን ምክያድን

    ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ

    ፍሉያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ

    ዕዮ ረድኤት

    ሕትመት ጽሑፋት፡ መሰናድዎ ቪድዮ፡ ሕትመት ኤለክትሮኒካዊ ሕታማት

  • ንጉባኤ ዚግበር ወፈያ

    ወጻኢታት ጉባኤ

    ወጻኢታት ጉባኤ፡ ማለት ከም ኣገልግሎት ማይን መብራህትን መሰረታዊ ጽገና ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ዝኣመሰለ ነገራት

    እታ ጉባኤ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪለኣኽ ዝወሰነቶ ዝዀነ ይኹን ገንዘብ፦

    • ዓለምለኻዊ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባን

    • ዓለምለኻዊ ደገፍ ንምግባር ዚግበር መሰናድዎ

    • ካልእ ዓለምለኻዊ ንጥፈታት

ዓበይቲ ኣኼባታት

ኣብ ኣኼባ ዞባኹም ዚግበር ወፈያታት ንዓለምለኻዊ ዕዮ እዩ ዚለኣኽ። እቲ ንኣኼባ ዞባን ንፍሉይ ኣኼባን ንኣህጉራዊ ኣኼባን ዜድሊ ወጻኢታት ካብዚ ንዓለምለኻዊ ዕዮ እተገብረ ወፈያ እዩ ዚውሰድ።

ኣብ ወረዳ ኣኼባ ዚግበር ወፈያታት፡ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ንምክራይን ንምጽጋንን ከምኡ እውን ነታ ወረዳ ዜድሊ ኻልእ ወጻኢታት ንምሽፋን እዩ ዚውዕል። እታ ወረዳ ነቲ ዝተረፋ ገንዘብ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትውፍዮ ኽትውስን ትኽእል እያ።

ወፈያ jw.org

ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ኢንተርነት ርአ

ወፈያ ብኸመይ ከም እትገብር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ንሓደ ኻብዚ ስዒቡ ዘሎ መገድታት ተጠቐም፦

  • ኣብ jw.org/TI DONATE ዚብል ርአ

  • ኣብ jw.org ኣቲኻ፡ ኣብ ትሕቲ ብዛዕባና፡ “ወፈያታት” ዚብል ምረጽ

  • ነቲ ኣብ ቀንዲ ገጽ ጀይ ዳብሊው ላይብረሪ ኣፕሊኬሽን (JW Library app) ኣብ ታሕቲ ዚርከብ “ወፈያታት” ዚብል ሊንክ ተጠቐም

ኣብ ገሊኡ ሃገራት፡ ብዛዕባ ወፈያታት ንዚሕተት ልሙድ ሕቶታት መልሲ ዚህብ “ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት” ዚብል ሰነድ ኣሎ።

እታ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ወፈያ ዚግበረሉ ኣገባብ ዘርእስታ ቪድዮ፡ ወፈያ ብዛዕባ ዚግበረሉ መገድታት ጠቓሚ ሓበሬታ ትህብ።

ብመደብ ዚግበር ልግሲ

ንዓለምለኸ ዚግበር ገሊኡ ወፈያታት፡ ኣቐዲምካ መደብ ምውጻእን ሕጋዊ ምኽርን ይጠልብ እዩ። ብመደብ ዚግበር ልግሲ፡ ነዚ ዚስዕብ የጠቓልል፦

  • ለበዋን ሕድርን

  • ዘይንቀሳቐስ ንብረት፡ ኣክሲዮን፡ ቦንድ ከምኡ እውን መድሕን ህይወት

  • ኪምለስ ዚከኣል ገንዘብ

ከምዚ ዝኣመሰለ ወፈያ ኽትገብር እንተ ደሊኻ ነቲ ኣብ donate.jw.org ዚርከብ ዝርዝር ሓበሬታ ተጠቒምካ ንቤት ጽሕፈት ጨንፈርካ ተወከሳ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ