ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w16 ሰነ ገጽ 32
  • ትዝክሮዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትዝክሮዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትዝክሮዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ትዝክሮዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • የሆዋ ንህዝቡ ንምድሓን ክልተ ኣንስቲ ተጠቕመ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ትዝክሮዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
w16 ሰነ ገጽ 32

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

የሆዋ ንእስራኤላውያን ኪዋግኡ ዜፍቅደሎም ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

የሆዋ ፈቃር እዩ። ይኹን እምበር፡ ሓድሓደ ግዜ እከይን ጭቈናን ንህዝቡ ዜስግእ ኣብ ዚዀነሉ ግዜ፡ ውግእ ኪግበር ይእዝዝ ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ጥራይ እዩ መን ከም ዚዋጋእን መዓስ ከም ዚዋግኡን ዚውስን ነይሩ።—w15 1/11፡ ገጽ 4-5።

ወለዲ ንመንእሰያት ውሉዳቶም፡ ንየሆዋ ኼገልግልዎ ንምስልጣን እንታይ ኣገዳሲ ነገራት ኪገብሩ ኣለዎም፧

ወለዲ ንመንእሰያት ውሉዳቶም ኬፍቅርዎምን ብትሕትናኦም ኣብነት ኪዀንዎምን ኣለዎም። ብዘይካዚ፡ ወለዲ ብልቦና ኺመላለሱን ንውሉዳቶም ኪርድእዎምን ይግባእ።—w15 15/11፡ ገጽ 9-11።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተካኢ ጴጥሮስ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

ማቴዎስ 16:17, 18 ሃዋርያ ጴጥሮስ ርእሲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም ዚኸውን ኣይትገልጽን እያ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጴጥሮስ ካብ ካልኦት ጸብለል ዝበለ ቦታ ኸም ዚህልዎ ዘይኰነስ፡ የሱስ እምኒ መኣዝን ጉባኤ ኸም ዚኸውን እዩ ዚሕብር። (1 ጴጥ. 2:4-8)—w15 1/12፡ ገጽ 12-14።

ቅድሚ ምዝራብና እንታይ ነገራት ኢና ኣብ ግምት ከነእቱ ዚግብኣና፧

ንልሳንና ብጽቡቕ ምእንቲ ኽንጥቐመሉ፡ (1) መዓስ ከም እንዛረብ (መክ. 3:7)፡ (2) እንታይ ከም እንዛረብ (ምሳ. 12:18)፡ (3) ብኸመይ ከም እንዛረብ (ምሳ. 25:15) ክንሓስበሉ ይግባእ።—w15 15/12፡ ገጽ 19-22።

ብቕንዕና ዘይመላለሱ ዚገብርዎ እንታይ ተግባራት እዩ ክርስትያናት ኬወግድዎ ዚግባእ፧

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣይሕስዉን፡ ንኻልኦት ድማ ኣይሓምዩን እዮም። ንስም ሰብ ዜጸልም ሓሶትን ሃሳይን ዘረባ ኣይዛረቡን፡ ኣይሽፍጡን፡ ኣይሰርቁን እዮም።—wp16.1፡ ገጽ 5።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ “ሊቃውንቲ ኻህናት” መን እዮም፧

እቲ “ሊቃውንቲ ኻህናት” ዚብል መጸውዒ፡ ንኣውራታት ኣባላት ክህነትን ኣቐዲሞም ሊቀ ኻህናት ንዝነበሩን ዜጠቓልል እዩ።—wp16.1፡ ገጽ 10።

ካብቲ ኣብ በዓል ዚኽሪ ዚቐርብ ቅጫን ወይንን ንዚወስድ ሰብ ብኸመይ ክንሕዞ ኣሎና፧

ክርስትያናት ካብቲ ቕጫን ወይንን ንዚወስዱ ሰባት ልዕል ኣየብልዎምን እዮም። ናይ ሓቂ ቕቡእ ድማ ካልኦት ክብ ኬብልዎ ኣይደልን እዩ፣ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ እውን ኣየቃልሖን እዩ። (ማቴ. 23:8-12)—w16.01፡ ገጽ 23-24።

ኣብርሃም ፈታው የሆዋ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ንሕናኸ ኻብዚ እንታይ ንምሃር፧

ኣብርሃም ብዛዕባ የሆዋ ምናልባት ካብ ሴም ተማሂሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ካብቲ ኣምላኽ ንዕኡን ንስድራ ቤቱን ዝሓዘሉ መገዲ ድማ ተመክሮ ኣጥርዩ እዩ። ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና።—w16.02፡ ገጽ 9-10።

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምዕራፋትን ፍቕድታትን እተኣታተወ ብኸመይ እዩ፧

ኣብ መበል 13 ዘመን ዝነበረ ስተፈን ላንግቶን ዚብሃል ካህን እዩ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብምዕራፋት ከፋፊልዎ። ኣይሁድ ቀዳሕቲ ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ፡ ድሕሪኡ ኣብ መፋርቕ መበል 16 ዘመን ዝነበረ ሮበርት ኢስቲን ዚብሃል ምሁር ድማ ንቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ብፍቕድታት ከፋፊሎምዎ።—wp16.2፡ ገጽ 14-15።

ሰይጣን ንየሱስ ኪፍትኖ ኸሎ፡ ብኣካል ናብ ቤተ መቕደስ ወሲድዎ ድዩ፧

ብዛዕባ እዚ ኣፍና መሊእና ኽንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። እቲ ኣብ ማቴዎስ 4:5⁠ን ኣብ ሉቃስ 4:9⁠ን ዘሎ ጸብጻብ፡ የሱስ ናብ ቤተ መቕደስ ብራእይ ከም እተወስደ ወይ ኣብ ሓደ ላዕለዋይ ጫፍ እታ ቤተ መቕደስ ደው ኢሉ ኸም ዝነበረ ኼመልክት ይኽእል እዩ።—w16.03፡ ገጽ 31-32።

ክርስትያናዊ ኣገልግሎትና ኸም ኣውሊ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

ኣውሊ ቐስ ኢሉ ዜረስርስን መንፈስ ዜሐድስን ህይወት ዚህብን እዩ። ኣውሊ ኻብ ኣምላኽ ዚርከብ በረኸት እዩ። (ዘዳ. 33:13) ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ኣገልግሎት ብሓባር ዚገብርዎ ጻዕሪ እውን ተመሳሳሊ እዩ።—w16.04፡ ገጽ 4።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ