ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w17 ሰነ ገጽ 21
  • ‘ልብምናኺ ይባረኽ!’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ልብምናኺ ይባረኽ!’
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣቢጋይልን ዳዊትን
    መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት
  • ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደት
    ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ሓንቲ መስተውዓሊት ሰበይቲ ጥፍኣት ተወግድ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
w17 ሰነ ገጽ 21
ኣቢጋይል

‘ልብምናኺ ይባረኽ!’

እዘን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ቓላት፡ እቲ ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል ዝነበረ ዳዊት ንሓንቲ ሰበይቲ እተዛረበን እየን። እታ ሰበይቲ፡ ኣቢጋይል ትብሃል ነበረት። እሞ ደኣ ዳዊት ከምኡ ኢሉ ዝነኣዳ ስለምንታይ እዩ፧ ካብ ኣብነታኸ እንታይ ጥቕሚ ኽንረክብ ንኽእል፧

ዳዊት ነታ ምርዕውቲ ሰበይቲ እቲኣ፡ ካብ ንጉስ ሳኦል ኣብ ዚሃድመሉ እዋን እዩ ረኺብዋ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣቢጋይል ንሓደ ናባል ዝስሙ ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ይሁዳ ዚርከብ ኣኽራን ዚወፍራ ብዙሓት መጓሰ ዝነበራኦ ሃብታም ሰብኣይ ተመርዕያ ነበረት። ዳዊትን ሰቡን ድማ፡ ንጓሶትን ንመጓሰን ናባል “ከም ዜዕቍብ መካበብያ” እዮም ኰይኖምሎም ነይሮም። ጸኒሑ፡ ዳዊት ናብ ናባል ልኡኻት ልኢኹ፡ ‘ዚኽእሎ ዘበለ’ ምግቢ ኺህቦ ለመኖ። (1 ሳሙ. 25:8, 15, 16) ነቲ ዳዊትን ሰቡን ንናባል ዝገበሩሉ ዕቝባ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዚ ልማኖ እዚ ዘይግቡእ ኪብሃል ዚከኣል ኣይነበረን።

እቲ ኸም ስሙ “ዓሻ” ዝዀነ ናባል ግና፡ ከም ትርጉም ስሙ ገበረ። ሓያልን ዜዋርድን ምላሽ ሃበ፣ ነቲ ዳዊት ዝለመኖ ድማ ኣበዮ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ዳዊት ንናባል ኪቐጽዖ ተንስአ። ናባልን ቤተ ሰቡን ዋጋ እቲ ዕሽነቱ ምኸፈሉ ነይሮም።—1 ሳሙ. 25:2-13, 21, 22።

ሽዑ፡ ኣቢጋይል እቲ ብታህዋኽ እተወጠነ ነገር ሕማቕ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ስለ ዘስተውዓለት፡ ብትብዓት ጣልቃ ኽትኣቱ ወሰነት። ንዳዊት ብመሰረት እቲ ምስ የሆዋ ዘለዎ ርክብ ካብ ስሕተት ኪቝጠብ ብኣኽብሮት ለመነቶ። ነቲ ዚቕጽል ንጉስ ዚኸውን ዳዊትን ንሰቡን ድማ እኹል ምግቢ ሃበቶም። ዳዊት እውን፡ የሆዋ ብእኣ ኣቢሉ ኻብ ገበን ከም ዝዓገቶ ተኣመነ። ንኣቢጋይል ከኣ፡ “ልብምናኺ . . . ይባረኽ! ንስኺ እውን ናብ ዕዳ ደም ካብ ምእታው . . . ስለ ዝዓገትክኒ፡ ብርኽቲ ኹኒ” በላ።—1 ሳሙ. 25:18, 19, 23-35።

ንሕና እውን ከም ናባል፡ ንእተገብረልና ጽቡቕ ዘይነማሱ መሸም ክንከውን ኣይንደልን ኢና። ብተወሳኺ፡ ሕማቕ ኵነታት ይፍጠር ከም ዘሎ እንተ ርኢና፡ ንምዕራዩ ዚከኣለና ኽንገብር ንደሊ ኢና። እወ፡ ቃላት እቲ ንኣምላኽ፡ “ልብምናን ፍልጠትን ምሃረኒ” ኢሉ ዝለመነ ዘማሪ ኸነቃልሕ ንደሊ ኢና።—መዝ. 119:66።

ካልኦት ሰባት ኣብ ተግባራትና ጥበብ ወይ ልብምና የስተብህሉ እዮም። ነዚ ብቓላቶም ይግለጽዎ ኣይግለጽዎ፡ ከምቲ ‘ልብምናኺ ይባረኽ!’ ዝበለ ዳዊት ዝነበሮ ዓይነት ስምዒት የሕድሩ እዮም።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ