ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w16 ግንቦት ገጽ 18-22
  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወትካ ሕጂ እውን ይልውጦዶ ኣሎ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወትካ ሕጂ እውን ይልውጦዶ ኣሎ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኪኸውን ዚኽእል ትጽቢታት ይሃሉኻ
  • ኣመና ኣጸጋሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
  • ቃል ኣምላኽ ብቐጻሊ ይለውጥካ
  • ዓበይቲ ተስፋታትና ንዘክር
  • “ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ዚጻረር ኵሉ ሓሳባት ነፍርስ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
  • ‘ነቲ ኣረጊት ስብእና ኽትቅንጥጦ’ ትኽእል ኢኻ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • የሆዋ ኣኽቢሩ እዩ ዚርእየካ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
w16 ግንቦት ገጽ 18-22
ሓደ ሰብኣይ ኪጣላዕ ከሎ ምስ ካልኣዩ ይቋየቝ፡ ይጥመቕ፡ ጸኒሑ ግና ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልእ ሓው ይቋየቖ

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወትካ ሕጂ እውን ይልውጦዶ ኣሎ፧

“ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ።”—ሮሜ 12:2።

መዝሙር፦ 29, 52

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ድሕሪ ጥምቀት ቀጻሊ ለውጢ ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ኣምላኽ፡ ድኽመታትና ንምስናፍ ጻዕሪ ኽንገብር ዚጽበየና ስለምንታይ እዩ፧

  • ቃል ኣምላኽ ንህይወትና ብቐጻሊ ምእንቲ ኺልውጦ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

1-3. (ሀ) ድሕሪ ጥምቀትና እንታይ ዓይነት ለውጢ ኪኸብደና ዚኽእል፧ (ለ) ዕቤት ምግባር ካብ እተጸበናዮ ንላዕሊ ኸቢድ ምስ ዚኸውን፡ እንታይ ሕቶታት ክንሓትት ንኽእል፧ (ኣብ መእተዊ ዘሎ ስእልታት ርአ።)

ኬቨን[1] ሓቂ ምስ ተማህረ፡ ልዕሊ ዅሉ ምስ የሆዋ ጥብቂ ርክብ ኬማዕብል ደለየ። ኰይኑ ግና፡ ንሓያሎ ዓመታት ይጣላዕን ሽጋራ የትክኽን ብዙሕ መስተ ይሰትን ሓሽሽ ይወስድን ነይሩ እዩ። ስምረት ኣምላኽ ንምርካብ፡ ነቲ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልምድታት ኪሓድጎ ነበሮ። ኣብ የሆዋን ኣብቲ ቓሉ ንምልዋጥ ዘለዎ ሓይልን ብምጽጋዕ ከኣ ከምኡ ኺገብር ከኣለ።—እብ. 4:12።

2 እሞኸ ኬቨን ድሕሪ ጥምቀቱ ኣብ ህይወቱ ለውጥታት ምግባር ኣቋሪጹዶ፧ ክርስትያናዊ ባህርያት ንምምዕባልን ባህርያቱ ንምምሕያሽን ገና ኺዓዪ ስለ ዝነበሮ፡ ነቲ ለውጢ ኣየቋረጾን። (ኤፌ. 4:31, 32) ንኣብነት፡ ቍጥዓኡ ምቍጽጻር ከቢድዎ ነይሩ እዩ። “ቍጥዓይ ምቍጽጻር፡ ዝጸንሐ ኣመላተይ ካብ ምቍራጽ ንላዕሊ ኸቢዱኒ እዩ” ኢሉ ተኣሚኑ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኬቨን ብልባዊ ጸሎትን ብጽዑቕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ተሓጊዙ ነቲ ለውጥታት እቲ ኺገብሮ ኽኢሉ እዩ።

3 መብዛሕትና ህይወትና ምስ መሰረታዊ ብቕዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምስምማዕ፡ ከም ኬቨን ቅድሚ ጥምቀት ዓበይቲ ለውጥታት ጌርና ኢና። ድሕሪ ጥምቀት ከኣ፡ ንኣምላኽን ንክርስቶስን ብዝያዳ ምእንቲ ኽንመስሎም፡ ብቐጻሊ ንኣሽቱ ለውጥታት ክንገብር ከም ዜድልየና ኣስተውዒልና ኢና። (ኤፌ. 5:1, 2፣ 1 ጴጥ. 2:21) ንኣብነት፡ ነቐፍቲ፡ ንሰብ እንፈርህ፡ ወይ ወረኛታት ከም ዝዀንና፡ ወይ ካልእ ድኽመት ከም ዘሎና ኣስተብሂልና ንኸውን። ኣብዚ መዳያት እዚ ለውጢ ምግባር፡ ካብቲ እተጸበናዮ ንላዕሊ ኸቢድ ኰይኑዶ ረኺብናዮ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ‘ዓበይቲ ለውጥታት ገይረ ኸብቅዕሲ፡ ስለምንታይ እዩ ንኣሽቱ ለውጥታት ምግባር ዚኸብደኒ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ምእንቲ ኪቕይሮ፡ ከመይ ገይረ እየ ተወሳኺ ዕቤት ክገብር ዚኽእል፧’ ኢልካ ትሓትት ንኸውን።

ኪኸውን ዚኽእል ትጽቢታት ይሃሉኻ

4. ኣብ ኵሉ እንገብሮ ዘበለ ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ዘይንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

4 ንሕና ንየሆዋ እንፈልጦን እነፍቅሮን ዘበልና፡ ብዅሉ ልብና ባህ ዜብሎ ነገር ኢና ኽንገብር እንደሊ። እዚ ድሌትና እዚ ሽሕ ሳዕ ይሓይል ብዘየገድስ፡ ዘይፍጹማት ብምዃንና ወትሩ ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ነገር ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ኵነታትና ምስ ኵነታት እቲ፡ “ሰናይ ክገብር ድሌት ደኣ ኣሎኒ እምበር፡ ክእለት የብለይን” ኢሉ ዝጸሓፈ ሃዋርያ ጳውሎስ ይመሳሰል እዩ።—ሮሜ 7:18፣ ያእ. 3:2።

5. ቅድሚ ምጥማቕና እንታይ ለውጥታት ኢና ጌርና፧ ግናኸ፡ ሕጂ እውን ምስ እንታይ ድኽመታት እንቃለስ፧

5 ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸይንኸውን ኪዓግተና ዚኽእል ሓጥእ ተግባራት ኣወጊድና ኢና። (1 ቈረ. 6:9, 10) ኰይኑ ግና፡ ገና ዘይፍጹማት ኢና። (ቈሎ. 3:9, 10) ስለዚ፡ ድሕሪ ጥምቀት ወይ እውን ኣብ ሓቂ ነዊሕ ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕና፡ ጌጋታት ዘይንገብር፡ ሕማቕ ባህርይ ዘይደግሰና፡ ወይ ብጌጋ ድራኸታትን ዝንባለታትን ዘይንሽገር ክንከውን ምጽባይ ዘይከውን ነገር እዩ። ገሊኡ ዝንባለታት ንነዊሕ ዓመታት ይጸንሕ እዩ።

6, 7. (ሀ) ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና፡ ፈተውቲ የሆዋ ኽንከውን ዜኽእለና እንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ይቕረ ኺብለልና ኻብ ምሕታት ክንስከፍ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

6 ዝወረስናዮ ዘይፍጽምና ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎና ዕርክነት ኬበላሽዎ ወይ ንዕኡ ብቐጻሊ ኸይነገልግሎ ዕንቅፋት ኪዀነና የብሉን። ሕስብ እሞ ኣብሎ፦ የሆዋ ምስኡ ርክብ ክንምስርት ኪስሕበና ኸሎ፡ ብዙሕ ከም እንጋገ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 6:44) ንጠባያትናን ነቲ ኣብ ልብና ዘሎን ስለ ዚፈልጦ፡ ዘይፍጽምናና ዜምጽኦ እንታይ ዝንባለታት ከም ዜሸግረና ብርግጽ ይፈልጥ እዩ። ሓሓሊፍና ኸም እንእብስ እውን ይፈልጥ እዩ። እዚ ግና ምሳና ዕርክነት ንምምስራት ከም ዘይደሊ ኣይገበሮን።

7 ኣምላኽ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኽቡር ውህበት ሂቡና፡ ማለት ነቲ ፍቑር ወዱ በጃና ኺስዋእ ፈቒዱ እዩ። (ዮሃ. 3:16) ምስ ተጋገና ኸኣ፡ እንተ ተነሲሕናን ብመሰረት እዚ ብዋጋ ዘይሽነን መሰናድዎ እዚ ይቕረታ የሆዋ እንተ ደሊናን፡ ምስኡ ዘሎና ዕርክነት ከም ዘይበላሾ እምንቶ ኸነሕድር ንኽእል ኢና። (ሮሜ 7:24, 25፣ 1 ዮሃ. 2:1, 2) እሞኸ ርኹሳት ወይ ሓጥኣን ኢና ኢልና ኻብዚ በጃ እዚ ንምጥቃም ንስከፍ ዲና፧ ኣይፋልን! ከምኡ ምግባር እሞ፡ ኣእዳውና ምስ ረስሐ፡ ብማይ ክንሕጸብ ፍቓደኛ ኸም ዘይምዃን እዩ። ብሱሩ እውን እቲ በጃ ንዚንስሑ ሓጥኣን እዩ ተዳልዩ። ሳላ እቲ በጃ ኸኣ፡ ዘይፍጹማት ክነስና ምስ የሆዋ ዕርክነት ኪህልወና ይኽእል እዩ።—1 ጢሞቴዎስ 1:15 ኣንብብ።

8. ንድኽመታትና ዕሽሽ ክንብሎ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

8 እዚ ኺብሃል ከሎ፡ ንድኽመታትና ዕሽሽ ንብሎ ማለት ኣይኰነን። ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ንምምዕባል፡ ንዕኡን ንክርስቶስን ብዝያዳ ኽንመስሎምን ከምቲ ኽንኰኖ ዚደልዩና ኽንከውንን ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። (መዝ. 15:1-5) ኣብ ርእሲ እዚ ድማ፡ ነቲ ዘይፍጽምና ዜምጽኦ ዝንባለታት ክንቈጻጸሮ፡ እንተ ኽኢልና እውን ከነጥፍኦ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ኣብ ቀረባ እዋን እተጠመቕና ንኹን ወይ ኣብ ሓቂ ነዊሕ ዓመታት ዝገበርና፡ ወትሩ ‘ኽንቀንዕ’ ኣሎና።—2 ቈረ. 13:11።

9. ሓድሽ ስብእና ምልባስ ቀጻሊ መስርሕ ምዃኑ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧

9 ‘ክንቀንዕን’ “ሓድሽ ስብእና” ኺህልወናን እንተ ዀይኑ፡ ቀጻሊ ጻዕሪ የድልየና እዩ። ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ፡ “ነቲ ኸምቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣነባብራኹም ዝዀነ ብዜታልል ትምኒቱ ዚበላሾ ኣረጊት ስብእና ኽትቅንጥጡ ተማሂርኩም ኢኹም። ብኣተሓሳስባኹም ከኣ ብቐጻሊ ተሓደሱ፣ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ተኣማንነትን ከም ፍቓድ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ስብእና ድማ ልበሱ” ኢሉ ኣዘኻኺርዎም እዩ። (ኤፌ. 4:22-24) እተን “ብቐጻሊ ተሓደሱ” ዚብላ ቓላት፡ እቲ ሓድሽ ስብእና ናይ ምልባስ ተግባር ቀጻሊ መስርሕ ምዃኑ ይሕብራ። ንየሆዋ ዘገልገልናሉ ንውሓት ግዜ ብዘየገድስ፡ ነቲ ሓድሽ ስብእና ዜቕውም ክርስትያናዊ ባህርያትና ብቐጻሊ ኸነማዕብልን ከነመሓይሽን ስለ እንኽእል፡ እዚ የተባብዓና እዩ። እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጻሊ ንህይወትና ኪቕይሮ ይኽእል እዩ።

ኣመና ኣጸጋሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

10. ብመጽሓፍ ቅዱስ እናተሓገዝና ቐጻሊ ለውጢ ምእንቲ ኽንገብር እንታይ ክንገብር ኣሎና፧ እንታይ ሕቶታትከ ኽንሓትት ንኽእል፧

10 ቃል ኣምላኽ ብቐጻሊ ኪቕይረና እንተ ዀይኑ፡ ንሕና ብወገንና ኽንጋደል ኣሎና። ስለምንታይ እዩ ግና ብርቱዕ ጻዕሪ ኽንገብር ዜድልየና፧ የሆዋ ንጻዕርታትና ዚባርኾ እንተ ዀይኑ፡ ብቐሊሉ መንፈሳዊ ዕቤት ክንገብርዶ ኣይግባእን፧ ብዙሕ ከይጸዓርና ኣምላኻዊ ባህርያት ምእንቲ ኸነርኢ፡ የሆዋ ንግጉይ ዝንባለታትና ብቐሊሉ እንተ ዜጥፍኦዶ ኣይምሓሸን፧

11-13. የሆዋ፡ ድኽመታትና ንምስናፍ ጻዕሪ ኽንገብር ዚጽበየና ስለምንታይ እዩ፧

11 ብዛዕባ ዩኒቨርስ ከነስተንትን ከለና፡ የሆዋ ዓብዪ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ንግንዘብ ኢና። ንኣብነት፡ ጸሓይ ኣብ ሓደ ኻልኢት ሓሙሽተ ሚልዮን ቶን ዚምዘን ነገር ናብ ሓይሊ ትቕይር እያ። እቲ ኻብኡ ብሃዋህው ምድርና ዚሓልፍ ንእሽቶ መጠን እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ ምድሪ ንዚርከብ ህይወት ዜድሊ እኹል ሙቐትን ብርሃንን ይህብ እዩ። (መዝ. 74:16፣ ኢሳ. 40:26) የሆዋ ንሰብኣውያን ኣገልገልቱ ተሓጒሱ ዜድልዮም ሓይሊ ይህቦም እዩ። (ኢሳ. 40:29) እወ፡ ኣምላኽ ንዅሉ ድኽመታትና ብዘይ ቃልሲ ኸነሰንፎ ወይ ካብ ጌጋታትና ኽንምሃር ከየድለየና ኽንነብር ዜድሊ ሓይሊ ኺህበና ይኽእል እዩ። ስለምንታይ ግና እዩ ኸምኡ ዘይገብር፧

12 የሆዋ ኣዝዩ ኽቡር ዝዀነ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡና እዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ብምውሳንን ከምኡ ንምግባር ብምጽዓርን፡ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ንምሕጓሱ ዘሎና ድሌትን ኢና እነርኢ። ንልዑላውነቱ ዘሎና ደገፍ እውን ነርኢ ኢና። ሰይጣን፡ ልዑላውነት የሆዋ ቕኑዕ እንተ ዀይኑ ኣብ ሕቶ ኣእትይዎ ኣሎ። ስለዚ፡ ንልዑላውነት የሆዋ ንምድጋፍ ብፍታውና ኣበርቲዕና ምስ እንጽዕር፡ እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ሰናይ ዚገብረልናን ንተግባርና ዜማስወሉን ሰማያዊ ኣቦና ዓብዪ ዋጋ ኣለዎ። (እዮ. 2:3-5፣ ምሳ. 27:11) ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ኻብቲ ዘይፍጽምናና ዜምጽኦ ዝንባለታት ምሉእ ብምሉእ ሓራ ገይሩ ኸም ዘይንቃለስ እንተ ገይሩና፡ ንልዑላውነቱ እሙናት ኢና ወይ ንድግፍ ኢና ኽንብል ኣይንኽእልን ኢና።

13 ስለዚ ድማ እዩ የሆዋ ነቲ ኣምላኻዊ ባህርያት ንምምዕባል ‘ክንጋደል’ ከም ዘሎና ዚነግርና። (2 ጴጥሮስ 1:5-7 ኣንብብ፣ ቈሎ. 3:12) ሓሳባትናን ስምዒታትናን ንምቍጽጻር ክንጽዕር ይጽበየና እዩ። (ሮሜ 8:5፣ 12:9) ኣብዚ መዳይ እዚ ናይ ሓቂ ጻዕሪ ምስ እንገብር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሕጂ እውን ንህይወትና ይቕይሮ ኸም ዘሎ ስለ እነስተውዕል፡ ዝያዳ ዕግበት እዩ ዚስምዓና።

ቃል ኣምላኽ ብቐጻሊ ይለውጥካ

14, 15. የሆዋ ዚፈትዎ ባህርያት ንምምዕባል እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (“መጽሓፍ ቅዱስን ጸሎትን ንህይወቶም ለዊጥዎ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።)

14 ኣምላኻዊ ባህርያት ንምምዕባልን ንየሆዋ ባህ ንምባልን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ ገዛእ ርእስና ንምምሕያሽ ምውሳን ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ቀጻሊ ጻዕሪ ኽንገብርን ትእዛዛት ኣምላኽ ክንስዕብን ኣሎና። ከመይሲ፡ ሮሜ 12:2፡ “እቲ ሰናይን ቅቡልን ፍጹምን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ መርሚርኩም ክትፈልጡስ፡ ንኣእምሮኹም ብምሕዳስ ተለወጡ እምበር፡ ደጊም በዚ ስርዓት እዚ ኣይትቀረጹ” እያ እትብል። የሆዋ ነቲ ኸነማልኦ ዚደልየና ብቕዓታት ንምምላእ፡ ብቓሉን ብመንፈስ ቅዱሱን ኣቢሉ ፍቓዱ እንታይ ምዃኑ ኸነስተውዕልን ክንገብሮን ክንልወጥን ይሕግዘና እዩ። ገለ ኻብቲ ንሕና ብወገንና እንገብሮ ጻዕሪ ድማ፡ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ምስትንታንን መንፈስ ቅዱስ ንምርካብ ዚቐርብ ጸሎትን ኪጥቀስ ይከኣል። (ሉቃ. 11:13፣ ገላ. 5:22, 23) ንመሪሕነት እቲ ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ምስ እንግዛእን ኣተሓሳስባና ምስቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ኣረኣእያ የሆዋ ምስ እነሰማምዖን፡ ኣተሓሳስባናን ቃላትናን ተግባራትናን ብዝያዳ ምስ ናይ ኣምላኽ ይሳነ እዩ። ሽዑ እውን እንተ ዀነ፡ ብገለ ድኽመትና ኸይንስነፍ ገዛእ ርስና ኽንሕሉ የድልየና እዩ።—ምሳ. 4:23።

ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ነቲ ኣቐሚጥዎ ዝነበረ ሓጋዚ ጥቕስታትን ዓንቀጻትን ይምርምሮ

ድኽመታትካ ንምስናፍ ዚሕግዝ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ምእካብን ምምርማሩን ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

15 ኣብ ርእሲ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ዜደንቕ ባህርያት የሆዋ ንምቕዳሑ፡ ቃል ኣምላኽን ክርስትያናዊ ጽሑፋትን ከነጽንዕ ኣሎና። ገሊኦም ክርስትያናት ንገሊኡ ክርስትያናዊ ባህርያት ንምምዕባል ወይ ንገሊኡ ድኽመታት ንምስናፍ ዚሕግዝ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን ዓንቀጻት ግምቢ ዘብዐኛን ንቕሑ!ን ምእካብ፡ ሓሓሊፍካ እውን ምምርማሩ ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም።

16. ቅልጡፍ ለውጢ ኽንገብር እንተ ዘይክኢልና፡ ተስፋ ኽንቈርጽ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

16 መንፈሳዊ ዕቤትካ እተጐትተ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ዕቤት ግዜ ኸም ዚወስድ ክትርስዕ የብልካን። መንፈሳዊ ባህርያት ምምዕባል፡ ቀጻሊ መስርሕ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትና ብቐጻሊ ኣወንታዊ ለውጢ ምእንቲ ኼፍሪ፡ ትዕግስቲ የድልየና እዩ። ኣብ ፈለማ፡ ብመለክዒ ቕዱሳት ጽሑፋት ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር፡ ገዛእ ርእስና ኽንግስጽ ኣሎና። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ሓሳባትናን ተግባራትናን ምስ ናይ የሆዋ ኣምላኽ እናተሰማምዐ ስለ ዚኸይድ፡ ብኣምላኻዊ መገዲ ምሕሳብን ምግባርን እናቐለለናን እናተወሃሃደናን እዩ ዚኸይድ።—መዝ. 37:31፣ ምሳ. 23:12፣ ገላ. 5:16, 17።

ዓበይቲ ተስፋታትና ንዘክር

17. ንየሆዋ እሙናት እንተ ዄንና፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ደስ ዜብል ነገር ኢና እንረክብ፧

17 እሙናት ኣምለኽቲ የሆዋ፡ ንዘለኣለም ንዕኡ ብፍጽምና ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ኪህልዎም እዩ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣምላኻዊ ባህርያት ምንጽብራቕ ቃልሲ ኣይኪኸውንን እዩ፣ የግዳስ፡ ኣዝዩ ደስ ዜብል እዩ ዚኸውን። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ሳላ እቲ በጃ፡ ነቲ ፈቃር ኣምላኽና ኸነምልኾ ተፈቒዱልና ኣሎ። ዘይፍጹማት እኳ እንተ ዀንና፡ ክንልወጥ እንተ ጽዒርናን ነቲ ብቓሉ ኣቢሉ ዚምህረና እንተ ስዒብናን፡ ንዕኡ ባህ ከነብሎ ንኽእል ኢና።

18, 19. መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወትና ብቐጻሊ ኺልውጦ ኸም ዚኽእል ከመይ ጌርና ርግጸኛታት ንኸውን፧

18 እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ኬቨን ንቝጥዓኡ ንምቍጽጻር ኣበርቲዑ ጽዒሩ እዩ። ብዛዕባ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣስተንቲኑን ነቲ ዘስተንተነሉ ኣብ ግብሪ ኣውዒልዎን እዩ፣ ክርስትያናት ብጾቱ ዝሃብዎ ሓገዝን ምኽርን እውን ተቐቢሉ እዩ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ከኣ፡ ብዙሕ ተመሓይሹ እዩ። ድሕርዚ፡ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኪኸውን በቒዑ እዩ፣ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመት ድማ ሽማግለ ጉባኤ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ይኹን እምበር፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ሕማሙ ኸይደግሶ ወትሩ ገዛእ ርእሱ ይሕሉ እዩ።

19 ካብ ተመክሮ ኬቨን ከም እንርእዮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንሰባት ኣብ ህይወቶም ኣወንታዊ ለውጥታት ኪገብሩ ይሕግዞም እዩ። ስለዚ፡ ቃል ኣምላኽ ኪልውጠናን ምስ የሆዋ ብዝያዳ ኼቀራርበናን ንፍቀደሉ። (መዝ. 25:14) የሆዋ ንጻዕርታትና ኺባርኾ ኸሎ ምስ ረኣና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወትና ብቐጻሊ ኸም ዚልውጦ ንጹር መርትዖ ኽንረክብ ኢና።—መዝ. 34:8።

^ [1] (ሕጡብ ጽሑፍ 1) ስም ተቐዪሩ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስን ጸሎትን ንህይወቶም ለዊጥዎ

ራስል ንክርስትያናት ብጾቱ ዚነቅፍን ዜሸግርን ሰብ እዩ ነይሩ። ማሪያ ቪክቶሪያ ወረ እትፈቱ እያ ነይራ። ሊንዳ ኸኣ ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽትከይድ ከላ፡ ንሰብ ኣመና እያ እትፈርህ ነይራ። ሰለስቲኦም እተጠምቁ ክርስትያናት፡ እቲ ዘይፍጽምና ዜምጽኣሎም ዝንባለታት ኣዝዩ ሓያል ብምንባሩ፡ ኪልወጡ ዘይክእሉ ይመስሎም ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ኵላቶም ንድኽመታቶም ንምስናፍ ብዙሕ ኣመሓይሾም እዮም። እንታይ ከም ዝሓገዞም እስከ ንርአ።

ራስል፦ “ብጸሎት ናብ የሆዋ ምምህላለይን መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ምንባበይን ሓጊዙኒ እዩ። ብዛዕባ 2 ጴጥሮስ 2:11 ምስትንታነይን ካብ ሽማግለታት ብብሕቲ እተዋህበኒ ምኽርን ዓብዪ ለውጢ ገይሩለይ እዩ።”

ማሪያ ቪክቶሪያ፦ “ልሳነይ ንምቍጽጻር ምእንቲ ኺሕግዘኒ፡ ናብ የሆዋ ብጽኑዕ ጸልየ እየ። ወረ ምስ ዚፈትዉ ሰባት ክቀራረብ ከም ዘይብለይ እውን ተረዲኡኒ እዩ። መዝሙር 64:1-4፡ ሰባት ካባይ ምእንቲ ኺሕለዉ ዚጽሉዩለይ ሰብ ክኸውን ከም ዘይደሊ ኸስተውዕል ሓጊዛትኒ እያ። ወረኛ ዀይነ እንተ ቐጺለ፡ ሕማቕ ኣብነት ከም ዝኸውንን ንስም የሆዋ ኸም ዘጽርፎን እውን ተገንዚበ እየ።”

ሊንዳ፦ “ንትራክትታትና ንምብርካት ድልውቲ ምእንቲ ክኸውን፡ ክፈልጦ ጻዕሪ ገይረ እየ። ኣብ እተፈላለየ መዳይ ኣገልግሎት ምስ ዚካፈሉ ምቅርራበይ፡ ብዙሕ ሓጊዙኒ እዩ። ሕጂ እውን ብጸሎት ኣብ የሆዋ እጽጋዕ እየ።”

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ