ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp16 ቍ. 3 ገጽ 16
  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧
  • ስም ኣምላኽ ምጽዋዕ ጌጋ ድዩ፧
  • ስም ኣምላኽ
    ንቕሑ!—2017
  • ንስም ኣምላኽ ክንጥቀመሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ስም ኣምላኽ ክንፈልጠሉ ዝግብኣና ምኽንያት
    መለኮታዊ ስም
  • ስም ኣምላኽ መን እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2016
wp16 ቍ. 3 ገጽ 16
ስም ኣምላኽ ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ

ስም ኣምላኽ (ጐሊሑ ዘሎ) ኣብ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

ኣምላኽ ስም ኣለዎዶ፧

ገሊኦም ሰባት እንታይ ይኣምኑ፧ ገሊኦም ስም የብሉን ይብሉ፡ ገሊኦም ስሙ፡ ኣምላኽ ወይ ጐይታ ወይ እግዚኣብሄር እዩ ይብሉ፡ ገሊኦም ከኣ ብዙሕ ስማት ኣለዎ ይብሉ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ንስኻ፡ የሆዋ ዝስምካ፡ በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ልዑል ምዃንካ ይፍለጡ።”—መዝሙር 83:18።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • ኣምላኽ እተፈላለየ መዓርጋት እኳ እንተ ኣለዎ፡ ንርእሱ ሓደ ስም ጥራይ እዩ ኣውጺኡ።—ዘጸኣት 3:15።

  • ኣምላኽ ኪፍለጥ ዘይከኣል ምስጢር ኣይኰነን፣ ክንፈልጦ እውን ይደልየና እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 17:27።

  • ስም ኣምላኽ ምፍላጥ፡ ምስኡ ዕርክነት ንምምስራት ዜኽእል ቀዳማይ ስጕምቲ እዩ።—ያእቆብ 4:8።

ስም ኣምላኽ ምጽዋዕ ጌጋ ድዩ፧

እንታይ ምበልካ፧

  • እወ

  • ኣይፋል

  • ከከም ኵነታቱ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

“ስም የሆዋ ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።” (ዘጸኣት 20:7) ስም ኣምላኽ ብንዕቀት ምስ ዚጽዋዕ ጥራይ እዩ ጌጋ ዚኸውን።—ኤርምያስ 29:9።

ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ተወሳኺ ነገር ንምሃር፧

  • የሱስ ንስም ኣምላኽ ይፈልጦን ይጥቀመሉን ነይሩ እዩ።—ዮሃንስ 17:25, 26።

  • ኣምላኽ ብስሙ ኽንጽውዖ እዩ ዚደልየና። —መዝሙር 105:1።

  • ጸላእቲ ኣምላኽ፡ ሰባት ንስም ኣምላኽ ከም ዚርስዕዎ ኪገብርዎም እዮም ዚጽዕሩ።—ኤርምያስ 23:27።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ምዕራፍ 1 ርአ።

ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ