ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp19 ቍ. 1 ገጽ 13-14
  • ኣምላኽ እንታይ ኪገብር እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣምላኽ እንታይ ኪገብር እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንዅሉ እከይ መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ
  • ንምድሪ ገነት ኪገብራ እዩ
  • ሕማምን ሞትን ኬጥፍእ እዩ
  • ፍጽምቲ መንግስቲ
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2020
  • ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • መንግስቲ ኣምላኽ ንየሱስ ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
  • መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
wp19 ቍ. 1 ገጽ 13-14
ህዝቢ ኣምላኽ ንምድሪ ናብ ገነት ይቕይርዋ

ኣምላኽ እንታይ ኪገብር እዩ፧

ጸገም እንተ ዜጋጥመካ፡ ካብ ናይ ቀረባ ዓርክኻ ሓገዝ ምተጸበኻ ኔርካ። ገሊኦም ሰባት፡ ኣምላኽ ንምሕጋዞም ዋላ ሓንቲ ዘይገብር ስለ ዚመስሎም፡ ዓርኪ ኪኸውን ከም ዘይክእል ይስምዖም እዩ። ከም ሓቂ ግና፡ ኣምላኽ ንጥቕምና ኢሉ ኽሳዕ ሕጂ ብዙሕ ነገራት ገይሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሉ እዚ ሎሚ ዜጋጥመና ጸገማትን መከራን ንምውጋድ እውን ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። እሞኸ ኣምላኽ እንታይ ኪገብር እዩ፧

ንዅሉ እከይ መወዳእታ ኺገብረሉ እዩ

ኣምላኽ ንዅሉ እከይ ካብ ምንጩ ኼወግዶ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ብዘላ ዓለም እውን ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” ብምባል፡ ምንጪ እከይ እንታይ ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (1 ዮሃንስ 5:19) እቲ “እኩይ” ተባሂሉ ዘሎ ኸኣ፡ እቲ የሱስ “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ኢሉ ዝጸውዖ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ። (ዮሃንስ 12:31) ሰይጣን ኣብ ደቂ ሰብ ዜሕድሮ ጽልዋ፡ ሱር ኵሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሕማቕ ኵነታት እዩ። እሞ ደኣ ኣምላኽ እንታይ ኪገብር እዩ፧

ኣብ ቀረባ ግዜ፡ የሆዋ ኣምላኽ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ “ነቲ ሞት ኬስዕብ ዚኽእል፡ ማለት ንድያብሎስ፡ ምእንቲ ኺስዕሮ፡” ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። (እብራውያን 2:14፣ 1 ዮሃንስ 3:8) ድያብሎስ እኳ ንጥፍኣቱ “ሓጺር እዋን” ከም ዝተረፎ ዚፈልጥ ምዃኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። (ራእይ 12:12) ብተወሳኺ፡ ኣምላኽ ንዅሉ ጠንቂ እከይ ኬወግዶ እዩ።—መዝሙር 37:9፣ ምሳሌ 2:22።

ንምድሪ ገነት ኪገብራ እዩ

ፈጣሪና ንዅሉ እከይ ካብ ምድሪ ምስ ኣጥፍአ፡ ብዛዕባ ደቂ ሰብን ምድርን ዘለዎ ዘለኣለማዊ ዕላማ ንምፍጻም ስጕምቲ ኺወስድ እዩ። እሞኸ ሽዑ እንታይ ኪህሉ እዩ፧

ነባሪ ሰላምን ደሓንን። “ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ኣዝዩ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:11።

እኹልን ጽቡቕን ምግቢ። “ኣብ ምድሪ ብዙሕ እኽሊ ኪኸውን፡ ኣብ ርእሲ ኣኽራን ከኣ ኣኺሉ ኺተርፍ እዩ።”—መዝሙር 72:16።

ጽቡቕ ኣባይትን ዜሐጕስ ስራሕን። “ኣባይቲ ኺሃንጹን ኪነብሩለንን እዮም፣ ኣታኽልቲ ወይኒ ኺተኽሉን ፍሪኡ ኺበልዑን እዮም። . . . ሕሩያተይ ድማ ንግብሪ ኣእዳዎም ምሉእ ብምሉእ ኪሕጐሱሉ እዮም።”—ኢሳይያስ 65:21, 22።

ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ክትነብርሲ ትምነዶ፧ እዚ ዅነታት እዚ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኽፍሊ መዓልታዊ ናብራ ዅሉ ሰብ ኪኸውን እዩ።

ሕማምን ሞትን ኬጥፍእ እዩ

ሎሚ፡ ኵሉ ሰብ ካብ ሕማምን ሞትን ኬምልጥ ኣይክእልን እዩ፣ እዚ ግና ንነዊሕ እዋን ኣይኪቕጽልን እዩ። “ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡” ነቲ የሱስ ዝኸፈሎ መስዋእታዊ በጃ ኣብ ጥቕሚ ኼውዕሎ እዩ። (ዮሃንስ 3:16) እሞኸ ኸም ውጽኢቱ እንታይ ኪኸውን እዩ፧

ሕማም ኪጠፍእ እዩ። “ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ ‘ሓሚመ’ ኣይኪብልን እዩ። እቲ ኣብታ ምድሪ ዚቕመጥ ህዝብስ፡ ስሕተቱ ኺሕደገሉ እዩ።”—ኢሳይያስ 33:24።

ሞት ንደቂ ሰብ ኣይኬሳቕዮምን እዩ። “ንሞት ንዘለኣለም ኪውሕጦ እዩ። እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዝዀነ የሆዋ ንንብዓት ካብ ኵሉ ገጽ ኪደርዝ እዩ።”—ኢሳይያስ 25:8።

ሰባት ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም። “ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ኣቢሉ ዚህበና ውህበት . . .፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።”—ሮሜ 6:23።

ምዉታት ኪትንስኡ እዮም። “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን [እዩ]።” (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) እወ፡ ምዉታት ካብቲ ኣምላኽ ዘዳለዎ ውህበት በጃ ኺጥቀሙ እዮም።

ኣምላኽ ነዚ ዅሉ ብኸመይ ኪገብሮ እዩ፧

ፍጽምቲ መንግስቲ

ኣምላኽ ንደቂ ሰብን ንምድርን ዘለዎ ዕላማ በታ ክርስቶስ የሱስ ዝገዛኢኣ ሰማያዊት መንግስቲ ኣቢሉ ኺፍጽሞ እዩ። (መዝሙር 110:1, 2) የሱስ እውን ብዛዕባ እታ መንግስቲ እቲኣ ንሰዓብቱ፡ “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ . . . መንግስትኻ ትምጻእ” ኢሎም ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ።—ማቴዎስ 6:9, 10።

መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ኽትገዝኣ፡ ንዅሉ መከራ ድማ ከተወግዶ እያ። እዛ መንግስቲ እዚኣ፡ ደቂ ሰብ ክሳዕ ሕጂ ኻብ ዝረኣይወን ኵለን መንግስትታት ኣጸቢቓ ትበልጽ! በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ የሱስ ኣብ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ብትግሃት “ብስራት [እታ] መንግስቲ” ዝሰበኸ፣ ንደቀ መዛሙርቱ እውን ከምኡ ኺገብሩ እተማሕጸኖም።—ማቴዎስ 4:23፣ 24:14።

የሆዋ ኣምላኽ ካብቲ ንሰብኣውያን ፍጡራቱ ዘለዎ ዓብዪ ፍቕሪ ተላዒሉ፡ ኵሉ እዚ ዜደንቕ ነገራት ከም ዚገብር ኣተስፍዩ ኣሎ። እዝስ ንዕኡ ኽትፈልጦን ክትቀርቦን ዚድርኸካ ደይኰነን፧ ከምኡ ምግባርካ፡ እንታይ ጥቕሚ ኼምጽኣልካ እዩ፧ እዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ነዚ ኽትገልጸልካ እያ።

ኣምላኽ እንታይ ኪገብር እዩ፧ ኣምላኽ ንሕማምን ንሞትን ኬጥፍእ፡ ንደቂ ሰብ ኣብ ትሕቲ መንግስቱ ኼሕብሮም፡ ንምድሪ ድማ ገነት ኪገብራ እዩ

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

  • ኣምላኽ ፍቓዱ ንምፍጻም ዘቘማ ሰማያዊት መንግስቲ እያ።—ዘፍጥረት 1:28፣ ማቴዎስ 6:9, 10።

  • በቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሰማይን ምድርን ኵሉ ስልጣን ዝሃቦ ንጉስ እትግዛእ እያ።—ኢሳይያስ 9:6, 7፣ 11:2-4፣ ማቴዎስ 28:18።

  • በቲ ኣብ ሕግታት ኣምላኽ እተመስረተ ትምህርትታት የሱስ እትመሓደር እያ።—ማቴዎስ 22:37-39፣ ያእቆብ 2:8።

  • ግዝኣታ ጀሚራ ኣላ፣ ሚልዮናት ሰባት ከኣ ኣብ ብዘላ ዓለም “ብስራት መንግስቲ” የፍልጡ ኣለዉ።—ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20።a

a ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ግዝኣታን ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ንዘለኣለም ብህይወት ንበር! ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ትምህርቲ 32ን 33ን ርአ። ኣብ www.pr418.com/ti እውን ትርከብ እያ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ