ክርስትያናዊ ህይወት
ዋጋ እተን “ክልተ ሰናቲም”
እታ መበለት ዝወፈየተን ሰናቲም፡ ዋጋአን ምግቢ ንምዕዳግ እኳ ዚኣክል ኣይነበረን። (w08 1/3 ገጽ 12 ሕ.ጽ. 1-3) ይኹን እምበር፡ እቲ ዝገበረቶ ወፈያ ንመሰናድዎ የሆዋ ዓሚቝ ፍቕርን ሞሳን ከም ዝነበራ የርኢ። በዚ ምኽንያት እዚ እምበኣር፡ ኣብ ኣዒንቲ ሰማያዊ ኣቦኣ ዓብዪ ዋጋ እዩ ነይርዎ።—ማር 12:43።
ነታ ‘ንየሆዋ ዚውሃብ ኣብ ኢድካ ዘሎ ህያብ’ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ገለ ኻብቲ ብወፈያና ዚድገፍ ንጥፈታት እንታይ እዩ፧
እቲ እንገብሮ ወፈያ ንእሽቶ እውን እንተ ዀነ፡ ዋጋ ዘለዎ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ኣብቲ እንነበረሉ ሃገር ብዛዕባ ዘሎ ኣማራጺታት ወፈያ ብዝያዳ ኽንፈልጥ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—“ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ኣብ ኢንተርነት ርአ” ዘርእስታ ሳጹን ተወከስ