ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w17 ሰነ ገጽ 3
  • ትዝክሮዶ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትዝክሮዶ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትዝክሮዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ትዝክሮዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ትዝክሮዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ትዝክሮዶ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2018
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
w17 ሰነ ገጽ 3

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ እስከ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእል እንተ ዄንካ ርአ፦

ካብ ውድብ ኣምላኽ መምርሒ ኺመጽእ ከሎ፡ ከም ሓለውቲ ወረዳን ሽማግለታትን ዝኣመሰሉ ኣሕዋት እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልዎም ዘለዎ፧

ብቕልጡፍ ኪእዘዙ ኣለዎም። ‘ካልኦት መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ እሕግዝ ድየ፧ ንዚውሃበና መምርሒ ብቕልጡፍ እቕበሎን እድግፎን ድየ፧’ ኢሎም ገዛእ ርእሶም ኪሓትቱ ኣለዎም።—w16.11፡ ገጽ 11።

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ምርኮ ባቢሎን ዝኣተዉ መዓስ እዮም፧

ሃዋርያት ድሕሪ ሙማቶም ነዊሕ ከይጸንሐ እዩ እዚ ዀይኑ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣቕሽሽቲ ኻብ ተራ ሰባት እተፈልየ ጕጅለ ኬቝሙ ጀመሩ። ሽዑ፡ ቤተ ክርስትያንን መንግስትን ንናይ ክሕደት ክርስትና የተባብዓ ነበራ፣ ንድምጺ እቶም ከም ስርናይ ዝኣመሰሉ ክርስትያናት ድማ ኪውሕጣኦ ይፍትና ነበራ። ቅድሚ 1914 ኣብ ዝነበረ ዓመታት ግና፡ ቅቡኣት ክርስትያናት ሓራ ኺወጹ ጀመሩ።—w16.11፡ ገጽ 23-25።

ዕዮ ለፈቭረ ዴታፕለ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ 1520ታት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድ ተራ ሰባት ምእንቲ ኺኣቱ ኢሉ፡ ለፈቭረ ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብ ፈረንሳይኛ ተርጐሞ። እቲ ንሱ ንገሊኡ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝገለጸሉ መገዲ፡ ንማርቲን ሉተርን ንዊልያም ቲንደልን ንጆን ካልቪንን ጸልይዎም እዩ።—wp16.6፡ ገጽ 10-12።

ኣብ መንጎ “ናይ ስጋ ምሕሳብ”ን “ናይ መንፈስ ምሕሳብ”ን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧ (ሮሜ 8:6)

ናይ ስጋ ዚሓስብ ሰብ ኣብቲ ዘይፍጹም ስጋኡ ዘለዎ ትምኒታትን ዝንባለታትን የተኵር፡ ወግሐ ጸብሐ ድማ ብዛዕባ ናይ ስጋ ይዛረብ፡ ንናይ ስጋ ዘበለ ኸኣ ኣኽቢሩ ይርእዮ። ናይ መንፈስ ዚሓስብ ሰብ ድማ ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሓሳብ ኣምላኽን እዩ ዜተኵር፣ ከምዚ ዝበለ ክርስትያን ብመንፈስ ቅዱስ ይጽሎ እዩ። ናይ ስጋ ምሕሳብ ናብ ሞት እዩ ዚመርሕ፡ ናይ መንፈስ ምሕሳብ ግና ናብ ህይወትን ሰላምን እዩ ዚመርሕ።—w16.12፡ ገጽ 15-17።

ጭንቀትካ ንምንካይ ዚሕግዝ ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

ቀዳምነት እትህቦ ነገራት ብግቡእ ስራዕ፣ ኪኸውን ዚኽእል ትጽቢታት ይሃሉኻ፣ ኣብ መዓልታዊ መደብካ እተዕርፈሉ ግዜ መድብ፣ ብፍጥረት የሆዋ ባህ ይበልካ፣ ተዋዛያይ ኩን፣ ስሩዕ ምውስዋስ ኣካላት ግበር፣ እኹል ድቃስ ደቅስ።—w16.12፡ ገጽ 22-23።

“ሄኖክ፡ ሞት ምእንቲ ኸይርኢ፡ ብእምነት ግዒዙ እዩ።” (እብ. 11:5) ብኸመይ፧

ኣምላኽ ንሄኖክ፡ ከም ዚመውት ከይተፈለጦ ኻብ ህይወት ናብ ሞት ኣግዒዝዎ ኪኸውን ኣለዎ።—wp17.1፡ ገጽ 12-13።

ትሕትና ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

ትሕትና ንርእስና ብግቡእ ምግምጋምን ዓቕምና ምፍላጥን ተጠቓልል እያ። ጠባይና ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዚጸልዎም ክንግንዘብ ኣሎና፣ ብዛዕባ ርእስና እውን ልዕል ኣቢልና ኽንሓስብ የብልናን።—w17.01፡ ገጽ 18።

ኣምላኽ ከምቲ ኣብዚ ግዜና ንዘሎ ኣመሓዳሪ ኣካል ዚመርሖ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል እውን ይመርሖ ኸም ዝነበረ ዚሕብር እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ብሓገዝ መንፈስ ቅዱስ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ሓቅታት ተረዲኡ እዩ። ብሓገዝ መላእኽቲ ኸኣ ንዕዮ ስብከት መሪሑ እዩ፣ መምርሒ ንምሃብ ድማ ኣብ ቃል ኣምላኽ ይምርኰስ ነይሩ እዩ። ኣብዚ ግዜና እውን ተመሳሳሊ መርትዖ ይርአ ኣሎ።—w17.02፡ ገጽ 26-28።

ነቲ በጃ ኽቡር ጌርና ኸም እንርእዮ ዚገብረና እንታይ ረቛሒታት ኣሎ፧

ኣርባዕተ ረቛሒ ኣሎ፦ ነቲ በጃ ዝሃበና መን እዩ፧ ስለምንታይ እዩ ተዋሂቡ፧ እንታይ መስዋእቲ እዩ ተኸፊሉ፧ እንታይ ዜድልየና ነገር እዩ ኣማሊኡ፧ ብዛዕባ እዚ ረቛሒታት እዚ ኽንሓስብ ኣሎና።—wp17.2፡ ገጽ 4-5።

ሓደ ክርስትያን ውሳነ ድሕሪ ምግባሩ፡ ሓሳቡ ኪቕይር ይኽእል ድዩ፧

ቃልና ኽንሕሉ ኣሎና። ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ንውሳነና ዳግም ክንሓስበሉ ንኽእል ኢና። ሰብ ነነዌ ምስ ተነስሑ፡ ኣምላኽ ውሳነኡ ቐዪሩ እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ ሓድሽ ኵነታት ወይ ሓድሽ ሓበሬታ፡ ውሳነና ኸነዐሪ ይድርኸና እዩ።—w17.03፡ ገጽ 16-17።

ኣሉታዊ ዘረባ ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ነቲ ጸገም ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኺገብሮን ኬጋድዶን ይኽእል እዩ። እቲ ዘረባ ቕኑዕ ይኹን ኣይንኹን ብዘየገድስ፡ ጐዳኢ ዘረባ ንዅነታት ኣየመሓይሾን እዩ።—w17.04፡ ገጽ 21።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ