ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w09 1/8 ገጽ 30
  • ክንደይ እየ ኽውፊ ዘሎኒ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ክንደይ እየ ኽውፊ ዘሎኒ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ቀደም ዝነበረ ብቕዓታትን ብፍታው ዚግበር ወፈያታትን
  • ክርስትያናት እተወሰነ መጠን ገንዘብ ናይ ምሃብ ግዴታ ኣለዎም ድዩ፧
  • ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ እዩ ዚምወል፧
    ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት
  • ንየሆዋ እንታይ ውህበት ክንህቦ ንኽእል፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
  • የሆዋ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ‘ንየሆዋ ዚውሃብ ኣብ ኢድና ዘሎ ህያብ’
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
w09 1/8 ገጽ 30

ሕቶታት ኣንበብትና

ክንደይ እየ ኽውፊ ዘሎኒ፧

“ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ።” (2 ቈረንቶስ 9:7) ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ነዘን ቃላት እዚኣተን ይፈልጥወን እዮም። ይኹን እምበር፡ ናብ ኣብያተ-ክርስትያን ዚኸዱ ምእመናን ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኺውፍዩ ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም ይኸውን። አረ ገሊአን ሃይማኖታትሲ ምእመናነን እተወሰነ መጠን ገንዘብ ኪውፍዩ ይሓትታ እየን። እዚ ተግባር እዚ፡ ዕሽር ምሃብ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ኰይኑ፡ ካብ ኣታዊኻ 10 ሚእታዊት ንቤተ-ክርስትያን ምሃብ ማለት እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እተወሰነ መጠን ክንውፊ ብሓቂ ይሓትተና ድዩ፧ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ክንደይ ኢና ኽንውፊ ዘሎና፧

ቀደም ዝነበረ ብቕዓታትን ብፍታው ዚግበር ወፈያታትን

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ህዝቢ እስራኤል ንኣምላኽ ኪህብዎ ዝነበሮም መጠን ንጹር መምርሒ ሒዙ ኣሎ። (ዘሌዋውያን 27:30-32፣ ዘሁልቍ 18:21, 24፣ ዘዳግም 12:4-7, 11, 17, 18፣ 14:22-27) እዚ ብቕዓታት እዚ፡ ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ኣይነበረን። ከመይሲ፡ የሆዋ እቶም ህዝቢ ነዚ ትእዛዝ እዚ እንተ ተኣዚዞምዎ፡ ፍርያቶም ‘ብጽቡቕ ከም ዜብዝሓሎም’ ተመባጺዑሎም ነበረ።—ዘዳግም 28:1, 2, 11, 12።

እስራኤላውያን፡ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት እውን ዓቕሞም ክሳዕ ዚፈቕደሎም ብፍታው ኪውፍዩ ይኽእሉ ነበሩ። ንኣብነት፡ ንጉስ ዳዊት ንየሆዋ ቤተ መቕደስ ኪሰርሓሉ ምስ መደበ፡ እቶም ህዝቢ “ሓሙሽተ ሽሕ ታለንት ወርቂ” ወፈዩ።a (1 ዜና መዋእል 29:7) ነዚ ወፈያ እዚ ምስቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ እተዓዘቦ ፍጻመ እሞ ኣነጻጽሮ። “ሓንቲ ድኻ መበለት” ኣብቲ ናይ ቤተ መቕደስ ሳጹን ምጽዋት “ክልተ ለብጦን” ከተውድቕ ከላ ረኣየ። እዚ ዝገበረቶ ወፈያ፡ ማዕረ 1/64 ካብ ናይ መዓልቲ መሃያ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግን፡ የሱስ እዚ ሒደት ገንዘብ እዚ ተቐባልነት ከም ዘለዎ ገለጸ።—ሉቃስ 21:1-4።

ክርስትያናት እተወሰነ መጠን ገንዘብ ናይ ምሃብ ግዴታ ኣለዎም ድዩ፧

ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ እቲ ንእስራኤላውያን እተዋህቦም ሕጊ ኣይኰኑን። ስለዚ፡ ንኣምላኽ ውሱን መጠን ገንዘብ ናይ ምሃብ ግዴታ የብሎምን። ይኹን እምበር፡ ኣብታ ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ጉባኤ፡ ምሃብ ብዙሕ ሓጐስ እዩ ዜምጽእ። የሱስ ክርስቶስ እውን እንተ ዀነ፡ “ካብ ምቕባልሲ ምሃብ ኣዝዩ ይባረኽ” ኢሉ ነበረ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ብፍታው ወፈያታት ብምግባር ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከቶም ይድግፍዎ እዮም። እዚ ወፈያታት እዚ፡ ከምዚ ሕጂ ንስኻ እተንብቦ ዘለኻ ዝኣመሰለ ጽሑፋት ንምሕታም ከምኡውን ነቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ናይ ኣምልኾ ቦታኦም ንምህናጽን ንምጽጋንን እዮም ዚጥቀሙሉ። እቲ እተኣከበ ገንዘብ፡ ፈጺምካ ደሞዝ ኣብ ምኽፋል ኣይውዕልን እዩ። ሓቂ እዩ፡ ነቶም ብፍታዎም ንመብዛሕትኡ ግዜኦም ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር ዜውዕልዎ ሰባት፡ ንመጐዓዝያን ንኻልእ ውልቃዊ ነገራትን ዜውጽእዎ ወጻኢታት ንምሽፋን እተወሰነ ገንዘብ ይወሃቦም እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ኺግበረሉ ዚጠልብ ወይ ይግብኣኒ እዩ ዚብል የለን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓፈሻኡ እሞ ኸኣ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ብምክፋሎም ገንዘብ ኣይቅበሉን እዮም። የግዳስ፡ ልክዕ ከምቲ ጳውሎስ ሰፋይ ድንኳን ኰይኑ ዚዓዪ ዝነበረ፡ ብውልቆም እናሰርሑ እዮም ርእሶም ዚኣልዩ።—2 ቈረንቶስ 11:9፣ 1 ተሰሎንቄ 2:9።

ሓደ ሰብ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገብርዎ ዕዮ ንምድጋፍ ወፈያ ኺገብር እንተ ደልዩ፡ ክንደይ እዩ ኺገብር ዘለዎ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ፡ ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ” በለ።—2 ቈረንቶስ 8:12፣ 9:7።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብ2008 ዋጋ 28.35 ግራም ወርቂ ብገምጋም 871 ዶላር ነበረ፣ ስለዚ፡ እዚ ወፈያ እዚ ዳርጋ 4,794,855,000 ዶላር ዝዋጋኡ እዩ ነይሩ ማለት እዩ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ