ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • ijwfq ዓንቀጽ 12
  • ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ እዩ ዚምወል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ እዩ ዚምወል፧
  • ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ወፍያ ዚግበረሉ መገድታት
  • ‘ንየሆዋ ዚውሃብ ኣብ ኢድና ዘሎ ህያብ’
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ንየሆዋ እንታይ ውህበት ክንህቦ ንኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • ክንደይ እየ ኽውፊ ዘሎኒ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ዋጋ እተን “ክልተ ሰናቲም”
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
ዝያዳ ርአ
ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
ijwfq ዓንቀጽ 12
ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ሳጹን ውጽኢት ገንዘብ ተእቱ።

ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ እዩ ዚምወል፧

ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከትና፡ ብቐንዱ በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ወፈያ እዩ ዚምወል።a ኣብ ቦታታት ኣምልኾና ሳጹናት ውጽኢት ኣሎ፣ ኣብቲ ወፈያታት ዚግበረሉ ኣብ ኢንተርነት ዚርከብ ገጽ ድማ ወፈያታት ዚግበረሉ ኻልእ መገድታት ተዘርዚሩ ኣሎ። ሓደ ሰብ ንዓለምለኻዊ ዕዮ፡ ንወጻኢታት ጉባኤኡ፡ ወይ ንኽልቲኡ ወፍያ ምእንቲ ኺገብር፡ በበይኑ ኣማራጺታት ቀሪቡ ኣሎ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕሽር ኪህቡ ወይ ካብ ኣታዊኦም ውሱን ሚእታዊት ኪውፍዩ ትጽቢት ኣይግበረሎምን እዩ። (2 ቈረንቶስ 9:7) ኣብ ኣኼባታትና እናዞርና ገንዘብ ኣይንእክብን ወይ ናብ ኣኼባታትና መእተዊ ኣይነኽፍልን ኢና። ኣገልገልትና እውን ንጥምቀት፡ ንቐብሪ፡ ንመርዓ፡ ወይ ንኻልእ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎታት ኣየኽፍሉን እዮም። ገንዘብ ኪረኽቡ ኢሎም ከም ምሻጥ ምግቢ፡ ባዛር፡ ቢንጎ፡ ካርኒቫል፡ እንግዶት፡ ሸተኽ በተኽ፡ ወይ ካልእ ሜላታት ኣይጥቀሙን እዮም፣ ገንዘብ ኪዋጻእ ከኣ ኣይልምኑን እዮም። ለገስቲ መን ምዃኖም ኣይንገርን እዩ። (ማቴዎስ 6:2-4) ኣብ ወብሳይታትናን ጽሑፋትናን ድማ ገንዘብ ዚርከበሉ መወዓውዒ ኣይወጽእን እዩ።

ኵለን ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ንህዝቢ ኽፉት ዝዀነ ኣኼባታተን ወርሓዊ ጸብጻብ ገንዘብ የቕርባ እየን። እቲ እተወፈየ ገንዘብ ብግቡእ ይተሓዝ ከም ዘሎ ንምርግጋጽ፡ ሕሳብ ኵለን ጉባኤታት ብስሩዕ ይምርመር እዩ።—2 ቈረንቶስ 8:20, 21።

ወፍያ ዚግበረሉ መገድታት

  • ሳጹናት ውጽኢት፦ ኣብቲ ኣብ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣዳራሻት ዓብዪ ኣኼባ፡ ወይ ኣኼባታት ኣብ እንገብረሉ ኻልእ ቦታታት ዚርከብ ሳጹናት ውጽኢት ብጥረ ገንዘብ ወይ ብቸክ ክትውፊ ትኽእል ኢኻ።

  • ብኢንተርነት ዚግበር ወፈያታት፦ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፡ ነቲ ብክረዲት ካርድን ብደቢት ካርድን ካብ ባንክ ብምምሕልላፍን ብኻልእ ኤለክትሮኒካዊ ሜላታትን ክትውፍየሉ እትኽእል “Donate to Jehovah’s Witnesses” ዚብል ገጽ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ።b ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓደ ኻብዚ ሜላታት ገይሮም ኣብ ወወርሒ ብስሩዕ ዚህብዎ ወፈያ ‘ኣዋህሊሎም’ ይልግሱ እዮም።—1 ቈረንቶስ 16:2።

    ሓደ ሰብኣይ ነቲ ኣብ jw.org ዚርከብ ‘Donate to Jehovah’s Witnesses’ ዚብል ገጽ ይርኢ።
  • ብመደብ ዚግበር ልግሲ፦ ገሊኡ ወፈያታት ኣቐዲምካ መደብ ምግባር፡ ወይ ሕጋዊ መደብ ምግባር፡ ወይ ክልቲኡ ይሓትት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መደብ፡ ነቲ ኣብ ሃገርካ ዘሎ ምስ ግብሪ እተተሓሓዘ ሕድገታት ክትጥቀመሉ የኽእለካ እዩ። ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ብህይወት ከለዉ ዚገብርዎ ወይ ምስ ሞቱ ዚዕየየሉ ግብረ ሰናያዊ ልግሲ ዝሓሸ ሓበሬታት ብምርካቦም ተጠቒሞም እዮም። ነዚ ዚስዕብ ሜላታት ወፍያ ዚምልከት ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተወከስ፦

    • ናይ ባንክ ሕሳብ

    • መድሕንን ናይ ጡረታ ኽፍሊትን

    • ዘይንቀሳቐስ ንብረት

    • ኣክሲዮንን ቦንድን

    • ለበዋን ሕድርን

ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ ሜላታት ወፈያ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ “Donate to Jehovah’s Witnesses” ኣብ ዚብል ገጽ ርአ።

a ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት፡ ንዕዮና ንምድጋፍ ተሓጒሶም ይውፍዩ እዮም።

b ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ወፈያ ዚግበረሉ ኣገባብ ዘርእስታ ቪድዮ ርአ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ