ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ግብሪ ሃዋርያት 6-8
እታ ሓዳስ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተፈቲና
እተን ኣብ የሩሳሌም ነዊሕ ዝጸንሓ ግሪኽኛ ዝቛንቋአን ሓደስቲ እተጠምቃ መበለታት ኣድልዎ ኣጋጢምወን ነይሩ እዩ። እሞኸ በዚ ተዓንቂፈንዶ ወይስ ነቲ ጕዳይ ኬዐርዮ ንየሆዋ ብትዕግስቲ ተጸብየናኦ፧
እስጢፋኖስ ብዳርባ እምኒ ምስ ተቐትለን ሓያል መስጐጕቲ ምስ ኣጋጠመን እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ክርስትያናት ናብ ብዘላ ይሁዳን ሰማርያን ፍሕ ከም ዚብሉ ገይርዎም እዩ። እዚ ግና ኣብ ኣገልግሎቶም ከም ዚዝሕሉ ገይርዎም ድዩ፧
ብሓገዝ የሆዋ እታ ሓዳስ ክርስትያናዊት ጉባኤ እናሰሰነት ከደት።—ግብ 6:7፣ 8:4።
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦ ‘ንፈተናታት ዝጻወሮ ዘለኹ ብኸመይ እየ፧’