ክርስትያናዊ ህይወት
‘ንየሆዋ ዚውሃብ ኣብ ኢድና ዘሎ ህያብ’
‘ሎሚ ንየሆዋ ኣብ ኢድና ህያብ ሒዝና እንመጽእ’ ብኸመይ ኢና፧ (1ዜና 29:5, 9, 14) ነቲ ኣብ ከባብን ኣብ ዓለምለኸን ዚግበር ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምድጋፍ፡ ብፍታው ወፈያ ኽንገብረሉ እንኽእል እተፈላለየ መገድታት ኣብ ታሕቲ ተገሊጹ ኣሎ።
ብኢንተርነት ዚግበር ወፈያ ወይ ኣብ ሳጹን ውጽኢት ዚግበር ወፈያ፡ ነዚ ዚስዕብ ይድግፍ፦
ዓለምለኻዊ ዕዮ
መሳለጥያታት ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ቤት ጽሕፈት ትርጉም ማዕዶን ምህናጽን ምክያድን
ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ
ፍሉያት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ
ዕዮ ረድኤት
ሕትመት ጽሑፋት፡ መሰናድዎ ቪድዮ፡ ሕትመት ኤለክትሮኒካዊ ሕታማት
ወጻኢታት ጉባኤ
ወጻኢታት ጉባኤ፡ ማለት ከም ኣገልግሎት ማይን መብራህትን መሰረታዊ ጽገና ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ዝኣመሰለ ነገራት
እታ ጉባኤ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኪለኣኽ ዝወሰነቶ ዝዀነ ይኹን ገንዘብ፦
ዓለምለኻዊ ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባን
ዓለምለኻዊ ደገፍ ንምግባር ዚግበር መሰናድዎ
ካልእ ዓለምለኻዊ ንጥፈታት
ዓበይቲ ኣኼባታት
ኣብ ኣኼባ ዞባኹም ዚግበር ወፈያታት ንዓለምለኻዊ ዕዮ እዩ ዚለኣኽ። እቲ ንኣኼባ ዞባን ንፍሉይ ኣኼባን ንኣህጉራዊ ኣኼባን ዜድሊ ወጻኢታት ካብዚ ንዓለምለኻዊ ዕዮ እተገብረ ወፈያ እዩ ዚውሰድ።
ኣብ ወረዳ ኣኼባ ዚግበር ወፈያታት፡ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ንምክራይን ንምጽጋንን ከምኡ እውን ነታ ወረዳ ዜድሊ ኻልእ ወጻኢታት ንምሽፋን እዩ ዚውዕል። እታ ወረዳ ነቲ ዝተረፋ ገንዘብ ንዓለምለኻዊ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትውፍዮ ኽትውስን ትኽእል እያ።