ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w25 ሕዳር ገጽ 10-15
  • ንሰብካ ኽትኣሊ ኸለኻ፡ ሓጐስካ ዓቅብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሰብካ ኽትኣሊ ኸለኻ፡ ሓጐስካ ዓቅብ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንሰብካ ምእላይ ንሓጐስካ ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧
  • ብኸመይ ሓጐስካ ትዕቅብ፧
  • ካልኦት ብኸመይ ኪሕግዙ ይኽእሉ፧
  • ብግዜ እርጋን ሓጐስካ ዓቅብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • የሆዋ ‘ብሉጽ ሓጐስና’ እዩ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2025-2026—ምስ ሓላው ወረዳ
  • ንኣረጋውያን ተኸናኸኖም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
w25 ሕዳር ገጽ 10-15

ዓንቀጽ መጽናዕቲ 45

መዝሙር 111 መሐጐሲና

ንሰብካ ኽትኣሊ ኸለኻ፡ ሓጐስካ ዓቅብ

“እቶም ብንብዓት ዚዘርኡ፡ ብእልልታ ኺዓጽዱ እዮም።”—መዝ. 126:5።

ኣትኵሮ

እቶም ንሰቦም ዚኣልዩ ዘበሉ ነቲ ዜጋጥሞም ፍሉይ ጸገማት ተጻዊሮም ብኸመይ ሓጐሶም ከም ዚዕቅቡ።

1-2. የሆዋ ብዛዕባ ኣለይቲ ኸመይ ይስምዖ፧ (ምሳሌ 19:17) (ስእልታት እውን ርአ።)

ጂንዮል ዝስሙ ኣብ ኮሪያ ዚነብር ሓው ከምዚ ይብል፦ “ኣነን ሰበይተይን ካብ እንምርዖ ልዕሊ 32 ዓመት ጌርና ኣለና። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመት ግና ኣነ እየ ንሰበይተይ ዝኣልያ ዘለኹ። ሕማም ፓርኪንሰን ዚብሃል ስለ ዘለዋ፡ ክትንቀሳቐስ ኣይትኽእልን እያ። ንሰበይተይ ኣዝየ እየ ዝፈትዋ፡ ንዓኣ ምክንኻን እውን የሐጕሰኒ እዩ። ምሸት ምሸት፡ ኣብ ገዛና ኣብ ፍሉይ ዓራት እያ እትድቅስ። ኣነ እውን ኢዳ ሒዘ ኣብ ጥቓኣ እየ ዝድቅስ።”

2 ንወላዲኻ፡ ንመጻምድትኻ፡ ንውላድካ፡ ወይ ንፈታዊኻ ትኣሊዶ ኣለኻ፧ ከምኡ ትገብር እንተ ኣሊኻ፡ እዚ ብብሕቲ እትገብሮ ኽንክን ዜምጽኦ ፍሉይ ሓጐስ ከም እትረክብ ዜጠራጥር ኣይኰነን። በቲ ንሰብካ እትገብረሉ ኽንክን ኣቢልካ ኸኣ፡ ንየሆዋ ዘሎካ ተወፋይነት ኢኻ እተርኢ። (1 ጢሞ. 5:4, 8፣ ያእ. 1:27) ኰይኑ ግና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰብ ዘይርእዮ ጸገማት ጾይርካ ኢኻ እትነብር። አረ ሓድሓደ ግዜስ፡ ንበይንኻ መከራ ጾይርካ ኸም እትነብር ኰይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ኣብ ደገ ፍሽኽ ትብል ትኸውን፡ በይንኻ ኽትከውን ከለኻ ግና ንብዓት ይስዕረካ ይኸውን። (መዝ. 6:6) ካልኦት ንጸገማትካ ኣይርድኡልካን ይዀኑ፣ የሆዋ ግና ኵሉ ሳዕ ይርድኣልካ እዩ። (ምስ ዘጸኣት 3:7 ኣረኣኢ።) ንብዓትካን መስዋእትኻን ኣብ ቅድሚኡ ኽቡር እዩ። (መዝ. 56:8፣ 126:5) ንሰብካ ንምሕጋዝ እትገብሮ ዘበለ ዅሉ የስተብህለሉ እዩ። ንዕኡ ኸም ዘለቃሕካዮ ገይሩ እዩ ዚርእዮ፣ ስለዚ ዓስብኻ ኸም ዚፈድየካ ቓል ኣትዩልካ ኣሎ።—ምሳሌ 19:17 ኣንብብ።

ስእልታት፦ እተፈላለየ ዅነታት ዘለዎም ኣለይቲ። 1. ሓንቲ ሓብቲ ንሓንቲ ዓዲ ውዒል ዝዀነት ኣዲኣ ትምግባ። 2. ሓንቲ ሓብቲ ብብሽክለታ ስንኩላን ንዚንቀሳቐስ ብዓል ቤታ ሳእኑ ኺወዲ ትሕግዞ። 3. ሓንቲ ኣደ ፍሉይ ክንክን ንዜድልዮ ወዳ ምስ ኣቦኡ ዅዕሶ እግሪ ቕድሚ ምጽዋቱ ኣብ ርእሱ ዚግበር መከላኸሊ ትገብረሉ። 4. ሓደ ሓው ንሓደ ብዕድመ ዝደፍአ ሓው ይበጽሖ፡ ምስኡ እውን ይጽሊ።

ንሰብካ ትኣሊ ዘለኻ ዲኻ፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ)


3. ኣብርሃምን ሳራን ንታራ ኣብ ዚከናኸኑሉ ዝነበሩ እዋን እንታይ ጸገማት እዮም ኣሕሊፎም ኪዀኑ ዚኽእሉ፧

3 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሰቦም ይኣልዩ ብዛዕባ ዝነበሩ ብዙሓት ሰብኡትን ኣንስትን ዚገልጽ ዛንታታት ኣሎ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኣብርሃምን ሳራን ክንርኢ ንኽእል ኢና። ካብ ኡር ኣብ ዝወጹሉ እዋን፡ ኣቦኦም ታራ ኣስታት 200 ዓመት ዝዕድሚኡ ነበረ። ኰይኑ ግና፡ ኣብቲ ዕድመ እቲ ምሳታቶም ከደ። ናብ ካራን ክሳዕ ዚበጽሑ ድማ፡ ኣስታት 960 ኪሎ ሜተር (600 ማይል) ተጓዕዙ። (ዘፍ. 11:31, 32) ኣብርሃምን ሳራን መሸም ንታራ ይፈትውዎ ነይሮም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ምናዳ ኣብቲ ጕዕዞ ንዕኡ ምክንኻን ከቢድ ከም ዝነበረ ኽንግምቶ ንኽእል ኢና። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ብኣግማል ወይ ብኣእዱግ እዮም ዚጕዓዙ ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ። እዚ ድማ ነቲ ብዕድመ ደፊኡ ዝነበረ ታራ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ስለዚ፡ ኣብርሃምን ሳራን ኣመና ይደኽሙ፡ ምናልባት እውን ሓይሎም ይጽንቀቕ ነይሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ዝዀነ ዀይኑ፡ የሆዋ ዜድልዮም ዘበለ ብርታዐ ሂብዎም እዩ። እምበኣር፡ ከምቲ የሆዋ ንኣብርሃምን ንሳራን ዝደገፎም፡ ንዓኻ እውን ኪድግፈካን ኬበርትዓካን እዩ።—መዝ. 55:22።

4. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧

4 ሓጐስ እንተ ኣልዩካ፡ ነቲ ንሰብካ ምእላይ ዜምጽኦ ጸቕጢ ኼፍኵሰልካ ይኽእል እዩ። (ምሳ. 15:13) ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ኵነታት ሕጉስ ክትከውን ከም እትኽእል ኣይትረስዕ። (ያእ. 1:2, 3) እሞ ደኣ ኸመይ ጌርካ ኢኻ ኸምዚ ዓይነት ሓጐስ ከተማዕብል እትኽእል፧ ሓደ መገዲ ብጸሎት ኣብ የሆዋ ብምውካልን ኣወንታዊ ንምዃን ካብኡ ሓገዝ ብምልማንን እዩ። ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣለይቲ ሓጐሶም ንምዕቃብ ኪገብርዎ ብዛዕባ ዚኽእሉ ተወሳኺ ነጥብታት ክንመያየጥ ኢና። ካልኦት ብኸመይ ኪሕግዝዎም ከም ዚኽእሉ እውን ክንርኢ ኢና። ፈለማ፡ ኣለይቲ ስለምንታይ ሓጐሶም ኪዕቅቡ ኸም ዜድልዮምን እንታይ ጸገማት ሓጐሶም ከም ዜስእኖምን ክንመያየጥ ኢና።

ንሰብካ ምእላይ ንሓጐስካ ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧

5. ኣለይቲ ሓጐሶም ኪዕቅቡ ዘለዎም ስለምንታይ እዩ፧

5 ኣለይቲ ሓጐሶም እንተ ስኢኖም፡ ብቐሊሉ ኺሕለሉ ይኽእሉ እዮም። (ምሳ. 24:10) እንተ ተሓሊሎም ድማ፡ ለውሃቶም ወይ ሕያውነቶም ኪንኪ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ እንታይ ጸገማት እዩ ሓጐሶም ኬስእኖም ዚኽእል፧

6. ገሊኦም ኣለይቲ ሓይሎም ዚጽንቀቕ ስለምንታይ እዩ፧

6 ኣለይቲ ሓይሎም ኪጽንቀቕ ይኽእል እዩ። ሊያ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ዋላ እውን ኣብቲ ጽቡቕ ዝወዓልካሉ መዓልቲ፡ ንሰብካ ኽትኣሊ ኸለኻ ብስምዒታዊ መዳይ ይውድኣካ እዩ። ኣብ መወዳእታ መዓልቲ፡ ሓይለይ ከም እተጸንቀቐ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ሓድሓደ ግዜ፡ ሓይለይ ስለ ዚውዳእ፡ ዋላ እውን ንዝመጸኒ ተክስት ክምልስ ኣይክእልን እየ።” ገሊኦም ከኣ ድቃስ ወይ ዕረፍቲ ዚብሃል የብሎምን። ንኣብነት፡ ሓንቲ ኢነስ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “እኹል ድቃስ ኣይረክብን እየ። ለይቲ ንሓማተይ ንምክንኻን ኣብ ከክልተ ሰዓት እየ ዝትንስእ። ኣነን በዓል ቤተይን ዕረፍቲ ኻብ እንወጽእ ሓያሎ ዓመታት ኰይኑ ኣሎ።” ገሊኦም ኣለይቲ ድማ ምሉእ ግዜኦም ንሰቦም ኣብ ምክንኻን ስለ ዜሕልፍዎ፡ ናብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ኪመጹ ንዚቐርበሎም ዕድመ ወይ ቲኦክራስያዊ ሓላፍነት ኪቕበሉ ኣይከኣሉን። ብሰንኪ እዚ ድማ፡ በቲ ሕማቕ ኵነታት እተኣስሩ ዀይኑ ስለ ዚስምዖም ይጕህዩ እዮም።

7. ገሊኦም ኣለይቲ ምስ ስምዒት በደለኛነት ወይ ምስ ጓሂ ዚቃለሱ ስለምንታይ እዮም፧

7 ኣለይቲ ምስ ስምዒት በደለኛነት ወይ ምስ ጓሂ ኺቃለሱ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ጀሲካ ዝስማ ሓብቲ፡ “ክገብሮ ዝኽእል ነገር ውሱን ምዃኑ የጕህየኒ እዩ። ንርእሰይ ኢለ እተወሰነ ግዜ ኽወስድ ከለኹ፡ በደለኛን ፈታዊት ርእሳን ዝዀንኩ ዀይኑ እዩ ዚስምዓኒ” ትብል። ገሊኦም ኣለይቲ በቲ ዅነታቶም ስለ ዚማረሩ፡ ስምዒት በደለኛነት ኣለዎም። ገሊኦም ድማ ንሰቦም ንምድጋፍ እኹል ይገብሩ ኸም ዘየለዉ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ገሊኦም ከኣ ኣብ ሓደ ህሞት ተበሳጭዮም ከለዉ ንሰቦም ዚሃሲ ዘረባ ስለ እተዛረቡ፡ በዚ ይጠዓሱ እዮም። (ያእ. 3:2) ገሊኦም ንሰቦም ምስ ምሉእ ሓይሎምን ጥዕናኦምን ስለ ዚዝክርዎም፡ በዚ ይሓዝኑ እዮም። ባርባራ ዝስማ ሓብቲ፡ “ሓደ ኻብቲ ልዕሊ ዅሉ ዚኸብደኒ ነገር፡ እታ ዝፈትዋ ሰበይ መዓልቲ መዓልቲ በብቝሩብ እናማህመነት ክትከይድ ከላ ምርኣየይ እዩ” ትብል።

8. ሓደ ኣላዪ ብሒደት ቃላት ምስጋና ብኸመይ ኪጽሎ ኸም ዚኽእል ዜርኢ ተመክሮ ኣዘንቱ።

8 ገሊኦም ኣለይቲ ምስጋና ኸም ዘይረኽቡ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ስለቲ ጻዕሮም ወይ መስዋእቶም ሳሕቲ እዮም ምስጋና ወይ ናእዳ ዚረኽቡ። ሒደት ቃላት ምስጋና ኣዝዩ ዜተባብዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ተሰ. 5:18) መሊሳ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ሓድሓደ ግዜ፡ ብብስጭት እነብዕ እየ። እቶም ዚኣልዮም ሰባት፡ ‘ስለቲ ዅሉ ዝገበርክለይ አመስግነኪ’ ኺብሉኒ ኸለዉ ግና፡ መንፈሰይ ይለዓዓል እዩ። እቲ ዘረባኦም ከኣ ንዓታቶም ንምክንኻን ንጽብሒቱ ተዳልየን ተሃንጥየን ክትንስእ የለዓዕለኒ እዩ።” ኣማዱ ዝስሙ ሓው እውን፡ ምስጋና እንታይ ጽልዋ ኸም ዘሕደረሉ ገሊጹ ኣሎ። ንሱን ሰበይቱን ምሳታቶም ንእትነብር ሕማም ምንፍርፋር ዘለዋ ጓል ሓብታ ንሰበይቱ ይከናኸንዋ እዮም። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኸኣ፡ ንሱ ኸምዚ ይብል፦ “ንዓኣ ንምክንኻን እንኸፍሎ መስዋእቲ ምሉእ ብምሉእ ክትርድኦ ዘይትኽእል እኳ እንተ ዀነት፡ ምስጋናኣ ኽትገልጽ ከላ፡ ወይ ‘እፈትወኩም እየ’ ኢላ ኽትጽሕፈልና ኸላ፡ ልብና ብሓጐስ እዩ ዚጅርብብ።”

ብኸመይ ሓጐስካ ትዕቅብ፧

9. ሓደ ኣላዪ ዓቕሙ ኺፈልጥ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

9 ዓቕምኻ ፍለጥ። (ምሳ. 11:2) ኵላትና ውሱን ግዜን ጕልበትን እዩ ዘሎና። ስለዚ፡ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ከም ዘይትኽእልን ክትፈልጥ ኣሎካ። ሓድሓደ ግዜ ድማ፡ “ኣይክእልን እየ” ኽትብል ኣሎካ። እዚ ኸኣ ጌጋ ኣይኰነን። የግዳስ፡ ትሑት ምዃንካ፡ ዓቕምኻ እውን ከም እትፈልጥ እዩ ዜርኢ። ካልኦት ኪሕግዙኻ ዚደልዩ እንተ ዀይኖም፡ ተሓጒስካ ሓገዞም ተቐበል። ጀይ ዝስሙ ሓው፡ “ኣብ ሓደ እዋን ክንገብሮ እንኽእል ነገር ውሱን እዩ። ዓቕምኻ ምፍላጥን ልዕሊ ዓቕምኻ ኽትገብር ዘይምጽዓርን ከኣ ሓጐስካ ኽትዕቅብ ይሕግዘካ እዩ” ይብል።

10. ኣለይቲ ብምስትውዓል ኪመላለሱ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ምሳሌ 19:11)

10 ኣስተውዓሊ ኹን። (ምሳሌ 19:11 ኣንብብ።) ኣስተውዓሊ እንተ ዄንካ፡ ዜቘጥዕ ነገር ኬጋጥመካ ኸሎ ብህድኣት ክትሰግሮ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ሰብ ኣስተውዓሊ እንተ ዀይኑ፡ ንሰባት ኪርድኣሎም እዩ ዚጽዕር። ሕዱር ሕማም ዘለዎ ሰብ ድማ፡ ብሰንኪ እቲ ሕማም ጠባዩ ኪቐጥን ይኽእል እዩ። (መክ. 7:7) ንኣብነት፡ ሓደ ለዋህን ሓላይን ዝነበረ ሰብ፡ ተቛያቚ ወይ ነግራም ኪኸውን ይኽእል እዩ። መማረሪ፡ ነቓፊ፡ ወይ መንጸርጸሪ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከቢድ ሕማም ንዘለዎ ሰብ ትሕግዞ እንተ ኣሊኻ፡ ብዛዕባ እቲ ሕማም ምፍላጥ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እቲ ሕማም ብዝያዳ ብዝፈለጥካ መጠን፡ እቲ ጠባዩ ኽፍሊ ስብእናኡ ስለ ዝዀነ ዘይኰነስ፡ ብሰንኪ ሕማሙ ከም ዝዀነ ኸተስተውዕል ትኽእል ኢኻ።—ምሳ. 14:29።

11. ኣለይቲ መዓልቲ መዓልቲ እንታይ ዚሓይሽ ነገራት ንምግባር እዮም ግዜ ኺምድቡ ዘለዎም፧ (መዝሙር 132:4, 5)

11 ምስ የሆዋ ዘሎካ ዕርክነት ንምድልዳል ግዜ መድብ። ሓድሓደ ግዜ፡ ነቲ “ዚሓይሽ” ዘበለ ኣትኵሮ ምእንቲ ኽትህብ ኢልካ፡ ንገሊኡ ንጥፈታት ክትሓድጎ ትኽእል ኢኻ። (ፊል. 1:10) ሓደ ኻብቲ ዚሓይሽ ተባሂሉ ዘሎ ነገራት ድማ፡ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ምድልዳል እዩ። ንጉስ ዳዊት ነቲ ንየሆዋ ዜቕርቦ ኣምልኾ፡ ቀዳምነት ይህቦ ነይሩ እዩ። (መዝሙር 132:4, 5 ኣንብብ።) ንስኻ እውን ብተመሳሳሊ፡ መዓልቲ መዓልቲ ንንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ንጸሎትን ግዜ ኽትምድብ ኣሎካ። ኤሊሻ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ብጸሎትን ብዛዕባ እቲ ኣብ መዝሙር ዚርከብ ዜጸናንዕ ቃላት ብምስትንታንን ሓጐሰይ ክዕቅብ ክኢለ እየ። ጸሎት ብዙሕ እዩ ሓጊዙኒ። ምእንቲ ኽሃድእ ምሉእ መዓልቲ እየ ናብ የሆዋ ዝጽሊ።”

12. ኣለይቲ ንጥዕናኦም ንምክንኻን ግዜ ኺምድቡ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

12 ንጥዕናኻ ንምክንኻን ግዜ መድብ። ከም ኣለይቲ ዝኣመሰሉ ብስራሕ ትሑዛት ዝዀኑ ሰባት፡ ኣስቤዛ ንምዕዳግን ጽቡቕ ምግቢ ንምድላውን ግዜ ስለ ዘይህልዎም፡ መብዛሕትኡ ግዜ ጽቡቕ ስርዓት ኣመጋግባ የብሎምን። ጽቡቕ ስርዓት ኣመጋግባን ጽቡቕ መደብ ምውስዋስ ኣካላትን ንኣካላዊ ዀነ ንኣእምሮኣዊ ጥዕና ወሳኒ እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ዘሎካ ውሱን ግዜ ንጥዕናኻ ዚጠቅም ምግቢ ብምምጋብን ስሩዕ ምውስዋስ ኣካላት ብምግባርን ጽቡቕ ጌርካ ተጠቐመሉ። (ኤፌ. 5:15, 16) ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ እኹል ድቃስ ክትረክብ ጽዓር። (መክ. 4:6) ኣብ እዋን ድቃስ መርዛም ነገራት ካብ ሓንጐልና ኸም ዚውገድ መጽናዕትታት ይሕብር እዩ። ሓንቲ ናይ ሕክምና ዓንቀጽ ድማ፡ እኹል ድቃስ እንተ ረኺብና ጭንቀትና ኸም ዚንኪ፡ ውጥረት ንምጽዋር ዘሎና ዓቕሚ እውን ከም ዚውስኽ ትገልጽ። ብዘይካዚ፡ ንመዘናግዒ ዚኸውን ግዜ እውን ክትምድብ ኣሎካ። (መክ. 8:15) ንኣብነት፡ ሓንቲ ኣላዪት ሓጐሳ ኽትዕቅብ ዝሓገዛ ነገር እንታይ ምዃኑ ኽትገልጽ ከላ፡ “ጽቡቕ ኵነታት ኣየር ኪህሉ ኸሎ ናብ ግዳም ወጺአ ጸሓይ እጽሎ እየ። እንተ ወሓደ ሓንሳእ ኣብ ወርሒ ድማ፡ ምስ መሓዛይ ኰይነ ባህ ዚብለኒ ነገር እገብር እየ” ትብል።

13. ሰሓቕ ንጥዕናና ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ምሳሌ 17:22)

13 ሰሓቕ ፍቶ። (ምሳሌ 17:22 ኣንብብ፣ መክ. 3:1, 4) ሰሓቕ ንኣካላዊ ዀነ ንኣእምሮኣዊ ጥዕናኻ ጽቡቕ እዩ። ንሰብካ ኽትኣሊ ኸለኻ፡ ብዙሕ ግዜ ዘይሓሰብካዮ ነገር ኪፍጠር ይኽእል እዩ። ነቲ ዜበሳጩ ዅነታት ብሰሓቕ ክትሓልፎ እንተ ኽኢልካ ግና፡ ንምጻሩ ዝቐለለ እዩ ዚዀነልካ። ምስቲ እትከናኸኖ ዘለኻ ሰብ ሓቢርካ ምስሓቕ ከኣ፡ ነቲ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ርክብ የደልድሎ እዩ።

14. ንእትኣምኖ ፈታዊኻ ስምዒትካ ምክፋል ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

14 ንእትኣምኖ ፈታዊኻ ስምዒትካ ኣካፍሎ። ዝጸዓርካ እኳ እንተ ጸዓርካ፡ ሓድሓደ ግዜ ዓቕልኻ ኺጸብበካ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን፡ ስምዒትካ ንዚርድኣልካን ንዘይነቕፈካን ፈታዊኻ ኸተካፍሎ ትኽእል ኢኻ። (ምሳ. 17:17) እታ ሰማዒት እዝኑን እቲ ዜጸናንዕ ቃላቱን ከኣ፡ ሓጐስካ ንምዕቃብ ኪሕግዘካ ይኽእል ይኸውን።—ምሳ. 12:25።

15. ኣብ ተስፋኻ ምትኳር ብኸመይ እዩ ሓጐስ ዜምጽኣልካ፧

15 ነቲ ኣብ ገነት ምስ ሰብካ ብሓባር ዚህልወካ ህይወት ብኣእምሮኻ ስኣሎ። እዚ ኣላዪ ዄንካ እትዓይዮ ዘለኻ ዕዮ ሓላፊ ምዃኑ፡ የሆዋ ንደቂ ሰብ ዝሓለኖ ነገር እውን ከም ዘይነበረ ዘክር። (2 ቈረ. 4:16-18) “ናይ ሓቂ ህይወት” ገና ብሕጂ ኢና ኽንረክብ። (1 ጢሞ. 6:19) ኣብ ገነት ብሓባር እንታይ ከም እትገብሩ ምስ ሰብካ ምዕላል፡ ዓብዪ ሓጐስ ኬምጽኣልካ ይኽእል እዩ። (ኢሳ. 33:24፣ 65:21) ሄዘር ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ነቶም ዝናብዮም ሰባት ብዙሕ ግዜ ብሓባር ኮፍ ኢልና ኸም እንሰፊ፡ ብሓባር ከም እንጐዪ፡ ብሓባር ብሽክለታ ኸም እንዝውር ይነግሮም እየ። ነቶም ካብ ምዉታት ዚትንስኡ ሰብና እንጌራ ኽንስንክተሎም፡ ምግቦም እውን ክንክሽነሎም ኢና። እዚ ተስፋ እዚ ስለ ዝሃበና፡ ብሓባር ኴንና ንየሆዋ ነመስግኖ ኢና።”

ካልኦት ብኸመይ ኪሕግዙ ይኽእሉ፧

16. ኣብ ጉባኤና ንዘሎ ኣላዪ ብኸመይ ኢና ኽንሕግዞ እንኽእል፧ (ስእሊ እውን ርአ።)

16 ኣለይቲ ንርእሶም ዚኸውን ግዜ ኺረኽቡ ሓግዞም። ኣብ ጉባኤ ዘለና ክርስትያናት ነቲ ኽንክን ዜድልዮ ሰብ ብምድጋፍ ክንሕግዝ ንኽእል ኢና። ከምኡ እንተ ጌርናሎም፡ ነቶም ኣለይቲ ሓንሳእ ኣእምሮኦም ኬዕርፍ ኣጋጣሚ ንኸፍተሎም፡ ኣብ ብሕታዊ ጕዳያቶም ኬተኵሩ እውን ግዜ ንህቦም ኢና። (ገላ. 6:2) ገሊኦም ኣስፋሕቲ ነዚ ዕላማ እዚ ኢሎም ሰሙናዊ መደብ ሓንጺጾም እዮም። ንኣብነት፡ ንሓደ ዝለመሰ ሰብኣያ እትከናኸን ናታልያ ዝስማ ሓብቲ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ጉባኤና ዘሎ ሓው ሓንሳእ ወይ ክልተ ሳዕ ኣብ ሰሙን ናብ ገዛና እናመጸ ምስ ሰብኣየይ ግዜ የሕልፍ እዩ። ብሓባር የገልግሉ፡ የዕልሉ፡ ፊልም እውን ይርእዩ እዮም። ነቲ እዋን እቲ፡ ሰብኣየይ ኣዝዩ ይፈትዎ እዩ፣ ንዓይ እውን ብሕታዊ ጕዳያተይ ክገብር ወይ ብእግረይ ክዛወር ዕድል ይህበኒ እዩ።” ኣብ ገሊኡ መዳያት፡ እቲ ኣላዪ ጽቡቕ ደቂሱ ምእንቲ ኺሓድር፡ ምሳታቶም ብምሕዳር ንሰቡ ኽትከናኸነሉ ትኽእል ኢኻ።

ክልተ ኣሓት ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ይበጽሓኣ። ኣላዪታ ድማ ናብ ደገ እናወጸት ቻው ትብለን።

ኣብ ጉባኤኻ ንዘሎ ኣላዪ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧ (ሕጡብ ጽሑፍ 16 ርአ)a


17. ንኣለይቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ብኸመይ ኢና ኽንሕግዞም እንኽእል፧

17 ንኣለይቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ሓግዞም። ኣለይቲ ንሰቦም ኣብ ምክንኻን ስለ ዜተኵሩ፡ ካብ ኣኼባታት ጉባኤን ካብ ኣኼባታት ወረዳን ካብ ኣኼባታት ዞባን ብዙሕ ከይጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ገሊኡ ኣኼባታት ኬብርይዎም ይኽእሉ እዮም። እቲ ኽንክን ዜድልዮ ሰብ ካብ ገዛ ኺወጽእ ዘይክእል እንተ ዀይኑ፡ እቲ ኣላዪ ብኣካል ኣብ ኣኼባ ምእንቲ ኺእከብ፡ ንስኻ ኸተብርዮ እሞ ኣብ ገዛኡ ዄንካ ኣኼባ ኽትከታተል ትኽእል ኢኻ።

18. ንኣለይቲ እንታይ ተወሳኺ ነገራት ኢና ኽንገብረሎም እንኽእል፧

18 ንኣለይቲ ንኣዶም፡ ምእንታኦም እውን ጸሊ። ሽማግለታት ንሰቦም ንዚኣልዩ ዘበሉ ብስሩዕ ኪጓስይዎም ኣለዎም። (ምሳ. 27:23) ኵነታትና እዚ ይኹን እቲ ድማ፡ ኣብ ጉባኤ ዘለና ዅላትና ኣዘውቲርና ጽቡቕ ጌርና ኽንንእዶም ኣሎና። ሓጐሶም ምእንቲ ኺዕቅቡ ኸኣ፡ ካብ የሆዋ ወትሩ ብርታዐን ሓገዝን ኪረኽቡ ኽንጽልየሎም ኣሎና።—2 ቈረ. 1:11።

19. ብሃንቀውታ እንጽበዮ እንታይ ተስፋ እዩ ዘሎና፧

19 ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሆዋ ንብዘሎ እቲ ናይ ሓዘን ንብዓት ካብ ኣዒንቲ ኺደርዝ እዩ። ሕማምን ሞትን ኣይኪህሉን እዩ። (ራእ. 21:3, 4) ሽዑ፡ “ሓንካስ ከም እራብ ኪሰራሰር” እዩ። (ኢሳ. 35:5, 6) ሳዕቤናት እርጋንን ንዝሓመመ ሰብካ ምክንኻን ዜምጽኦ ስቓይን ክፍሊ “እቲ ናይ ቀደም” ስለ ዚኸውን፡ “ኣይኪዝከርን” እዩ። (ኢሳ. 65:17) ሕጂ እቲ ዜደንቕ ተስፋና ኽሳዕ ዚፍጸም እናተጸበና ኸኣ፡ የሆዋ ኸቶ ኣይሓድገናን እዩ። ብርታዐ ንምርካብ ናብኡ ኽሳዕ እተጸጋዕና፡ ንሱ ድማ ‘ብዓቕልን ብሓጐስን ኵሉ ምእንቲ ኽንጻወር’ ይሕግዘና እዩ።—ቈሎ. 1:11።

እንታይ ኢልካ ምመለስካ፧

  • ኣለይቲ ሓጐሶም ኪስእኑ ዚኽእሉ ስለምንታይ እዮም፧

  • ኣለይቲ ሓጐሶም ኪዕቅቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

  • ኣብ ጉባኤኻ ንዘለዉ ኣለይቲ ኽትድግፎም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

መዝሙር 155 ናይ ዘልኣለም ሓጐስ

a መግለጺ ስእሊ፦ ክልተ መንእሰያት ኣሓት ንሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት ሓብቲ ይበጽሓኣ። ኣላዪታ ድማ ብእግራ ኽትዛወር ትወጽእ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ