ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp16 ቍ. 1 ገጽ 15
  • ኣይትጨነቑ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣይትጨነቑ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንጽባሕ ሓሲብካ ንበር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
  • ንጭንቀተይ ክዋጽኣሉ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንዅሉ ጭንቀትካ ናብ የሆዋ ደርብዮ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ጭንቀት
    ንቕሑ!—2016
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
wp16 ቍ. 1 ገጽ 15

ንግዜና ዚኸውን ጥንታዊ ጥበብ

ኣይትጨነቑ

ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንነፍስኹም ኣይትጨነቑ።” —ማቴዎስ 6:25።

ሓንቲ ሰበይቲ ተጨኒቓ ቕብሊት ትርኢ

እንታይ ማለት እዩ፧ የሱስ ነዘን ቃላት እዚአን እተዛረበ፡ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከቱ እዩ። ብመሰረት ሓደ መዝገበ ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ፡ እታ “ምጭናቕ” ተባሂላ እትትርጐም ናይ ግሪኽኛ ግሲ፡ “ነቲ ሰብ ብሰንኪ እቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ዚወርዶ ድኽነትን ጥሜትን ካልእ ጸገማትን ዚስምዖ ባህርያዊ ስምዒት” ከተመልክት ትኽእል እያ። ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ መጻኢ ይጭነቕ እዩ። ብስጋ ብዛዕባ ዜድልየና ነገራትን ብዛዕባ ድሕንነት እንፈትዎም ሰብናን ምሕሳብ ንቡርን ግቡእን እዩ። (ፊልጲ 2:20) የሱስ ንሰዓብቱ፡ “ኣይትጨነቑ” ኺብሎም ከሎ ግና፡ ብዛዕባ ጽባሕ እምብዛ ኻብ ምፍራሆም እተላዕለ ሎሚ ሓጐሶም ከይስረቕ እዩ ዚምዕዶም ነይሩ።—ማቴዎስ 6:31, 34።

ኣብዚ ግዜና ይዓዪ ድዩ፧ ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምዕዶ ምስዓቡ ይጠቕመና እዩ። ስለምንታይ፧ ሰባት እምብዛ ኺጭነቑ ኸለዉ፡ ስርዓተ መትኖም ወትሩ ንጡፍ እዩ ዚኸውን፡ እዚ ድማ “ምስ ከም ነድሪ ኸስዐን ሕማም ልብን ኣዝማን ዝኣመሰለ ጸገማት ጥዕና ይተሓሓዝ እዩ።”

የሱስ ብዘየድሊ ምጭናቕ ዋጋ ዘይብሉ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ “ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ዕምሩ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን ኣሎ፧” ኢሉ ሓቲቱ እዩ። (ማቴዎስ 6:27) እምብዛ ብምጭናቕ፡ ኣሽምባይዶ ንህይወትና ኸነመሓይሻስ፡ ብሓንቲ ካልኢት እኳ ኣይነንውሓን ኢና። ኣብ ርእሲኡ ድማ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ዅሉ ነገር ከምቲ ዝፈራህናዮ ኣይከውንን እዩ። ሓደ ምሁር ነዚ ጕዳይ እዚ በዚ ኸምዚ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “ብዛዕባ መጻኢ ምጭናቕ፡ ብኽነት እዩ፣ እቲ ዚኸውን መጻኢ ሳሕቲ እዩ ማዕረ እቲ እንፈርሆ መጻኢ ዚኸውን።”

ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ ትዓዪ

ከመይ ጌርና ኢና ኸይንጭነቕ እንኽእል፧ ቀዳማይ፡ ብኣምላኽ ተኣመን። ኣምላኽ ንኣዕዋፍ ዚምግበን፡ ንዕምባባታት ድማ ጽቡቕ ዚኸድኖም እንተ ዀይኑ፡ ንኣምልኾኡ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ንዚህቡ ሰባት ግዳ ንህይወቶም ዜድልዮም ዘበለዶ ኣይህቦምን፧ (ማቴዎስ 6:25, 26, 28-30) ካልኣይ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቕ። የሱስ፡ “ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ” ኢሉ እዩ። ነቲ፡ “ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ” ኢሉ እተዛረቦስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧—ማቴዎስ 6:34።

ነቲ የሱስ ዝሃቦ ጥበባዊ ምዕዶ ምስ እንስዕቦ፡ ንርእስና ኻብ ኣካላዊ ጕድኣት ክንሰትራ ንኽእል ኢና። ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ሰላም ኣምላኽ” ዚብሎ ውሽጣዊ ሰላም ክንረክብ ንኽእል ኢና።—ፊልጲ 4:6, 7።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ