ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp19 ቍ. 2 ገጽ 10-11
  • ከቢድ ሕማም ምስ እትሓምም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከቢድ ሕማም ምስ እትሓምም
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ገሊኦም ብኸመይ ከም ዝኸኣልዎ
  • ሓደ ኣባል እታ ስድራቤት ምስ ዝሓምም
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • የሆዋ ኣምላኽካ ኣኽቢሩ ይርእየካ እዩ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2020
  • ስለምንታይ እየ ኻብ ሰበይ ንላዕሊ ዝሓምም፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ጸሎት ብኸመይ እዩ ዚሕግዘካ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2019
wp19 ቍ. 2 ገጽ 10-11

ከቢድ ሕማም ምስ እትሓምም

“ኣብ ሳምቡአይን ኣብ ረጒድ መዓንጣይን መንሽሮ ኸም ዘሎኒ ምስ ፈለጥኩ፡ ናይ ሞት ፍርዲ እተዋህበኒ ዀይኑ እዩ ተሰሚዑኒ። ካብ ሓኪም ናብ ገዛይ ምስ ተመለስኩ ግና፡ ‘ከምቲ እተጸበኽዎ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ነዚ ንምኽኣሉ ግና መገዲ ኽረክብ ኣሎኒ’ ኢለ ሓሲበ።”—ሊንዳ፡ 71 ዓመት ዝዕድሚኣ።

“ነቲ ኣብ ጸጋማይ ሸነኽ ገጸይ ዘሎ መትኒ ብዚሃሲ ሕማም እሳቐ እየ። ሓድሓደ ግዜ፡ ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ስቓይ፡ ጭንቀት አሕድር እየ። ብዙሕ ሳዕ ድማ፡ በይነይ ዝዀንኩ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ፡ ርእሰይ ክቐትል እውን እሓስብ ነይረ።”—ኤልሲ፡ 49 ዓመት ዝዕድሚኣ።

ብዚፈትውዎ ሰቡ ተኸቢቡ ዘሎ ኣብ ዓረብያ ስንኩላን እተቐመጠ ዝሓመመ ሰብኣይ

ንህይወትካ ዜስግእ ሕማም ከም ዝሓመምካ እንተ ፈሊጥካ፡ ወይ ንእትፈትዎ ሰብካ ኸምኡ እንተ ኣጋጢምዎ፡ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜጨንቕ ትፈልጦ ኢኻ። ኣብ ርእሲ እቲ ሕማም፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ስምዒትካ ተኣፋፊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዜሻቕል ናይ ሕክምና ቘጸራታት፡ ሕክምና ብቐሊሉ ዘይምርካብ፡ ንሕክምና ዚኸውን ገንዘብ ምስኣን፡ ወይ ገሊኡ ኣፋውስ ዘለዎ ጐድናዊ ሳዕቤናት ንፍርህኻን ንጭንቀትካን ኬጋድዶ ይኽእል እዩ። እቲ ኸቢድ ሕማም ዜስዕቦ ኣእምሮኣዊ ስቓይ እውን ልዕሊ ዓቕምኻ ኪዀነካ ይኽእል እዩ።

እሞ ደኣ ኻበይ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል፧ ብዙሓት ሰባት ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ብምጽጋዕን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜጸናንዕ መልእኽቲ ብምንባብን ብዙሕ ተጸናኒዖም እዮም። ካብቲ ስድራ ቤትን ፈተውትን ዜርእይዎ ፍቕርን ደገፍን እውን ካልእ መጸናንዒ ኺርከብ ይከኣል እዩ።

ገሊኦም ብኸመይ ከም ዝኸኣልዎ

ሮበርት ዝስሙ 58 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብኣይ ነዚ ዚስዕብ ምኽሪ ሂቡ ኣሎ፦ “ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምነት ሒዝካ ምስ ሕማም ተቓለስ እሞ፡ ንሱ ኽትጻወር ኪሕግዘካ እዩ። ብጸሎት ናብ የሆዋ ቕረብ። እንታይ ከም ዚስምዓካ ኣፍልጦ። መንፈስ ቅዱሱ ኺህበካ ለምኖ። ንስድራ ቤትካ ንምድጋፍ ብርታዕ ምእንቲ ኺህልወካ፡ ነቲ ሕማም እውን ክብርኻ ሓሊኻ ምእንቲ ኽትክእሎ ብርታዐ ኺህበካ ለምኖ።

“ስድራ ቤትካ ኣብ ጐድንኻ ዀይኖም ብስምዒታዊ መዳይ ኪድግፉኻ ኸለዉ፡ ብዙሕ እዮም ዚሕግዙኻ። መዓልቲ መዓልቲ፡ ሓደ ወይ ክልተ ሰብ ተሌፎን ደዊሉ፡ ‘ከመይ ኣለኻ፧’ ይብለኒ እዩ። ኣብ ፈቐዶኡ ኻብ ዘለዉ ፈተውተይ መተባብዒ እረክብ እየ። ብርግጽ ብርታዐ ይህቡኒ እዮም፣ እዚ ኸኣ ከይሕለል ይሕግዘኒ እዩ።”

ንዝሓመመ ፈታዊኻ ትበጽሕ እንተ ኣለኻ፡ ነዚ ሊንዳ ዝበለቶ ኣስተብህለሉ፦ “ሕሙም ብእተኻእሎ መጠን ንቡር ህይወት እዩ ኺመርሕ ዚደሊ፡ ወትሩ ድማ ብዛዕባ ሕማሙ ኺዛረብ ኣይደልን ይኸውን። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኣዘውቲርካ እትዛረቦ ነገራት ተዛረብ።”

እምበኣር፡ ካብ ኣምላኽ ብዚርከብ ብርታዐን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዕን፡ ከምኡ ድማ ብደገፍ ፈቃራት ስድራ ቤትን ፈተውትን፡ ከቢድ ሕማም ክንሓምም ከለና እውን እንተ ዀነ፡ ብህይወት ምንባር ከም ዚሓይሽ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ኪሕግዝ ዚኽእል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣምላኽ ተጸጋዕ።

“ንየሆዋ ሓቲተዮ፣ ንሱ እውን መሊሱለይ። ካብ ኵሉ ፍርሀይ ኣናጊፉኒ። እዚ ትሑት እዚ ጸዊዑ፡ የሆዋ ድማ ሰሚዕዎ። ካብ ኵሉ ጭንቁ ኸኣ ኣድሒንዎ።”—መዝሙር 34:4, 6።

እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ሊንዳ፡ “‘ከም ዚሕሸኒ ግበር’ ኢለ ፈጺመ ኣይጽልን እየ። ‘ክብርትዕ ሓግዘኒ፡ ሕማመይ ክጾሮ ሓግዘኒ’ ኢለ እየ ወትሩ ዝጽሊ” ትብል።

ካብ ቃል ኣምላኽ ብርታዐ ርኸብ።

“ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ ‘ሓሚመ’ ኣይኪብልን እዩ።”—ኢሳይያስ 33:24።

ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ናይ መጻኢ ተስፋታት ብምስትንታን፡ ካብቲ ተስፋ እቲ ሓይሊ ርኸብ።

ካብ ስድራ ቤትን ፈተውትን ደገፍ ርኸብ።

“ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።”—ምሳሌ 17:17።

እታ ኣቐዲማ እተጠቕሰት ኤልሲ፡ “ንርእስኻ ኣይትፍለ። ፈተውትኻ ኺሕግዙኻ ፍቐድ። ብጽምዋ እትብልዓሉን ኣምላኽ ይሰምዓካ ኸም ዘየሎ ዚስምዓካን እዋናት ኪህሉ ይኽእል እዩ፣ ግናኸ ንርእስኻ ኣይትፍለ” ትብል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ