ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp17 ቍ. 1 ገጽ 4
  • ከመይ ገይረ ኽጅምር እኽእል፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከመይ ገይረ ኽጅምር እኽእል፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ከመይ ጌርካ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ኽትጥቀም ትኽእል፧
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ናብ ምንባብ ኣቕልብ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ካብ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1995
  • ንባብ ንቘልዑ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧—1 ክፋል፦ ምንባብዶ ወይስ ምርኣይ፧
    ንስድራ ቤት
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
wp17 ቍ. 1 ገጽ 4

ገበር | ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ዝያዳ ተጠቐም

ከመይ ገይረ ኽጅምር እኽእል፧

ሓንቲ ሰበይቲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ ምንባባ ትጽሊ

ባህ ኢሉካ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብን ካብኡ ዝያዳ ጥቕሚ ኽትረክብን ዚሕግዘካ እንታይ መገድታት ኣሎ፧ ብዙሓት ሰባት ጠቓሚ ዀይኑ ዝረኸብዎ ሓሙሽተ ርእይቶታት እስከ ርአ።

ምሹእ ኵነታት ፍጠር። ጽምው ዝበለ ቦታ ርኸብ። ኣብቲ እተንብቦ ምእንቲ ኸተተኵር፡ ዜስግለካ ነገራት ነኪ። እኹል ብርሃንን ጽሩይ ኣየርን ካብ ንባብካ ዝያዳ ጥቕሚ ኽትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ቅኑዕ ኣመለኻኽታ ይሃሉኻ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ሰማያዊ ኣቦና ዝመጸ ስለ ዝዀነ፡ ልክዕ ከምቲ ኻብ ፈቃር ወላዲኡ ኺምሃር ድሉው ዝዀነ ቘልዓ ዘለዎ ኣመለኻኽታ ምስ ዚህልወካ ብዝያዳ ኽትጥቀም ኢኻ። ቅድሚ ሕጂ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሉታዊ ሓሳባት እንተ ነይሩካ፡ ኣምላኽ ምእንቲ ኺምህረካ ነዚ ሓሳባት እዚ ኣወግዶ።—መዝሙር 25:4።

ቅድሚ ምንባብካ ጸሊ። መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ኣምላኽ ዝሓዘ እዩ፣ ስለዚ፡ ምእንቲ ኽንርድኦ ሓገዝ ኣምላኽ ምሕታት ዜድልየና ምዃኑ ዜገርም ኣይኰነን። ኣምላኽ ነቶም ‘ዚልምንዎ መንፈስ ቅዱስ’ ከም ዚህቦም ኣተስፍዩ እዩ። (ሉቃስ 11:13) እዚ መንፈስ ቅዱስ እዚ፡ ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ክትርዳእ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ድሕሪ ግዜ፡ “ንመዓሙቝ ኣምላኽ እኳ ኸይተረፈ” ምእንቲ ኽትርድኦ፡ ኣእምሮኻ ኪኸፍተልካ እዩ።—1 ቈረንቶስ 2:10።

ንኽትርዳእ ኢልካ ኣንብብ። ጽሑፍ ንምሽፋን ጥራይ ኣይተንብብ። ብዛዕባ እቲ እተንብቦ ዘለኻ ብትዅረት ሕሰበሉ። ንርእስኻ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ሕተት፦ ‘ኣብዚ ዘንብቦ ዘለኹ ገጸ ባህርይ እንታይ ባህርያት እየ ተዓዚበ፧ ነዚ ኸመይ ገይረ ኣብ ህይወተይ ክዓይየሉ እኽእል፧’

ንጹር ሸቶታት ኣውጽእ። ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስካ ጽቡቕ ውጽኢት ምእንቲ ኽትረክብ፡ ንህይወትካ ዝያዳ ትርጉም ከም ዚህልዋ ዚገብር ነገር ክትምሃር መድብ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሸቶታት ከተውጽእ ትኽእል ኢኻ፦ ‘ብዛዕባ ኣምላኽ ዝያዳ ኽምሃር እደሊ እየ።’ ‘ዝሓሸ ሰብ፡ ዝሓሸ ብዓል ቤት ወይ ዝሓሸት ብዓልቲ ቤት ክኸውን እደሊ እየ።’ ድሕርዚ፡ ነዚ ሸቶታት ክትወቅዕ ዚሕግዘካ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ምረጽ።a

እዚ ሓሙሽተ ርእይቶታት እዚ፡ ንባብ ክትጅምር ኪሕግዘካ እዩ። ንንባብካ ብዝያዳ ሰሓቢ ኽትገብሮ እትኽእል ግና ብኸመይ ኢኻ፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ እተወሰነ ርእይቶታት ተቕርብ እያ።

a ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ኣየናይ ክፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ብዝበለጸ ኺሕግዘካ ኸም ዚኽእል እንተ ዘይፈሊጥካ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተሓጒሶም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም።

ካብ ንባብካ ብዝያዳ ተጠቐም

  • ግዜ ውሰድ፣ ኣይትተሃወኽ

  • ነቲ እተንብቦ ብኣእምሮኻ ስኣሎ፣ ንርእስኻ ኣብኡ ኣእትዋ

  • ጥቕስታት ምስቲ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ሓሳባት ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ክትርዳእ ጽዓር

  • ካብ ንባብካ ኽትረኽቦ እትኽእል ትምህርቲ ድለ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ