ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣገልግሎት ኣዳልውዎም
1 እቲ ቀንዲ ዕላማ ምምራሕ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ካልኦት ንምምሃር ዝሕግዙና ዓየይቲ ዝኾኑ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር ኢዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ስለዚ ዕላማ ናይቲ ጽንዓት ፍልጠት ንምትሕልላፍ ጥራይ ኣይኮነን። ንተመሃሮና አብ ልቦም ዝጠልቕ እምነት ተኺሉ ተስፋኦም ምስ ካልኦት ከም ዝካፈልዎ ገይሩ ዘቕርቦም ክኸውን ኣለዎ። (2 ቈረ. 4:13) ብኸመይ ዝበለ ውጽኢታዊ መገዲ ገይርና ኢና ንኻልኦት ንኽምህሩ ብቑዓት ክኾኑ ክንሕግዞም እንኽእል? — 2 ጢሞ. 2:2
2 ሸቶኹም ጌርኩም ሓዝዎ:- ካብ መጀመርያ ኣትሒዝኩም ነቶም ጽንዓትኩም ናይ ሓቂ ኣምልኾ ‘ህዝባዊ ምስክርነት ንድሕነት’ ዘጠቓለለ ምዃኑ ግልጺ ግበርሎም። (ሮሜ 10:10) እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስምና፣ ብቐንዱ ንኻልኦት ክንዛረብ ከም ዘሎና ኢዩ ዝሕብር። ምምሃሮም ንናይ ገዛእ ርእሶም ድሕነት ጥራይ ከም ዘይኮነ ከስተውዕልዎ ሓግዝዎም። ንሳቶምውን ብወገኖም መማህራን ምስ ኮኑ እቶም ዝሰምዕዎም ናይ ድሕነት ኣጋጣሚ ክርኽቡ ኢዮም። — 1 ጢሞ. 4:16
3 ነቲ እተማሃርክምዎ ምድጋም:- ነቶም እተማሃርካዮም በብግዜኡ ምድጋም እቲ ዝበለጸ መምሃሪ ሓገዝ ኢዩ። ነቲ ተመሃራይ እቶም ዝተማህሮም ሓደስቲ ሓቅታት ኣብ ኣእምሮኡን ልቡን እናተሰረቱ ብመንፈስ ከም ዝዓቢ ክሕግዝዎ ኢዮም። ነዚ በቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን እንወስዶ ኣብ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዘሎ ናይ ድግማ ሕቶታት ክንምልስ ከሎና ባዕላትና ተሞኪርናዮ ኢና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን እቲ ተመሃራይ ብቓላቱ ገይሩ ዝምልሶም ቀለልትን ትኽ ዝበሉን ሕቶታት ኣዳልዉ።
4 እቲ ድግማ ናይ ግራት ኣገልግሎት መልክዕ ክሕዝ ይኽእል ኢዩ። ንኻልኦት ክትምስክሩ ከሎኹም ዝለዓል ሕቶ ወይ ኩሉ ግዜ ዘጋጥም ኩነታት ግለጹ። ንስኻትኩም ከም ብዓል ገዛ ኮይንኩም፣ እቲ ተመሃራይ እንታይ ከም ዝብል ብተዋስኦ መልክዕ ክዛረብ ፍቐድሉ። ነቲ ብጽቡቕ ገይሩ ዘቕረቦ ንኣድዎ፣ ንዝመጽእ ግዜ ድማ ካብዚ ብዝበለጸ ውጽኢታዊ ምእንቲ ክኸውን ክሰርሕ ዝኽእል ሓሳባት ኣቕርብሉ። እዚ ምልምማድ እዚ ነቲ እተማህሮ ብኸመይ ከም ዝጥቀመሉን ንመጽሓፍ ቅዱስ ክጥቀመላ ዘለዎ ክእለትን ከማዕብለሉ ኢዩ።
5 መጽሐፍ ምምርማር:- ሓንቲ ቅዳሕ ናይታ ምምርማር እትብል ናይ እንግሊዝኛ መጽሓፍ ከም ዘላቶ ኣረጋግጹ፣ ንኽጥቀመላ ድማ ኣለማምድዎ። ከመይ ገይርካ ዝርርብ ከም እትጅምር፣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሕቶታት ክትምልስ ወይ ድማ ንተቓውሞታት ብኸመይ ክትዋጽኣሎም ከም እትኽእል እትህቦ ሓሳባት ኣርእይዎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ጽንዓት ክትገብሩ ከሎኹም ብኸመይ ንኻልኦት ብዘእምን መገዲ ጌርካ ከም እትዛረብ ክትገልጽሉ ነታ መጽሓፍ ተጠቐሙላ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ርእሰ–ተኣማንነት ከሕድርን መልእኽቲ ብስራት መንግስቲ ክእውጅ ተበግሶኡ ከዕብን ክትሕግዞ ኢያ።
6 ኣገዳስነት ናይ ኣኼባታት ጠቒስካ ተዛረበሉ:- ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ብፍላይ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባን ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኣኼባን ንግራት ኣገልገሎት ከዳልዋና ኢየን ተሰሪዐን። እቶም ውጽኢታዊ ምስክርነት ዘድልዩ መሰረታውያን ሓሳባት በቶም ተሞክሮ ዘለዎምን ክኢላታትን ይድገሙን ይበርሁን ኢዮም። ንኣገዳስነት ኣኼባታት ተዛረብሉ፣ እቲ ተመሃራይ ክካፈል ድማ ዝከኣለኩም ሓገዝ ኣበርክቱ። ስርዓታዊ ኴንካ ኣብ ኣኼባ ምክፋል ንጽንዓትኩም ሓቀኛ ወደ መዝሙር ናይ ክርስቶስ ምእንቲ ክኸውን እቲ ዘድሊ ድራኼ ክህቦ ኢዩ።
7 ሸለል ክበሃል ዘይብሉ ናይ ብሕትኹም ኣብነት ኢዩ። ድሌትኩምን ስርዓታውነትኩምን ኣብ ዕዮ ኣገልግሎት ኣብ ሓቂ ዘሎኩም ዓሚቕ ሞሳ ኢዩ ዘርኢ። ከምዚ ዝበለ መገዲ ጽንዓትኩም እምነቱ ንኽገልጽ ከተባብዖ ኢዩ። (ሉቃ. 6:40) እዚ ኹሉ ንሓደ ሓድሽ ሰብ ነቲ ኣገልገሎት ከም ፍሉይ መሰል ክርእዮን ኣብኡ ምክፋሉ ድማ ኣመስጋኒ ክገብሮን ኢዩ። — 1 ጢሞ. 1:12