ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • wp21 ቍ. 1 ገጽ 14-15
  • ጸሎት ብኸመይ እዩ ዚሕግዘካ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጸሎት ብኸመይ እዩ ዚሕግዘካ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ጸሎት ዚጠቕመካ ብኸመይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧
  • ፍሉይ መሰል ጸሎት
    መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧
  • ብጸሎት ኣቢልካ ንኣምላኽ ቅረቦ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
wp21 ቍ. 1 ገጽ 14-15

ጸሎት ብኸመይ እዩ ዚሕግዘካ፧

ፓሜላ ኸቢድ ሕማም ምስ ኣጋጠማ፡ ሕክምናዊ ደገፍ ክትረክብ ጽዒራ እያ። ይኹን እምበር፡ ነቲ ዘጋጠማ ዅነታት ክትጻወሮ፡ ሓይሊ ኺህባ ናብ ኣምላኽ ጸልያ እያ። እሞኸ፡ ጸሎት ሓጊዝዋ ድዩ፧

ፓሜላ ኸምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “ንመንሽሮይ ሕክምና ኺግበረለይ ከሎ፡ ኣዝየ እየ ዝፈርህ ነይረ፡ ናብ የሆዋ ኣምላኽ ክጽሊ ኸለኹ ግና፡ ውሽጣዊ ህድኣትን ቅሳነትን ይስምዓኒ ነይሩ። ብዙሕ ቃንዛ እኳ እንተ ኣሎኒ፡ ጸሎት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽሕዝ ሓጊዙኒ እዩ። ሰባት ከመይ ከም ዚስምዓኒ ኺሓትቱኒ ኸለዉ፡ ‘ደሓን ኣይኰንኩን፡ ግና ሕጕስቲ እየ’ እየ ዝብሎም።”

ንኣምላኽ ብጸሎት ክንቀርቦ ግና ከቢድ ሕማም ክሳዕ ዜጋጥመና ኽንጽበ ኣየድልየናን እዩ። ኵላትና ኸቢድን ቀሊልን ብድሆታት የጋጥመና እዩ። ክንዋጽኣሉ ኸኣ ሓገዝ ከም ዜድልየና ዀይኑ ይስምዓና እዩ። እሞኸ፡ ጸሎት ኪሕግዘና ይኽእል ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣ ንሱ ድማ ኪድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ኪወድቕ ከቶ ኣይሓድጎን እዩ” ይብል። (መዝሙር 55:22) እዚ ሓሳብ እዚስ፡ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! ስለዚ እምበኣር፡ ጸሎት ብኸመይ እዩ ኺሕግዘካ ዚኽእል፧ በቲ ግቡእ መገዲ ናብ ኣምላኽ ክትጽሊ ኸለኻ፡ ንብድሆታትካ ኽትዋጽኣሉ፡ ዜድሊ ደገፍ ኪህበካ እዩ። “ጸሎት ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ጸሎት ብኸመይ ከም ዚሕግዘካ

ናይ ኣእምሮ ሰላም

እቲ ስራሑ ስኢኑ ዝነበረ ሰብኣይ፡ ባህ ኢልዎ ይኸይድ።

“ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ፣ እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።” (ፊልጲ 4:6, 7) ዜጨንቐካ ነገራት ንኣምላኽ ከተፍስሰሉ ኸለኻ፡ ክትሃድእን ንጭንቀትካ ብጥበብ ክትዋጽኣሉን ኪሕግዘካ እዩ።

ካብ ኣምላኽ ዚርከብ ጥበብ

እታ ኻብ መጽሓፍ ጸሎት እትደግም ዝነበረ ሰበይቲ፡ ኣብ ቤታ መጽሓፍ ቅዱስ ተንብብ።

“ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐዲላቶ ኸኣ፡ ነቲ ኸይነቐፈ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፣ ኪውሃቦ እውን እዩ።” (ያእቆብ 1:5) ጸቕጢ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ሓድሓደ ግዜ ነቲ እንገብሮ ውሳነታት እውን ይጸልዎ እዩ። ጥበብ ኪወሃበካ እንተ ጸሊኻ፡ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ቃሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጠቓሚ ዝዀነ ሓያሎ ስርዓታት ኬዘኻኽረካ ይኽእል እዩ።

ብርታዐን መጸናንዕን

እቶም ኣብ ሆስፒታል ዝነበሩ ሰብኣይን ሰበይትን፡ ኣብ መናፈሻ ብእግሮም ይኸዱ። እቲ ሰብኣይ ንሰበይቱ ምርኩስ ሒዛ ኽትከይድ ከላ ይድግፋ።

“በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።” (ፊልጲ 4:13) የሆዋ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ስለ ዝዀነ፡ ንዜጋጥመካ ብድሆታት ክትዋጽኣሉ ወይ ከኣ ንዜጋጥመካ ፈተናታት ክትጻወሮ ዜኽእል ሓይሊ ኺህበካ ይኽእል እዩ። (ኢሳይያስ 40:29) መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ፡ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን” እዩ ዚብሎ። “ኣብ ኵሉ ጸበባና” ኸኣ ኬጸናንዓና ይኽእል እዩ።—2 ቈረንቶስ 1:3, 4።

እሞኸ ኽትጽሊ ዲኻ፧

የሆዋ ናብኡ ኽትጽሊ ኣይግድደካን እዩ። ካብ ፍቕሪ ተላዒሉ ግና ይዕድመካ እዩ። (ኤርምያስ 29:11, 12) እቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝጸለኻዮ ጸሎት ከም ዘይተመልሰ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካኸ፧ ተስፋ ኣይትቝረጽ ወይ ኣይትተሓለል። ፈቃራት ወለዲ ንደቆም ዚሕግዝዎም፡ በቲ ደቆም ዚደልይዎ መገዲ ወይ ኣብቲ ደቆም ዚደልይዎ እዋን ከይከውን ይኽእል እዩ። ምናልባት ወለዲ ዝሓሸ ፍታሕ ኪህልዎም ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ በዚ ዀነ በቲ ፈቃራት ወለዲ ንደቆም ከም ዚሕግዝዎም እተረጋገጸ እዩ።

እቲ ኣዝዩ ፈቃር ኣቦ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እውን ኪሕግዘካ ይደሊ እዩ። ነቲ ኽሳዕ ሕጂ እተመያየጥናሉ ቕዱስ ጽሑፋዊ መምርሒ ብጥንቃቐ እንተ መርሚርካዮ፡ ብእተኻእለካ መጠን ከኣ እንተ ተግቢርካዮ፡ ኣምላኽ ብብሉጽ መገዲ ንጸሎትካ ኺምልሶ እዩ።—መዝሙር 34:15፣ ማቴዎስ 7:7-11።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ