ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w15 1/10 ገጽ 6-8
  • ጸሎት ዚጠቕመካ ብኸመይ እዩ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ጸሎት ዚጠቕመካ ብኸመይ እዩ፧
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ናይ ኣእምሮ ሰላም ትረክብ።
  • ኣብ እዋን ጸበባ ምጽንናዕን ብርታዐን ትረክብ።
  • ካብ ኣምላኽ ጥበብ ትረክብ።
  • ጸሎት ብኸመይ እዩ ዚሕግዘካ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2021
  • ከየባተኽና ኽንጽሊ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ብኸመይ ኢና እንጽሊ፧ ንጸሎት ኣቡነ ዘበሰማያት ብምድጋም ድዩ፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ‘ድሌትኩም ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
w15 1/10 ገጽ 6-8
ሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባ እታ ዝሓመመት ኣዲኣ ኽትጽሊ ኸላ

ገበር | ጸሎት ጥቕሚ ኣለዎዶ፧

ጸሎት ዚጠቕመካ ብኸመይ እዩ፧

ዝዀነ ነገር ቅድሚ ምግባርካ፡ ‘እዚ ብኸመይ እዩ ዚጠቕመኒ፧’ ኢልካ ኽትሓስብ ባህርያዊ እዩ። ብዛዕባ ጸሎት ከምዚ ኢልካ ምሕታትከ ምስ ስስዐ ድዩ ዚቝጸር፧ ከምኡ ኸይከውን ይኽእል እዩ። ብባህርይና ጥቕሚ ዘለዎ እንተ ዀይኑ ኽንፈልጥ ንደሊ ኢና። እቲ ጻድቕ ዝነበረ እዮብ እውን፡ “እንተ ዝጽውዖስ፡ ይምልሰለይዶ፧” ብምባል ሓቲቱ ነበረ።—እዮብ 9:16፡ NW።

ኣብተን ዝሓለፋ ዓንቀጻት፡ ጸሎት ሃይማኖታዊ ልምዲ ወይ ሓደ ኣገባብ ሕክምና ስነ ኣእምሮ ጥራይ ከም ዘይኰነ ዜረጋግጽ መርትዖታት ርኢና ኢና። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ብሓቂ ጸሎት ይሰምዕ እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ናብኡ ኽንቀርብ እዩ ዜተባብዓና። (ያእቆብ 4:8) እሞ ደኣ፡ ጸሎት ክፍሊ ህይወትና ምስ እንገብሮ እንታይ ኢና እንረክብ፧ ንገለ ኻብቲ ጥቕምታት እስከ ንርአ።

ናይ ኣእምሮ ሰላም ትረክብ።

ኣብ ህይወትካ ሽግራት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ብጭንቀት ትውሓጥ ዲኻ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋን፡ “ከየቋረጽኩም ጸልዩ” ኸምኡ እውን “ልማኖኹም . . . ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ” ብምባል እዩ ዜተባብዓና። (1 ተሰሎንቄ 5:17፣ ፊልጲ 4:6) መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናብ ኣምላኽ ብጸሎት እንተ ቐሪብና፡ ‘እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ንልብናን ንኣእምሮናን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ’ ምዃኑ የረጋግጸልና እዩ። (ፊልጲ 4:7) ነቲ ዜጨንቐና ነገራት ብጸሎት ኣቢልና ናብ ሰማያዊ ኣቦና ምስ እነፍስሶ፡ ህድኣት ኪስምዓና ይኽእል እዩ። ኣምላኽ እውን እንተ ዀነ ኸምኡ ኽንገብር እዩ ዜተባብዓና፣ መዝሙር 55:22፡ “ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፡ ንሱ ኺድግፈካ እዩ” ትብል።

“ጾርካ ናብ እግዚኣብሄር ደርብዮ፡ ንሱ ኺድግፈካ እዩ።”—መዝሙር 55:22

ኣብ መላእ ዓለም፡ ብዙሓት ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ሰላም ረኺቦም እዮም። ኣብ ደቡብ ኮርያ እትነብር ሂ ራን፡ “ከቢድ ጸገማት እኳ እንተ ኣሎኒ፡ ብዛዕባኡ ምስ ጸለኹ፡ ፍዅስ ይብለኒ፡ ንኽጽመም ዜኽእለኒ ሓይሊ ዝረኸብኩ ኰይኑ ድማ እዩ ዚስምዓኒ” በለት። ኣብ ፊሊፒንስ እትነብር ሰሲልያ እውን ከምዚ በለት፦ “ከም ኣደ መጠን ብዛዕባ ደቀይን ብዛዕባ እታ ብምኽንያት ሕማም ኣብዚ ግዜ እዚ ኸተለልየኒ ዘይትኽእል ኣደይን እጭነቕ እየ። ሳላ ጸሎት ግና መዓልታዊ ንጥፈታተይ ከካይድ ከለኹ ብዙሕ ኣይጭነቕን እየ። የሆዋ ንኽኣልየን ከም ዚሕግዘኒ ድማ እፈልጥ እየ።”

ኣብ እዋን ጸበባ ምጽንናዕን ብርታዐን ትረክብ።

ከቢድ ውጥረት፡ ምናልባት እውን ንህይወት ዜስግእ ወይ ዜጕሂ ዅነታት የጋጥመካ ኣሎ ድዩ፧ ናብቲ “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕ” ዝዀነ የሆዋ ምጽላይ፡ ዓብዪ እፎይታ ኼምጽእ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንሱ ኣብ ኵሉ ጸበባና የጸናንዓና እዩ” ይብል። (2 ቈረንቶስ 1:3, 4) ንኣብነት፡ የሱስ ኣዝዩ ተጨኒቑ ኣብ ዝነበረሉ ኣጋጣሚ፡ “ተምበርኪኹ ጸለየ።” ውጽኢቱኸ እንታይ ነበረ፧ “ካብ ሰማይ ከኣ መልኣኽ ተራእዮ፡ ኣበርትዖ እውን።” (ሉቃስ 22:41, 43) እቲ እሙን ዝነበረ ነህምያ እውን ካብቶም ዕዮ ኣምላኽ ንኸይፍጽም ኪዓናቕፍዎ ዚጽዕሩ ዝነበሩ እኩያት ሰባት ምፍርራህ ኣጋጢምዎ እዩ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ጸለየ፦ “ሕጂ ኸኣ፡ ዎ ኣምላኽ፡ ንስኻ ኣእዳወይ ኣጽንዕ።” እቲ ስዒቡ ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ኣምላኽ ፍርሁ ንኼሰንፍን ኣብ ዕዮኡ ንኺዕወትን ከም ዝሓገዞ እዩ ዜርኢ። (ነህምያ 6:9-16) ኣብ ጋና ዚነብር ረጂናልድ፡ ከምዚ ብምባል ተመኵሮኡ ገለጸ፦ “ከቢድ ጸገማት ኬጋጥመኒ ኸሎ ምስ ዝጽሊ፡ ንሓደ ኺሕግዘኒ ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ ጸገመይ ነጊረዮስ፡ ብዛዕባ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪሽገር ከም ዘይብለይ ዘረጋገጸለይ ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ።” እወ፡ ናብ ኣምላኽ እንተ ጸሊና፡ ኬጸናንዓና እዩ።

ካብ ኣምላኽ ጥበብ ትረክብ።

ገሊኡ እንገብሮ ውሳነታት፡ ንዓናን ነቶም እነፍቅሮም ሰባትን ንሓዋሩ ዚጸሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጥበባዊ ምርጫታት ክንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ኸኣ [ብፍላይ ኣብ እዋን ፈተናታት]፡ ነቲ ኸይነቐፈ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፣ ኪውሃቦ እውን እዩ” ይብለና። (ያእቆብ 1:5) ጥበብ ኪውሃበና ምስ እንጽሊ፡ ኣምላኽ ብመንፈሱ ኣቢሉ ጥበባዊ ውሳነታት ንኽንገብር ኪመርሓና ይኽእል እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ መንፈስ ቅዱስ ኪውሃበና ፈሊና ኽንልምን ንኽእል ኢና፣ ከመይሲ፡ የሱስ ‘እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦ ንዚልምንዎ መንፈስ ቅዱስ ኪህቦም’ ምዃኑ ኣረጋጊጹልና ኣሎ።—ሉቃስ 11:13።

ሓደ ሰብኣይ ኪጽሊ ኸሎ

“ቅኑዕ ውሳነ ንምግባር መሪሕነቱ ምእንቲ ኺህበኒ ብቐጻሊ ናብ የሆዋ ጸለኹ።”—ክዋቤና፡ ጋና

የሱስ እኳ ኸይተረፈ ኣገዳሲ ውሳነታት ኪገብር ከሎ፡ ሓገዝ ንኺረክብ ናብ ኣቦኡ ይጽሊ ነበረ። የሱስ ደቀ መዛሙርቱ ኪዀኑ ዚኽእሉ 12 ሰብኡት ኪመርጽ ምስ ደለየ፡ “ምሉእ ለይቲ ድማ ናብ ኣምላኽ ጸለየ” ብምባል መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ።—ሉቃስ 6:12

ሎሚ ዘለዉ ሰባት እውን ልክዕ ከም የሱስ፡ ጥበባዊ ውሳነታት ንኺገብሩ ኺሕግዞም ናብ ኣምላኽ ዘቕረብዎ ጸሎት ብኸመይ ከም እተመለሰ ምርኣዮም ምትእምማን ኣሕዲሩሎም እዩ። ኣብ ፊሊፒንስ እትነብር ረጂና፡ እተፈላለየ ጸገማት ኣጋጢምዋ እዩ፣ ገለ ኻብኡ፡ ድሕሪ ሞት ሰብኣያ ንገዛእ ርእሳን ንስድራ ቤታን ምእላይ፡ ካብ ስራሕ ምውጻእ፡ ከምኡ እውን ቈልዑ ንምዕባይ ዜጋጥም ብድሆታት ምጽዋር ኪጥቀስ ይከኣል። ጥበባዊ ውሳነታት ንኽትገብር ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ ረጂና፡ “ብጸሎት ኣቢለ ኣብቲ የሆዋ ዚህበኒ ሓገዝ እየ ዝውከል” በለት። ኣብ ጋና ዚነብር ክዋቤና፡ ሓገዝ ኣምላኽ ዝሓተተ ስለምንታይ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ “ካብቲ ጽቡቕ ደሞዝ ዝኽፈሎ ዝነበርኩ ምስ ህንጸት እተተሓሓዘ ስራሐይ ወጻእኩ” በለ፣ ነቲ ዝነበሮ ኣማራጺታት ኣብ ግምት ብምእታው ከኣ፦ “ቅኑዕ ውሳነ ንምግባር መሪሕነቱ ምእንቲ ኺህበኒ ብቐጻሊ ናብ የሆዋ ጸለኹ። የሆዋ፡ ነቲ ብመንፈሳውን ብኣካላውን መዳይ ዜድልየኒ ነገራት ንኸማልእ ዜኽእለኒ ሞያ ኽመርጽ ከም ዝሓገዘኒ እየ ዝኣምን” በለ። ንስኻ እውን ብዛዕባ እቲ ምስ የሆዋ ንዘሎካ ርክብ ኪጸልዎ ዚኽእል ጕዳያት ብምጽላይ፡ መሪሕነት ኣምላኽ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ካብቲ ጸሎት ዜምጽኣልካ ጥቕምታት፡ ሒደት ጥራይ ኢና ርኢና። (ንተወሳኺ ጥቕምታት፡ ነታ “ጥቕምታት ጸሎት” እትብል ሳጹን ርአ።) እዚ ጥቕምታት እዚ ንምርካብ ግና ፈለማ ብዛዕባ ኣምላኽን ፍቓዱን ክትፈልጥ የድልየካ። ብዛዕባ እዚ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትምሃር ምእንቲ ኺሕግዙኻ ኽትሓትቶም ነተባብዓካ።a እዚ ድማ ናብቲ ‘ጸሎት ዚሰምዕ’ ኣምላኽ ንኽትቀርብ እትወስዶ ቐዳማይ ስጕምቲ ኪኸውን ይኽእል እዩ።—መዝሙር 65:2።

a ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ምስቶም ኣብ ከባቢኻ ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትራኸብ ወይ ከኣ ናብቲ www.pr418.com ዚብሃል ወብ ሳይትና ኽትኣቱ ትኽእል ኢኻ።

ጥቕምታት ጸሎት

ናይ ኣእምሮ ሰላም ትረክብ “ብዛዕባ ዅሉ ነገር ደኣ ልማኖኹም ብጸሎትን ብምህለላን ምስ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብዛዕባ ገለ እኳ ኣይትጨነቑ፣ እቲ ኻብ ኵሉ ሓሳብ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ንኣእምሮኹምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።”—ፊልጲ 4:6, 7።

ካብ ኣምላኽ ምጽንናዕ ትረክብ “እቲ ኣቦ ርሕራሐን ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን ዝዀነ ኣምላኽን ኣቦን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይባረኽ። . . . ንሱ ኣብ ኵሉ ጸበባና የጸናንዓና እዩ።” —2 ቈረንቶስ 1:3, 4።

ጥበባዊ ውሳነታት ንምግባር ዚሕግዘካ መምርሒ ትረክብ “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ኸኣ፡ ነቲ ኸይነቐፈ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፣ ኪውሃቦ እውን እዩ።”—ያእቆብ 1:5።

ካብ ፈተናታት ንኽትርሕቕ ሓገዝ ትረክብ “ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ጸልዩ።”—ሉቃስ 22:40።

ሕድገት ሓጢኣት ትረክብ “እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም [እየ]።”—2 ዜና መዋእል 7:14።

ንኻልኦት እትሕግዘሉ መገዲ እዩ “ምህለላ ጻድቕ ሓያልን መስለጢትን እያ።”—ያእቆብ 5:16።

ጸሎትካ ምስ ዚምለሰልካ ምትብባዕ ትረክብ “እግዚኣብሄር ድማ [ንሰሎሞን] በሎ፡ እቲ ኣብ ቅድመይ እተማህለልካዮ ጸሎትካን ምህልላኻን ሰሚዔዮ አሎኹ።”—1 ነገስት 9:3።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ