ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp16 ቍ. 1 ገጽ 4-5
  • ብቕንዕና ዘይምምልላስ ዜስዕቦ ጽልዋ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብቕንዕና ዘይምምልላስ ዜስዕቦ ጽልዋ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብቕንዕና ዘይምምልላስ፡ ንሰብ ከም ዘይትኣምን ይገብር
  • ብቕንዕና ዘይምምልላስ፡ ከምኡ ዓይነት ባህርይ ይወለድ
  • ብቕንዕና ምምልላስ ዘለዎ ጥቕሚ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ንበር
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
wp16 ቍ. 1 ገጽ 4-5
ክልተ ኣንስቲ ይዛራረባ

ገበር | ስለምንታይ ብቕንዕና እትመላለስ፧

ብቕንዕና ዘይምምልላስ ዜስዕቦ ጽልዋ

“ቍሩብ ብምትላል ክትፈትሖ እትኽእል ኣጸጋሚ ዅነታት ወትሩ ኣይጠፍእን እዩ።” —ሰማንታ፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ።

ነዚ ሓሳብ እዝስ ትሰማምዓሉ ዲኻ፧ ኵላትና ኸም ሰማንታ ኣጸጋሚ ዅነታት የጋጥመና እዩ። ከነታልል ዚፍትነና ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ እንታይ ስነ ምግባራዊ ስርዓት ኣኽቢርና ኸም እንርኢ ንጹር ይኸውን እዩ። ንኣብነት፡ ሰብ ከይብለኒ ኢልና ብዙሕ ንጭነቕ እንተ ዄንና፡ ብቕንዕና ዘይኰነስ ብምትላል ክንመላለስ ንሓስብ ንኸውን። እቲ ሓቂ ምስ ወጸ ግና፡ እቲ ብምትላል ዝገበርናዮ ተግባር ኣሉታዊ ሳዕቤናት ሒዙ እዩ ዚመጽእ። እዚ ዚስዕብ ሳዕቤናት እስከ ንርአ።

ብቕንዕና ዘይምምልላስ፡ ንሰብ ከም ዘይትኣምን ይገብር

ርክባት ኣብ ምትእምማን እዩ ዚህነጽ። ክልተ ሰባት ምስ ዚተኣማመኑ፡ ቅሳነት ይስምዖም እዩ። ግናኸ፡ ንሰብ ብሓንሳእ ኣይኰንካን እትኣምኖ። ሰባት ብሓባር ግዜ ምስ ኣሕለፉ እሞ ብቕንዕና ሓሳብ ንሓሳብ ምስ ተለዋወጡን ንጥቕሚ ኻልእ ዚሓልዩ ምዃኖም ምስ ኣርእዩን እዮም ኪተኣማመኑ ዚጅምሩ። ኰይኑ ግና፡ ሓደ ሰብ ቅንዕናኡ ዜበላሹ ሓንቲ ነገር እኳ እንተ ገይሩ፡ ሰባት ኣብኡ ዝነበሮም እምነት የጥፍኡ እዮም። ዘይምትእምማን ምስ ተፈጥረ ኸኣ፡ ከም ብሓድሽ እምነት ንምሕዳር ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።

ጥዑይ እዩ ብዝበልካዮ ሰብ ተታሊልካዶ ትፈልጥ፧ ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ሽዑ ኸመይ ተሰሚዑካ፧ ሕማቕ ተሰሚዑካ ኪኸውን ኣለዎ። ሓቅኻ ድማ ኢኻ። ብቕንዕና ዘይምምልላስ ንመሰረት ርክባት ኬፍርስ ይኽእል እዩ።

ብቕንዕና ዘይምምልላስ፡ ከምኡ ዓይነት ባህርይ ይወለድ

ሮበርት ኢነስ ዚብሃል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ፕሮፌሰር ስነ ቝጠባ ዀይኑ ዜገልግል ምሁር፡ “ብቕንዕና ዘይምምልላስ ብርግጽ ተማሓላላፊ” ዀይኑ እዩ ረኺብዎ። ስለዚ፡ ብቕንዕና ዘይምምልላስ ምስ ቫይረስ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ፣ ምስ ሓደ መታለሊ ሰብ ዝያዳ ግዜ ብዘሕለፍካ መጠን፡ በቲ ባህርዩ ኽትልበድ ትኽእል ኢኻ።

ከመይ ጌርካ ኢኻ ኻብዚ ብቕንዕና ናይ ዘይምምልላስ ባህርይ ከተምልጥ እትኽእል፧ መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ዚሕግዝ እተወሰነ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክትርኢ ነተባብዓካ።

ብቕንዕና ዘይመላለሱ ዚገብርዎ ተግባራት

ሓሶት

ሓደ ሰብኣይ ናይ መርዓ ቐለቤቱ የውጽእ

እንታይ እዩ፧ ሓቂ ኺፈልጥ ንዚግብኦ፡ ሓሶት ምንጋር። ንሰብ ንምትላል ሓቅታት ጠዊኻ ምቕራብ፡ ንሰብ ንምድንጋር ኢልካ ኣገዳሲ ሓበሬታ ምጕዳል፡ ከምኡ ድማ ግጉይ ግንዛበ ዜሕድር ምግናን ምስ ሓሶት ይጽብጸብ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “እግዚኣብሄር ነቲ ቔናን ይፍንፍኖ፡ ምስጢሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።” (ምሳሌ 3:32) “ስለዚ፡ ሓሶት ካብ ኣርሓቕኩም፡ ኣካላት ሓድሕድ ስለ ዝዀንና፡ ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ።”—ኤፌሶን 4:25።

ሕሜት

ሓደ ሰብኣይ ኪኣቱ ኸሎ፡ ክልተ ሰብኡት የሕሸዅሽኹ

እንታይ እዩ፧ ንስም ሰብ ዜጸልም ሓሶትን ሃሳይን ዘረባ ምዝራብ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ጠዋይ ሰብ ቈየቛ ይዝርግሕ፡ ሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም።” (ምሳሌ 16:28) “ዕጨይቲ እንተ ተወድኤ፡ ሓዊ ይጠፍእ፡ ሓማዪ እንተ ዘየሎ ኸኣ ባእሲ ይውዳእ።”—ምሳሌ 26:20።

ሸፈጥ

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ውሽጢ ጃኬቱ ዝሓብኦ በብዓይንቱ ሰዓት የርኢ

እንታይ እዩ፧ ንሰብ ኣታሊልካ ገንዘቡ ወይ ንብረቱ ምሕዳግ ወይ ምዕማጽ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ንድኻን ሽጉርን ወዓላይ ኣይትዐምጾ።” (ዘዳግም 24:14, 15) “እቲ ንድኻ ዚጭቍን ንፈጣሪኡ ይጸርፍ፡ ንስኡን ዚርሕርሓሉ ግና የኽብሮ።”—ምሳሌ 14:31።

ስርቂ

ሓደ ሰብ ናይ ገንዘብ ቦርሳ ይሰርቕ

እንታይ እዩ፧ ዘይፍቀደልካ ንብረት ካልእ ምውሳድ።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “እቲ ዚሰርቕ፡ ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ሰናይ እናገበረ ደኣ ብኣእዳዉ ይጽዓር እምበር፡ ደጊምሲ ኣይስረቕ።” (ኤፌሶን 4:28) “ኣይትታለሉ። . . . ሰረቕቲ ዀኑ፡ ስሱዓት ኰኑ፡ ሰኽራማት ኰኑ፡ ተጻረፍቲ ዀኑ፡ ወይ ዘረፍቲ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።”—1 ቈረንቶስ 6:9, 10።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ