ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp17 ቍ. 6 ገጽ 12-14
  • ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ዝበዝሐ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ዝበዝሐ ስለምንታይ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሰብዓ ሊቃናት ግሪኽኛ
  • ናይ ላቲን ቩልጌት
  • ሓደስቲ ትርጉማት በዝሐ
  • ስም ኣምላኽ ከምኡውን “ሓድሽ ኪዳን”
    መለኮታዊ ስም
  • “ሰፕቱጀንት” ጥንቲ ዀነ ሕጂ ጠቓሚ ዝዀነ ጽሑፍ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
  • መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድና ዝበጽሓሉ መገድታት ክፍሊ 1
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • እብራይስጥን ግሪኽኛን ክትመሃር የድልየካ ድዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
wp17 ቍ. 6 ገጽ 12-14
ብኢድ እተጻሕፈን እተሓትመን ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ዝወጸን መጽሓፍ ቅዱሳት

ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ዝበዝሐ ስለምንታይ እዩ፧

ሎሚ ብዙሕ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደስቲ ትርጉማት ምውጻኡ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክትርድኦ ኸም ዚሕግዝ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ ወይስ ከም ዚዕንቅፍ፧ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ምፍላጥካ፡ ነቲ ትርጉማት ብጥበባዊ መገዲ ኽትምርምሮ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ፈለማ ግና ነቲ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፎ መን እዩ፧ መዓስከ እዩ ተጻሒፉ፧

ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ክልተ ኽፋል እዩ ዘለዎ። እቲ ናይ መጀመርታ ኽፋል፡ “ቅዱስ ቃል ኣምላኽ” ዝሓዘ 39 መጻሕፍቲ ኣለዎ። (ሮሜ 3:2) ኣምላኽ ንእሙናት ሰብኡት፡ ኣስታት 1,100 ዚኸውን ዓመት ኣብ ዚወስድ ነዊሕ እዋን ነቲ መጻሕፍቲ ኺጽሕፉ ብመንፈሱ ደሪኽዎም እዩ፣ እዚ ኸኣ ካብ 1513 ቅ.ክ. ክሳዕ ከባቢ 443 ቅ.ክ. ማለት እዩ። መብዛሕትኦም እቶም ጸሓፍቲ ብእብራይስጢ ስለ ዝጸሓፉ፡ ነዚ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኢልና ኢና እንጽውዖ፣ ብሉይ ኪዳን ብዚብል እውን ይፍለጥ እዩ።

እቲ ኻልኣይ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ፡ 27 መጻሕፍቲ ዝሓዘ ዀይኑ፡ ንሱ እውን እንተ ዀነ “ቓል ኣምላኽ” እዩ። (1 ተሰሎንቄ 2:13) ኣምላኽ ንእሙናት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ክርስቶስ፡ ነቲ መጻሕፍቲ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፡ ማለት ኣስታት 60 ኣብ ዚኸውን ዓመታት ኪጽሕፍዎ ብመንፈሱ ደሪኽዎም እዩ፣ እዚ ድማ፡ ካብ ከባቢ 41 ድ.ክ. ክሳዕ 98 ድ.ክ. እዩ ነይሩ። እቶም ጸሓፍቲ መብዛሕትኡ እዋን ብግሪኽኛ ይጽሕፉ ስለ ዝነበሩ፡ ነዚ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ ኢልና ኢና እንጽውዖ፣ ሓድሽ ኪዳን ብዚብል እውን ይፍለጥ እዩ።

እቲ ብድምር 66 ዝዀነ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መጻሕፍቲ፡ ነቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝሃቦም መልእኽቲ ዝሓዘ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዜቕውም። ኰይኑ ግና፡ ተወሳኺ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ እተዳለወ ስለምንታይ እዩ፧ ሰለስተ መሰረታዊ ምኽንያት እንሆ፦

  • ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋ ኣዲኦም ንኼንብብዎ።

  • ነቲ ብቐዳሕቲ እተገብረ ጌጋታት ብምውጋድ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ ናይ መጀመርታ ዝነበሮ ንምምላስ።

  • ነቲ ግዜኡ ዘሕለፈ ኣዘራርባ ዝያዳ ዘመናዊ ንምግባር።

እዚ እተጠቕሰ ረቛሒታት፡ ኣብ ክልተ ጥንታዊ ትርጉማት ብኸመይ ጽልዋ ኸም ዝገበረ እስከ ንርአ።

ሰብዓ ሊቃናት ግሪኽኛ

የሱስ ከይተወልደ ኸሎ ኣስታት 300 ዓመት ኣቐዲሙ፡ ኣይሁዳውያን ምሁራት ንቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ናብ ካልእ ቋንቋ፡ ማለት ናብ ግሪኽኛ ኽትርጕምዎ ጀመሩ። እዚ ድማ ሰብዓ ሊቃናት ግሪኽኛ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ጀመረ። እዚ ትርጉም እዚ ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧ ነቶም ኣብቲ እዋን እቲ ዝነበሩ እብራይስጢ ዘይኰነስ ግሪኽኛ ዚዛረቡ ብዙሓት ኣይሁድ ካብ “ቅዱሳት ጽሑፋት” ብዙሕ ከይርሕቁ ንምሕጋዝ እዩ ነይሩ።—2 ጢሞቴዎስ 3:15።

ብዘይካዚ፡ እቲ ሰብዓ ሊቃናት ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ኣይሁድ ዘይኰኑ ተዛረብቲ ግሪኽኛ፡ ብዛዕባ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪፈልጡ ሓጊዝዎም እዩ። ብኸመይ፧ ፕሮፌሰር ዊልበርት ፍራንሲስ ሃዋርድ፡ “ካብ መፋርቕ ቀዳማይ ዘመን ኣትሒዙ፡ እዚ መጽሓፍ እዚ ናይ ቤተ ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ እዩ፣ እዛ ቤተ ክርስትያን እዚኣ ድማ፡ ኣብ መምኵራብ እናኸዱ ‘ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት፡ የሱስ፡ ንሱ ክርስቶስ ምዃኑ ዚገልጹ’ ሚስዮናውያን ነይሮምዋ እዮም” በለ። (ግብሪ ሃዋርያት 17:3, 4፣ 20:20) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ዝዀነ ፍረደሪክ ፋይቪ ብሩስ ከም ዝገለጾ፡ ብዙሓት ኣይሁድ ነዊሕ ከይጸንሑ “ኣብቲ ሰብዓ ሊቃናት ዝነበሮም ተገዳስነት ኪቕህም” ዝኸኣለ በዚ ምኽንያት እዚ እዩ።

ደቀ መዛሙርቲ የሱስ በብቝሩብ ንመጻሕፍቲ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛ እናተቐበሉ ምስ ከዱ፡ ነዚ መጻሕፍቲ እዚ ምስቲ ትርጉም ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝሓዘ ሰብዓ ሊቃናት ብሓባር ኬጠቓልልዎ ጀመሩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ እዚ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኢድና ዚርከብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኪማላእ ከኣለ።

ናይ ላቲን ቩልጌት

መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ኻብ ዚውዳእ ኣስታት 300 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ፡ ጀሮም ዝስሙ ናይ ሃይማኖት ምሁር ንመጽሓፍ ቅዱስ ብላቲን ኣዳለዎ፣ እዚ ድማ ጸኒሑ ናይ ላቲን ቩልጌት ተባህለ። ብዙሕ ትርጉማት ላቲን እናሃለወ ኽነሱ፡ ሓድሽ ትርጉም ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧ ዘ ኢንተርናሽናል ስታንዳርድ ባይብል ኢንሳይክሎፔድያ ኸም ዝገለጾ፡ ጀሮም “ግጉይ ኣተራጕማን ንጹር ጌጋታትን ከምኡ እውን ከይተሓስበ እተወሰኸን ዝጐደለን ነገራት” ኪእርም እዩ ደልዩ።

ጀሮም ብዙሕ ጌጋታት ኣሪሙ እዩ። ድሕሪ ግዜ ግና፡ መራሕቲ ሃይማኖት ዓብዪ ጌጋ ፈጸሙ። ተቐባልነት ዘለዎ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፡ እቲ ናይ ላቲን ቩልጌት ጥራይ ከም ዝዀነ ገለጹ፣ እዚ ድማ ንዘመናት ቀጸለ። ኣማስያኡ ላቲን ዚፈልጡ ሰባት እናወሓዱ ስለ ዝኸዱ፡ እቲ ናይ ላቲን ቩልጌት ነቶም ተራ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኪርድእዎ ኣይሓገዞምን።

ሓደስቲ ትርጉማት በዝሐ

ኰይኑ ግና፡ ካልእ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጻሊ ይዳሎ ነበረ፣ ሓደ ኻብዚ፡ እቲ ኣብ ከባቢ ሓምሻይ ዘመን ድ.ክ. እተዳለወ ናይ ሱርስት ፐሺታ እዩ። ይኹን እምበር፡ ካብ መበል 14 ዘመን ንነጀው ኣብ ዘሎ እዋን፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ተራ ሰባት ብዚርድእዎ ቛንቋ ንምድላው ሓድሽ ጻዕሪ ኺግበር ጀመረ።

ኣብ መወዳእታ መበል 14 ዘመን፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዚነብር ዝነበረ ጆን ዊክሊፍ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ናብቲ በቶም ደቂ ዓዱ ብቐሊሉ ዚርድእዎ እንግሊዝኛ ብምትርጓም፡ ነቲ ብብዝሒ ኣብ ጥቕሚ ዘይውዕል ዝነበረ ላቲን ዘሕደሮ ጽልዋ ኼዳኽሞ ጀመረ። ድሕርዚ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ዮሃንስ ጉተንበርግ ዝመሃዞ ሜላ ሕትመት፡ ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መላእ ኤውሮጳ ብእተፈላለየ ቛንቋታት እተዳለወ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ኪሓትሙን ኪዝርግሑን ሓጊዝዎም እዩ።

ብእንግሊዝኛ እተዳለወ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ እናበዝሐ ምስ ከደ፡ ብሓደ ቛንቋ እተዳለወ ሓያሎ ትርጉማት ምድላው ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ሓያስያን ሕቶ ኼበግሱ ጀመሩ። ኣብ መበል 18 ዘመን ዝነበረ ጆን ሊዊስ ዝስሙ እንግሊዛዊ መራሕ ሃይማኖት፡ “ቋንቋ ይኣርግን ንኽትርድኦ ኣጸጋሚ ይኸውንን እዩ፣ ስለዚ፡ እዋናዊ ኣዘራርባ ዝሓቘፈን እቲ ዘሎ ወለዶ ዚርድኦን ምእንቲ ኪኸውን፡ ነቲ ናይ ቀደም ትርጉማት ምኽላስ ኣገዳሲ እዩ” በለ።

ሎሚ ዘለዉ ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ነቲ ናይ ቀደም ትርጉማት ኪኽልስዎ ይኽእሉ እዮም። ከመይሲ፡ ብዛዕባ ጥንቲ ዝነበረ ቛንቋ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝያዳ ዝነጸረ ምርዳእ ኣለዎም፣ ብዘይካዚ፡ ኣብ ቀረባ እዋን እተረኽበ ኣዝዩ ኽቡርን ጥንታውን ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዎም። እዚ ዅሉ ድማ፡ እቲ በዅሪ ጽሑፍ መጽሓፍ ቅዱስ ብልክዕ እንታይ ከም ዚብል ንምፍላጥ ዚሕግዝ እዩ።

ስለዚ፡ ሓደስቲ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ጠቓሚ እዩ። ሓቂ እዩ፡ ንገሊኡ ትርጉማት ክንጥንቀቐሉ ይግባእ እዩ።a ኰይኑ ግና፡ እቶም ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚኽልስዎ ሰባት ብናይ ሓቂ ፍቕሪ ኣምላኽ ተደሪኾም ሓድሽ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ዜዳልዉ እንተ ዀይኖም፡ እቲ ዕዮኦም ኣዝዩ ኺጠቕመና ይኽእል እዩ።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢንተርነት ወይ ብሞባይልካ ተጠቒምካ ብቛንቋኻ ኸተንብቦ እንተ ደሊኻ፡ ናብ www.pr418.com/ti እቶ። ኣብ ትሕቲ ጽሑፋት > መጽሓፍ ቅዱስ ርአ ወይ ነዚ ኮድ ስካን ግበሮ

a ኣብ ናይ 1 ግንቦት 2008 ሕታም እዛ መጽሔት እዚኣ ዝወጸት “ጽቡቕ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ክትመርጽ ትኽእል፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

እቲ ቕዱስ ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ

መለኮታዊ ስም ኣብ ቍርጽራጽ ኢደ ጽሑፍ እቲ ብግዜ የሱስ ዝነበረ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት

መለኮታዊ ስም ኣብ ቍርጽራጽ ኢደ ጽሑፍ እቲ ብግዜ የሱስ ዝነበረ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ነቲ የሆዋ ዚብል ቅዱስ ስም ኣምላኽ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ኣብ ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛን ኣእትይዎ እዩ። መብዛሕትኡ ዘመናዊ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ግና ከምኡ ኣይገብርን እዩ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ “ጐይታ” ዚብል እዩ ዚጥቀም። ከምቲ ገሊኦም ተርጐምቲ ዝገለጽዎ፡ ከምኡ ዚግበረሉ ሓደ ምኽንያት፡ እቲ በተን ቴትራግራማተን (የሀወሀ) ዚውከል ብሕታዊ ስም ኣምላኽ፡ ኣብቲ ናብ ግሪኽኛ እተተርጐመ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ከም ዘይርከብ ስለ ዚግለጽ እዩ። እዚ ግና ሓቂ ድዩ፧

ኣብ መፋርቕ መበል 20 ዘመን፡ ኣዝዩ ጥንታዊ ቝርጽራጽ እቲ ብግዜ የሱስ ዝነበረ ትርጉም ሰብዓ ሊቃናት ተረኺቡ እዩ። እቲ ቝርጽራጽ ድማ ብፊደላት እብራይስጢ እተጻሕፈ ቕዱስ ስም ኣምላኽ ሒዙ ነበረ። ጸኒሑ ግና፡ ቀዳሕቲ ንመለኮታዊ ስም በታ ኪሪዮስ እትብል “ጐይታ” ዝትርጕማ ናይ ግሪኽኛ ቓል ዝተክእዋ እዩ ዚመስል። ይኹን እምበር፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ንመለኮታዊ ስም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ናብ ግቡእ ቦታኡ መሊስዎ እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ተበሪዙ ድዩ፧

ኣብ ምዉት ባሕሪ እተረኽበ ጥቕላል ኢሳይያስ

ኣብ ምዉት ባሕሪ እተረኽበ፡ 2,000 ዓመት ዝገበረ ጥቕላል ኢሳይያስ። ምስቲ ሎሚ ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝዩ ዚመሳሰል እዩ

ቀዳሕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገለ ጌጋታት ገይሮም እዮም። ኰይኑ ግና፡ እቲ ጌጋታት ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣይበረዞን። “ኣብ ዜካትዕ ጥቕስታት እተመስረተ ሰረተ እምነት ክርስትና የልቦን።”—ኣዋር ባይብል ኤንድ ዘ ኤንሸንት ማኑስክሪፕትስ።

ኣይሁድ ቀዳሕቲ ሒደት ጌጋታት እዮም ገይሮም። “ኣብቲ ናይ ፈለማ ዘመናት ክርስትና ዝነበሩ ኣይሁድ ጸሓፍቲ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጢ ብልዑል ጥንቃቐ እዮም ብተደጋጋሚ ቐዲሖምዎ።”—ሰከንድ ቶውትስ ኦን ዘ ደድ ሲ ስክሮልስ።

ንኣብነት፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ጥቕላላት ምዉት ባሕሪ ዝዀነ ጥቕላል ኢሳይያስ፡ ካብቲ ቕድሚ ሕጂ ዚርከብ ዝነበረ ጽሑፋት ብ1,000 ዓመት እዩ ዚቕድም። እሞኸ ምስቲ ሎሚ ዘሎ ጽሑፍ ኪወዳደር ከሎ ኸመይ ይመስል፧ “ሓሓሊፉ ጥራይ እዩ ፍልይ ዝበለ ቓል ተወሲኽዎ ወይ ጐዲልዎ።”—ዘ ቡክ። ኤ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ባይብል።

ኣብዚ እዋን እዚ፡ በቶም ሰኣን ቍሩብ ጥንቃቐ ምግባር ንቦታ ፊደላት፡ ቃላት፡ ወይ ሓረጋት ዝቐያየሩ ቐዳሕቲ እተገብረ ጌጋታት፡ ብቐሊሉ ኺልለን ኪእረምን ይኽእል እዩ። “ከም ሓድሽ ኪዳን ገይሩ ግቡእ ጽሑፋዊ መርትዖ ዘለዎ ኻልእ ጥንታዊ ጽሑፍ ኣብ ዓለም የልቦን።”—ዘ ቡክስ ኤንድ ዘ ፓርችመንትስ።

“ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ግብጺ ዝነበረ ጥንታዊ ጳጲሮስን ድሕሪኡ ብተደጋጋሚ እናተቐድሐን እናተሓትመን እተዳለወ ጽሑፋትን ዳርጋ ብዙሕ ፍልልይ ስለ ዘየሎ፡ እቶም እዚ ጕዳይ እዚ ዜተሓሳስቦም ኣመንቲ ኪቐስኑ ይኽእሉ እዮም።”—ዘ ቡክ። ኤ ሂስትሪ ኦቭ ዘ ባይብል።

እሞኸ መጽሓፍ ቅዱስ ተበሪዙ ድዩ፧ ኣፍና መሊእና፡ “ኣይፋልን” ክንብል ንኽእል ኢና።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ