ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp17 ቍ. 4 ገጽ 8-10
  • ሰብካ ብዘይምሕር ሕማም ምስ ዚጥቃዕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሰብካ ብዘይምሕር ሕማም ምስ ዚጥቃዕ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዘመናዊ መዋጥር
  • ኣቐዲምካ መድብ
  • ብኸመይ ከም እትሕግዝ
  • ንኽውንነት ተቐበሎ
  • ብሉጽ ኣላዪ ሕሙማት
  • ነቶም ዘይምሕር ሕማም ዘለዎም ምጽንናዖም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ንሰብካ ኽትኣሊ ኸለኻ፡ ሓጐስካ ዓቅብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኣረጋውያን ተኸናኸኖም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
wp17 ቍ. 4 ገጽ 8-10
ሰብ ሓዳር ምስ ሓንቲ ብዘይምሕር ሕማም እተጠቕዐት ሰቦም ብዛዕባ ሕክምና ይመያየጡ

ኣቐዲምካ ብግልጺ ምዝርራብ ኣገዳሲ እዩ

ሰብካ ብዘይምሕር ሕማም ምስ ዚጥቃዕ

ዶሪን፡ እቲ ወዲ 54 ዓመት ብዓል ቤታ ወስሊ፡ ኣብ ሓንጐሉ ብቕልጡፍ ዚዓቢ ጥረ ኸም ዘለዎ ምስ ተፈልጠ፡ ኣዝያ እያ ሰንቢዳ።a ሓካይም ሒደት ኣዋርሕ ጥራይ ብህይወት ከም ዚጸንሕ እዮም ነጊሮምዎ። ዶሪን፡ “እዝነይ ክኣምን ኣይከኣልኩን። ንሰሙናት ዚኣክል ደንዚዘ እየ ነይረ። ንኻልእ ሰብ ደኣ እምበር፡ ንዓና ዜጋጥመና ዘሎ ዀይኑ ኣይተሰምዓንን። ድልውቲ ኣይነበርኩን” ብምባል ተዘክሮኣ ትገልጽ።

እቲ ንዶሪን እተሰምዓ ነገር፡ ንብዙሓት እውን የጋጥሞም እዩ። ዘይምሕር ሕማም ንዝዀነ ሰብ ኣብ ዝዀነ ግዜ ኼጥቅዖ ይኽእል እዩ። እቲ ዜሐጕስ ግና፡ ብዙሓት ሰባት ብዘይምሕር ሕማም ንእተጠቕዐ ሰቦም ኪከናኸንዎ ፍቓደኛታት እዮም። ይኹን እምበር፡ ንሕሙም ምክንኻን ኣመና ኸቢድ እዩ። ኣባላት ስድራ ቤት ብዘይምሕር ሕማም ንእተጠቕዐ ሰቦም ንምጽንናዕን ንምክንኻንን እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ እቶም ንሰቦም ዚከናኸኑ ነቲ ዚስምዖም እተፈላለየ ስምዒታት ኪዋጽኡሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ሞት እቲ ሕሙም ኪቐርብ ከሎኸ እንታይ ኪጽበዩ ይኽእሉ፧ ፈለማ ግና፡ ብዘይምሕር ሕማም ንእተጠቕዐ ሰብ ምክንኻን፡ ሎሚ ፍሉይ ብድሆ ዀይኑ ዘሎ ስለምንታይ ምዃኑ እስከ ንመርምር።

ዘመናዊ መዋጥር

ሕክምናዊ ስነ ፍልጠት ኣብ ኣገባብ ኣማውታ ብዙሕ ለውጢ ኣምጺኡ እዩ። ቅድሚ ሓደ ዘመን ኣቢሉ፡ ኣብተን ዝማዕበላ ሃገራት እውን ከይተረፈ ገምጋም ዕምሪ ሰባት ካብ ሕጂ ብዙሕ ይሓጽር ነይሩ። ሰባት ብሰንኪ ተላባዒ ሕማም ወይ ሓደጋ ቐልጢፎም ይሞቱ ነይሮም። ሆስፒታል ኪኣትዉ ዝነበሮም ኣጋጣሚ ድሩት እዩ ነይሩ። መብዛሕትኦም ሰባት ብስድራ ቤቶም ይእለዩን ኣብ ቤቶም ይሞቱን ነይሮም።

ሎሚ፡ ኣብ ዓውዲ ሕክምና ምዕባለታት ስለ እተገብረ፡ ሓካይም ዕድመ ንምንዋሕ ኢሎም ምስ ሕማማት ኣበርቲዖም ይቃለሱ ኣለዉ። ቀደም ህይወት ሰብ ቀልጢፉ ዜሕጽር ዝነበረ ሕማም፡ ሎሚ ኸይቀተለ ንነዊሕ ዓመታት ኪጸንሕ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ህይወት ተናዊሑ ማለት፡ እቲ ሰብ ሓውዩ ማለት ኣይኰነን። ሕሙማት መብዛሕትኡ ግዜ ገዛእ ርእሶም ኪከናኸኑ ኸም ዘይክእሉ ዚገብሮም ከቢድ ጸገማት ኣለዎም። ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ምክንኻን ኣዝዩ እተሓላለኸን ዓቕምኻ ዚጽንቅቕን ኰይኑ ኣሎ።

ከም ውጽኢቱ፡ ብዙሓት ሰባት ኣብ ቤት ዘይኰነስ፡ ኣብ ሆስፒታል እዮም ዚሞቱ ዘለዉ። ሎሚ ዘለዉ መብዛሕትኦም ሰባት ብዛዕባ ኣማውታ ኣይፈልጡን እዮም፣ ሰብ ኪመውት ከሎ እውን ብዓይኖም ርእዮም ኣይፈልጡን እዮም። እምበኣር፡ እቲ ሓደ ሰብ ንዘይፈልጦ ነገር ዘለዎ ፍርሂ፡ ንዝሓመመ ኣባል ስድራ ቤቱ ኺከናኸን ንዚገብሮ ጻዕርታት ኪዓናቕፎ ወይ ኬልምሶ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ፡ እንታይ ኪሕግዞ ይኽእል፧

ኣቐዲምካ መድብ

ኣብ ኣብነት ዶሪን ከም እተራእየ፡ ብዙሓት ሰባት ሰቦም ብዘይምሕር ሕማም ከም እተጠቕዐ ምስ ፈለጡ፡ ሕርር ኵምትር እዮም ዚብሉ። ከቢድ ጭንቀትን ፍርህን ጓህን እናተሰምዓካ ኽነሱ፡ ንመጻኢ ምእንቲ ኽትዳሎ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ ሓደ እሙን ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ “ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኸነጥርስ፡ መዓልትታትና ኸመይ ከም እንቘጽር ምሃረና” ኢሉ ጸልዩ ነይሩ እዩ። (መዝሙር 90:12) እወ፡ ነተን ተሪፈን ዘለዋ ምስ ሰብካ እተሕልፈን መዓልትታት ኣጸቢቕካ ምእንቲ ኽትጥቀመለን፡ ከመይ ጌርካ መዓልትታትካ ብጥበብ ከም እትቘጽር ኬርእየካ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ልባዊ ጸሎት ኣቕርብ።

ከምኡ ንምግባር፡ ጽቡቕ መደብ ከተውጽእ ኣሎካ። ሰብካ ገና ኺዛረብ ዚኽእልን ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኪመያየጥ ፍቓደኛን እንተ ዀይኑ፡ ኣብቲ ኺውስን ዘይክእለሉ እዋን ኣብ ክንዳኡ ዀይኑ ኺውስነሉ ዘለዎ መን ምዃኑ ምሕታቱ ጥበባዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሃለዋቱ ኣብ ዜጥፍኣሉ ግዜ ብሓገዝ ሓካይም ናብ ውነኡ ኺመለስ፡ ኣብ ሆስፒታል ኪድቅስ፡ ወይ እተወሰነ ሕክምና ኪቕበል ዚደሊ እንተ ዀይኑ ብግልጺ ምዝርራብ፡ እቶም ኣብ ክንዲ እቲ ኺውስን ዓቕሚ ዘይብሉ ሕሙም ኰይኖም ኪውስኑ ዚግደዱ ኣባላት ስድራ ቤት ኬጋጥሞም ንዚኽእል ዘይምርድዳእን ጣዕሳን ኪንክዮ ይኽእል እዩ። ኣቐዲምካ ብግልጺ ምዝርራብ፡ እታ ስድራ ቤት ነቲ ሕሙም ኣብ ምክንኻን ጥራይ ከተተኵር ይሕግዛ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምኽሪ ኣብ ዘይብሉ፡ ውጥናት ይፈሽል” ይብል።—ምሳሌ 15:22።

ብኸመይ ከም እትሕግዝ

ቀንዲ ሓላፍነት እቲ ንሕሙም ዚከናኸን ሰብ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምጽንናዕ ምሃብ እዩ። ሓደ ኣብ ኣፍ ሞት ዘሎ ሰብ፡ ከም ዚፍቀርን በይኑ ኸም ዘይኰነን ኪፈልጥ የድልዮ እዩ። እዚ ብኸመይ ኪግበር ይከኣል፧ ሃናጽን ንሱ ዚፈትዎን ጽሑፋት ኰነ መዝሙራት መሪጽካ፡ ኣንብበሉ ወይ ዘምረሉ። ብዙሓት ሰባት፡ ኣባል ስድራ ቤቶም ኢዶም ሒዙ ብልኡም ቃል ኪዛረቦም ከሎ ይጸናንዑ እዮም።

መንነት እቶም ኪበጽሑ ዚመጹ ሰባት ምሕባር እውን ሓጋዚ እዩ። ሓደ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፦ “ካብቶም ሓሙሽተ ህዋሳት፡ መወዳእታ ዚጠፍእ እቲ ናይ ምስማዕ ክእለት እዩ። ስለዚ፡ [ሕሙማት] ደቂሶም ዘለዉ እኳ እንተ መሰሉ፡ እቲ ናይ ምስማዕ ክእለቶም ገና ጽቡቕ ኪህሉ ስለ ዚኽእል፡ ንቑሓት ከለዉ ዘይትብሎ ነገራት ኣብ ቅድሚኦም ኣይትበሎ።”

ዚከኣል እንተ ዀይኑ ብሓባር ጸልዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ሃዋርያ ጳውሎስን ብጾቱን ህይወቶም ክሳዕ ዚቐብጹ እምብዛ ኸቢድዎም ከም ዝነበረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ። እንታይ ሓገዝ እዮም እሞ ዚደልዩ ነይሮም፧ ጳውሎስ ንፈተውቱ፡ “ንስኻትኩም እውን ብምህለላኹም ክትድግፉና ትኽእሉ ኢኹም” ኢሉ ተማሕጺንዎም እዩ። (2 ቈረንቶስ 1:8-11) ከቢድ ውጥረት ወይ ሕማም ኬጋጥም ከሎ ልባዊ ጸሎት ምቕራብ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ።

ንኽውንነት ተቐበሎ

ሰብካ ኣብ ኣፍ ሞት ከም ዘሎ ምፍላጥ፡ ብሓቂ ዜጨንቕ እዩ። ሞት ዘይባህርያዊ ምዃኑ እምበኣር ኣየገርምን እዩ። ንሞት ከም መናብርትና ጌርና ኽንቅበሎ ኣይተፈጠርናን። (ሮሜ 5:12) በዚ ኸኣ እዩ ቓል ኣምላኽ ንሞት “ጸላኢ” ኢሉ ዚጽውዖ። (1 ቈረንቶስ 15:26) ስለዚ፡ ብዛዕባ ሞት ሰብካ ኽትሓስብ ዘይምድላይ ርዱእን ንቡርን እዩ።

ኰይኑ ግና፡ እንታይ ኬጋጥም ከም ዚኽእል ምጽባይካ፡ ነቶም ኣባላት ስድራ ቤት ፍርሆም ንምንካይን ብእተኻእለ መጠን ኵሉ ነገር ነቲ ሕሙም ዚምሽእ ኣብ ምግባር ንምትኳርን ኪሕግዞም ይኽእል እዩ። ገለ ኻብቲ ኼጋጥም ዚኽእል ነገራት፡ ኣብታ “ናይ መወዳእታ ሰሙናት” ዘርእስታ ሳጹን ተዘርዚሩ ኣሎ። ልክዕ እዩ፡ ኵሉ እዚ ዅነታት እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕሙም ይርአ ወይ በቲ ተዘርዚሩሉ ዘሎ መስርዕ የጋጥም ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ንመብዛሕትኦም ሕሙማት እንተ ወሓደ እተወሰነ ኻብዚ ለውጥታት እዚ የጋጥሞም እዩ።

ሰብካ ምስ ዚሞተካ፡ ኪሕግዘካ ፍቓደኛ ንዝዀነ ናይ ቀረባ ፈታዊኻ እንተ ሓበርካዮ ጽቡቕ እዩ። እቶም ነቲ ሕሙም ዚከናኸኑ ዝነበሩ ሰባትን ቤተ ሰብን፡ መከራ እቲ ዜፍቅርዎ ሰብ ከም ዘብቅዐን ደጊም ይሳቐ ኸም ዘየሎን ኪፈልጡ የድልዮም እዩ። ፈጣሪ ደቂ ሰብ፡ “ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም” ብምባል ፍቕራዊ መረጋገጺ ሂቡና እዩ።—መክብብ 9:5።

ብሉጽ ኣላዪ ሕሙማት

ሓንቲ ሰበይቲ ብዘይምሕር ሕማም ንእተጠቕዐት ሰበይቲ ኣብ ሆስፒታል ትበጽሓ

ሓገዝ ዝዀነ ይኹን ሰብ ምቕባል ከይንኣቢ ኽንምሃር ንኽእል ኢና

ሰብካ ብዘይምሕር ሕማም ኣብ እተጠቕዓሉ እዋን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ድሕሪ ሞት ዚስዕብ ሓዘን እውን ኣብ ኣምላኽ ምውካል ኣገዳሲ እዩ። ሰባት ብዚዛረብዎን ብዚገብርዎን ኣቢሉ ኺድግፈካ ይኽእል እዩ። ዶሪን፡ “ሓገዝ ዝዀነ ይኹን ሰብ ምቕባል ከይኣቢ ተማሂረ እየ። ከም ሓቂ፡ ዝረኸብናዮ ሓገዝ ብዙሕ ብምንባሩ ደንጽዩና እዩ። ኣነን ብዓል ቤተይን፡ የሆዋ በቲ ሓገዝ ኣቢሉ ‘ንጸገምኩም ክትዋጽኡሉ ምእንቲ ኽሕግዘኩም፡ ኣነ ምሳኻትኩም እየ’ ይብለና ኸም ዝነበረ ኣይተጠራጠርናን። ነዚ ፈጺመ ኣይክርስዖን እየ” ትብል።

እወ፡ የሆዋ ብሉጽ ኣላዪ ሕሙማት እዩ። ከም ፈጣሪና መጠን ንቓንዛናን ንጓሂናን ይርድኦ እዩ። ነዚ ኽንዋጽኣሉ ምእንቲ ኽንክእል፡ ዜድልየና ሓገዝን ምትብባዕን ኪህበና ይደሊ እዩ፣ ኪህበና ኸኣ ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ ድማ፡ ድሕሪ ቐረባ ግዜ ንሞት ሓንሳእን ንሓዋሩን ከም ዜጥፍኦ፡ ኣብ ዝኽሩ ንዘለዉ ቢልዮናት ሰባት ድማ ከም ዜተንስኦም ኣተስፍዩ እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29፣ ራእይ 21:3, 4) ሽዑ፡ ኵሎም ሰባት ነቲ፡ “ኣታ ሞት፡ ዓወትካ ኣበይ ኣሎ፧ ኣታ ሞት፡ መንደፍካ ኣበይ ኣሎ፧” ዚብል ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ ኬቃልሕዎ ይኽእሉ እዮም።—1 ቈረንቶስ 15:55።

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

ቀቅድሚ ሞት ዘለዋ ሰሙናት

ሓደ ሕሙም ኣብተን ቀቅድሚ ሞቱ ዘለዋ ሰሙናት ንገሊኡ ወይ ንዅሉ እዚ ዚስዕብ ምልክታት የርኢ እዩ፦

  • ክትበልዕ ወይ ክትሰቲ ዘይምድላይ። ነቲ ሕሙም ኣብ ኣፉን ከንፈሩን መለስለሲ ምልካይ፡ ኣብ ግንባሩ ኸኣ ጥሉል ጨርቂ ምግባር ጽቡቕ ከም ዚስምዖ ኺገብር ይኽእል እዩ።

  • በይንኻ ወይ ምስ ኣዝዮም ሒደት ሰባት ክትከውን ምድላይ። ነቲ ኸባቢ ጸጥታ ዝሰፈኖን ህዱእን ግበሮ።

  • ዝያዳ ግዜ ምድቃስ።

  • ምዕልባጥ። እቲ ሰብ ኬዕለብጥ ከሎ ምንቅስቓሳቱ ደው ከተብሎ ኣብ ክንዲ እትፍትን፡ ብህድኣትን ብዜጸናንዕ ቃላትን ተዛረቦ።

  • ምድንጋር። ስምካ ንገሮ፣ እቲ ሰብ እተደናገረ እኳ እንተ መሰለ ብኣኽብሮት ስምዓዮ።

  • ሽንትን ቀልቀልን ዘይምቍጽጻር። ብእተኻእለ መጠን ነቲ ሕሙምን ንዓራቱን ብጽሬት ሓዞ።

  • ናይ ኣተነፋፍሳ ለውጢ። ኬተንፍስ ከሎ ዜስምዖ ናይ ቃንዛ ድምጺ፡ ኣየር ብእተዛነየ ኣውታር ድምጺ ይሓልፍ ስለ ዘሎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

  • ምዕባስ። መተርኣስ ተጠቒምካ ንርእሲ እቲ ሕሙም ኣበርኽ ምባል፡ ከይዕበስ ኪሕግዞ ይኽእል እዩ።

  • ምቕያር ሕብሪ ቘርበት። መብዛሕትኡ እዋን ሰብነት እቲ ሕሙም ንቐንዲ ኣካላት ንምድጋፍ፡ ነቲ ደም ናብኡ ስለ ዚሰድዶ ዜጋጥም እዩ።

ምንጪ፦ ዘ ሜትሮፖሊታን ሆስፒስ ኦቭ ግሬተር ኒው ዮርክ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ