ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w16 ታሕሳስ ገጽ 29-31
  • ልእመት—መገዲ ጥበብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ልእመት—መገዲ ጥበብ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ልእመት ሒዛቶ ዘላ ጥበብ
  • ልእመት—ብኸመይ ትጠቕመና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • “ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ልእመት ብርታዐኻ ትኹን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
w16 ታሕሳስ ገጽ 29-31
ሓንቲ ኣላይት ኣረጋውያን ንሓንቲ እተቘጥዐት ሰበይቲ ትዛረባ

ልእመት—መገዲ ጥበብ

ቶኒ ዝስማ ኣላይት ኣረጋውያን፡ ደወል ማዕጾ ምስ ደወለት፡ ሓንቲ ኣብ ማእከላይ ዕድመ እትርከብ ሰበይቲ ኸፈተትላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ቶኒ ብዕድመ ንዝደፍአት ኣዴኣ ኽትኣሊ ቐልጢፋ ስለ ዘይመጸት ጸረፈታን ገንሓታን። ቶኒ ኣብ ሰዓታ እያ መጺኣ ነይራ። ይኹን እምበር፡ ብህድኣት ነታ ሰበይቲ ይቕረታ ሓተተታ።

ቶኒ ኻልእ መዓልቲ ምስ ተመልሰት እውን እታ ሰበይቲ ተቘጢዓ ተዛረበታ። እሞኸ ቶኒ እንታይ ገበረት፧ ቶኒ፡ “ኣዝዩ ኸቢድ ኵነታት እዩ ነይሩ። ክትጸርፈኒ ምኽንያት ኣይነበራን” በለት። ኰይኑ ግና፡ ቶኒ ነታ ሰበይቲ መሊሳ ይቕረታ ሓተተታ፡ ነቲ ዜጋጥማ ዘሎ መከራ ኸም እትርድኣላ እውን ገለጸትላ።

ንስኻኸ ኸም ናይ ቶኒ ዝበለ ዅነታት እንተ ዜጋጥመካ ነይሩ እንታይ ምገበርካ፧ ልእመት መርኣኻዶ፡ ወይስ ሕርቃንካ ምቍጽጻር ምኸበደካ፧ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ዝኣመሰለ ዅነታት ምስ ዜጋጥመካ፡ ስምዒትካ ምቍጽጻር ከም ዜጸግም ዚከሓድ ኣይኰነን። ውጥረት ምስ ዚበዝሓና ወይ ዜሕርቕ ኵነታት ምስ ዜጋጥመና፡ ልኡም ምዃን ብሓቂ ኪኸብደና ይኽእል እዩ።

ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ልኡማት ኪዀኑ የተባብዖም እዩ። ወረግ ቃል ኣምላኽሲ ነዛ ባህርይ እዚኣ ምስ ጥበብ እዩ ዜተሓሕዛ። ያእቆብ፡ “ኣብ መንጎኹምከ ጥበበኛን ኣእምሮኛን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣካይዳኡ፡ በቲ ኻብ ጥበብ ዚርከብ ልእመት ገይሩ ግብሩ የርኢ” በለ። (ያእ. 3:13) እሞኸ፡ ልእመት መግለጺት ናይ ላዕሊ ጥበብ ዝዀነት ብኸመይ እያ፧ ነዛ ኣምላኻዊት ባህርይ እዚኣ ኸነማዕብልከ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

ልእመት ሒዛቶ ዘላ ጥበብ

ልእመት ንውጥረት ከተህድእ ትኽእል እያ። “ልኡም ምላሽ፡ ነድሪ የህድእ፣ ተሪር ቃል ግና፡ ቍጥዓ የለዓዕል።”—ምሳ. 15:1።

ብቝጥዐ ዚውሃብ መልሰ ግብሪ፡ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ነዳዲ ኸም ምውሳኽ ስለ ዚኸውን፡ ነቲ ሕማቕ ኵነታት ኬጋድዶ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 26:21) ብልእመት ዚውሃብ ምላሽ ግና፡ የህድእ እዩ። ንኣረኣእያ እቲ እተቘጥዐ ሰብ እውን ኬለስልሶ ይኽእል እዩ።

ንቶኒ ኸምኡ እዩ ኣጋጢምዋ። ቶኒ ነታ ሰበይቲ ብልእመት ምስ ኣዛረበታ፡ እታ ሰበይቲ በኸየት፡ ንዕኣን ንስድራ ቤታን ብዘጋጠማ ጸገማት ተጨኒቓ ኸም ዝነበረት ከኣ ንቶኒ ገለጸትላ። ቶኒ ድማ ጽቡቕ ገይራ መስከረትላ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ጀመረትላ። እዚ ዅሉ ውጽኢት እተረኽበ፡ ቶኒ ብህድኣትን ብሰላማውን መገዲ ምላሽ ስለ ዝሃበት እዩ።

ልእመት ሕጉሳት ትገብረና። “ልኡማት ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ሕጉሳት እዮም።”—ማቴ. 5:5።

ልኡማት ሕጉሳት ዝዀኑ ስለምንታይ እዮም፧ ቍጡዓት ዝነበሩ ሓያሎ ሰባት፡ ልእመት ምስ ለበሱ፡ ሕጉሳት ኰይኖም እዮም። ህይወቶም ተመሓይሹ እዩ፣ ዜደንቕ ተስፋ ኸም ዘለዎም ድማ ይፈልጡ እዮም። (ቈሎ. 3:12) ኣብ ስጳኛ ሓላው ወረዳ ዀይኑ ዜገልግል ኣዶልፍ፡ ሓቂ ቕድሚ ምስማዑ እንታይ ዓይነት ህይወት ከም ዝነበሮ ኣይርስዖን እዩ።

ኣዶልፍ ከምዚ በለ፦ “ህይወተይ ዕላማ ኣይነበራን። ብዙሕ ሳዕ ዝቝጣዕን ዕቡይን ዓመጸኛን ስለ ዝነበርኩ፡ ገሊኦም ኣዕሩኸይ እኳ ይፈርሁኒ ነይሮም። ሓደ ንባህርየይ ዚቕይር ኵነታት ግና ኣጋጢሙኒ። ኪብኣስ ከለኹ፡ ሽዱሽተ ሳዕ ተወጊአ ብዙሕ ደም ስለ ዝፈሰሰኒ፡ ካብ ሞት ንስክላ እየ ወጺአ።”

ሕጂ ግና ኣዶልፍ ንኻልኦት፡ ልኡማት ኪዀኑ ብቓሉን ብግብሩን ይምህሮም ኣሎ። ብዙሓት ከኣ በቲ ውዕዉዕን ባህ ዜብልን ባህርያቱ ይስሓቡ እዮም። ኣዶልፍ፡ ለውጢ ኺገብር ብምኽኣሉ ሕጉስ እዩ። ልእመት ኬማዕብል የሆዋ ስለ ዝሓገዞ ድማ የመስግኖ እዩ።

ልእመት ንየሆዋ ተሐጕሶ። “ወደየ፡ ነቲ ዜባጭወለይ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን፡ ንልበይ እውን ኣሐጕሶ።”—ምሳ. 27:11።

ንየሆዋ እቲ ቐንዲ ጸላኢኡ ዝዀነ ድያብሎስ የባጭወሉ እዩ ዘሎ። ኣምላኽ በዚ ዀነ ኢልካ ዚጽረፎ ዘሎ ጸርፊ ኪቝጣዕ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግና የሆዋ “ንቝጥዓ ደንጓዪ” ኸም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ። (ዘጸ. 34:6) ከም ኣምላኽ ንቝጥዓ ደንጐይትን ልኡማትን ክንከውን እንተ ጽዒርና፡ ንየሆዋ ዜሐጕስ መገዲ ጥበብ ኢና እንስዕብ።—ኤፌ. 5:1።

እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ብዜቘጥዕ ነገራት ዝመልአት እያ። “ምኩሓት፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ . . . ሓመይቲ፡ ርእሶም ዘይገትኡ፡ ጨካናት” ዝዀኑ ሰባት ኬጋጥሙና ይኽእሉ እዮም። (2 ጢሞ. 3:2, 3) እዚ ግና፡ ንሓደ ክርስትያን ልኡም ከይከውን ዕንቅፋት ኪዀኖ የብሉን። ቃል ኣምላኽ፡ “ናይ ላዕሊ ጥበብ . . . ሰላማዊት፡ ልዝብቲ” ኸም ዝዀነት ይነግረና እዩ። (ያእ. 3:17) ሰላማውያንን ልዙባትን ብምዃን ጥበብ ኣምላኽ ከም ዘጥረና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። እዛ ጥበብ እዚኣ ድማ፡ ዜቘጥዕ ነገር ኬጋጥመና ኸሎ ልኡም ምላሽ ክንህብን ናብቲ ምንጪ ማእለያ ዘይብሉ ጥበብ ዝዀነ የሆዋ ብዝያዳ ኽንቀርብን ክትሕግዘና ትኽእል እያ።

ልእመት ብኸመይ ከም እተማዕብል

ሓደ ሰብ እንተ ገፊዑካ ወይ ፍትሓዊ ብዘይኰነ መገዲ እንተ ሒዙካ፡ ስምዒትካ ኽትቈጻጸርን ንየሆዋ ብዜሐጕስ መገዲ ምላሽ ክትህብን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ነዚ ዚስዕብ ጠቓሚ ስርዓታት ኣስተንትነሉ።

  1. 1 “መንፈስ ዓለም” ኣርሕቕ።—1 ቈረ. 2:12። ሓያሎ ሰባት፡ ንልእመት ከም ምልክት ድኽመት ገይሮም እዮም ዚርእይዋ። ሓደ ሰብ ብርቱዕ ኪኸውን እንተ ዀይኑ፡ ተሪርን ቍጡዕን ኪኸውን ከም ዘለዎ ይሓስቡ እዮም። እዚ መንፈስ ዓለም ደኣ እምበር፡ ናይ ላዕሊ ጥበብ ዜንጸባርቕ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ልኡም ሰብ ብርቱዕ ከም ዝዀነ ብንጹር ይገልጽ እዩ። “ኣዛዚ ብትዕግስቲ ይስነፍ፣ ልእምቲ ልሳን ድማ ዓጽሚ ትሰብር።”—ምሳ. 25:15።

    ንምስትንታን ዚኸውን ሕቶታት፦

    ልእመት ከም ምልክት ብርታዐ ገይረ ድየ ዚርእያ፡ ወይስ ከም ድኽመት፧

    ከም ቍጥዓን ባእስን ዝኣመሰለ “ግብሪ ስጋ” ኸወግድ እጽዕር ድየ፧—ገላ. 5:19, 20።

  2. 2 ግዜ ወሲድካ ኣስተንትን። “ልቢ ጻድቕ ቅድሚ ምምላሱ የስተንትን፣ ኣፍ እኩያት ግና ክፉእ ነገር ይድርጕሕ።” (ምሳ. 15:28) ተቘጢዕና ኸለና ንዛረብ እንተ ዄንና፡ ደሓር እንጥዓሰሉ ዘረባ ኽንድርጕሕ ኢና። ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ምዝራብና ምስ እነስተንትን ወይ ምስ እንሓስብ፡ ሓሳብና ኽንእክብን ብልእመት ክንዛረብን ጽቡቕ ምላሽ ክንረክብን ንኽእል ኢና።

    ንምስትንታን ዚኸውን ሕቶታት፦

    ብቐሊሉ እቝጣዕ ድየ፧

    ዘይፍትሓዊ ነገራት ኬጋጥመኒ ኸሎ፡ ምእንቲ ሰላም ኢለ ዕሽሽ ክብሎ እኽእል ድየ፧ —ምሳ. 19:11።

  3. 3 ኣዘውቲርካ ጸሊ። እቲ ኣብ መላእ ዩኒቨርስ ዝለዓለ ሓይሊ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበካ ጸሊ። (ሉቃ. 11:13) ፍረ መንፈስ ኣምላኽ፡ ልእመትን ርእሰ ግትኣትን ከም ዜጠቓልል ኣይትረስዕ። ኣዶልፍ፡ “ብፍላይ ከቢድ ኵነታት ኬጋጥመኒ ኸሎ፡ ናብ የሆዋ ኣዘውቲረ ምጽላየይ ብዙሕ ሓጊዙኒ እዩ” በለ። ‘ብጸሎት እንተ ጸኒዕና፡’ የሆዋ ነቲ መንፈስ ቅዱሱ ኽንረክብ ብትግሃት እነቕርቦ ጸሎት ምላሽ ኪህበሉ እዩ።—ሮሜ 12:12።

    ንምስትንታን ዚኸውን ሕቶታት፦

    የሆዋ ንልበይን ንድራኸይን ኪምርምሮ ኣዘውቲረ እጽሊ ድየ፧

    ንዕኡ ዜሐጕስ ዘበለ ምእንቲ ኽገብር መንፈስ ቅዱሱን ጥበብን ኪህበኒ እልምን ድየ፧—መዝ. 139:23, 24፣ ያእ. 1:5።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ