ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/94 ገጽ 1
  • ብበረኸትዶ ትዘርኡ ኣሎኹም?

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብበረኸትዶ ትዘርኡ ኣሎኹም?
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ብበረኸት ምዝራእ በረኸት የምጽእ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2002
  • ጽድቂ ዝራእ: ምሕረት ኣምላኽ ከኣ ዕጸድ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
km 6/94 ገጽ 1

ብበረኸትዶ ትዘርኡ ኣሎኹም?

1 “ዝያዳ ምስ እትጽዕር ዝያዳ ትረክብ” ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። እዚ ብፍላይ ኣብ ኣምልኾና ሓቂ ኢዩ። ንኣኼባታት ክንዳሎ: ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ክንሰብኽን: ንኣሕዋትና ድማ ከነፍቅርን ዝያዳ ግዜን ጻዕርን እንተድኣ ከፊልና ክንድኡ ኸኣ መንፈሳዊ ዕብየት ንረክብ። ብኣንጻሩ ድማ ኣብቲ እንገብሮ ዕዮ ቈጢብና ንዓዪ እንተድኣ ኰይንና ወይ ከኣ ብፍርቂ ልብና ንዓዪ ኮይንና ከመይ ኢልና ዘዕግብ ፍረ ክንጽበ ንኽእል?

2 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ 2 ቈ⁠ረንቶስ 9:​6 ነዛ መሰረታዊት ሕጊ እዚኣ ጠቒሱዋ ኣሎ:- “እቲ ቈጢቡ ዝዘርእ ቈጢቡ ይዐጽድ: እቲ ብበረኸት ዝዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዓጽድ።” ብበረኸትዶ ትዘርኡ ኣሎኹም?

3 ብሕታዊ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ:- ፍረ ዘለዎም ኣገልገልቲ መታን ክንከውን ብመጀመርያ ኣብቲ ናይ ብሕቲ መጽናዕትና ብበረኸት ክንዘርእ አሎና። ዓሚቍ መንፈሳዊ ሸውሃት ክህልወና ኣለዎ። (መዝ. 119:​97, 105፣ ማቴ. 5:​3) ሓልዮት ናይ መዓልታዊ ህይወት እናጸቐጠና እንከሎ ንመንፈሳውነትና ዘድሊ ናይ ሓቂ ግንዛበ መታን ከነዕቢ ንቑሕ ጻዕሪ የድሊ ኢዩ። ንመብዛሕትና ‘ጊዜ ምዕዳግ’ ከድልየና ኢዩ። (ኤፌ. 5:​16) ገሊኦም ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ መታን ክገብሩ ገለ መዓልትታት ኣንጊሆም ክትንስኡ መዲቦም ኣለዉ። ገለ ድማ ኣብ ገለ መዓልትታት ናይ ምሸት ፈልዮምሉ ኣለዉ። በየናይ መገዲ ኢና ብበረኸት እንዓጽድ? ብርትዕቲ እምነት: ብሩህ ተስፋ: ሓጐስን ኣዎንታዊ ቅርጺ ናይ ኣተሓሳስባን ይህልወና። — ሮሜ 10:​17፣ 15:​4፣ 1 ጴ⁠ጥ. 1:13

4 ናይ ጉባኤ ኣኼባታት:- ኣብ መዝሙር 122:​1 ዳዊት “ናብ ቤት እግዚኣብሄር: ንኺድ ምስ በሉኒ ተሓጐስኩ” ይብል። ከምኡዶ ይስምዓና ኢዩ? ብበረኸት ምዝራእ ማለት ኣብተን ሓሙሽተ ሰሙናውያን ኣኼባታትና ስርዓታውያን ኰይንና ምክፋል ማለት ኢዩ። ባህ ዘየብል ሓሳባት ኣብ መንጎ ክመጸና ከይነፍቅድ ክንውስን ኣሎና። መብዛሕትኡ ግዜ ዝያዳ ዕንቅፋታት እንተድኣ ሰጊርና ዝያዳ ኢና እንባረኽ።

5 ኣብቲ ምስ ኣሕዋትካ ዝግበር ዝሃንጽ ዕላል መታን ክትሓብር ኣቐዲምካ ምምጻእን ድሒርካ ምውጻእን የድሊ። ንዝተፈላለዩ ሰባት ዝሕውስ መታን ክኸውን ብዝከኣለካ ንርክብካ ኣግፍሓዮ። ንትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛን ካልእ ኣኼባታትን ጽቡቕ ገይርካ ተዳለወሉ እሞ: ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝረኸብካሉ ሓሳባት ብምሃብ ብበረኸት ክትዘርእ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣኼባታት ንኻልኦት ‘ብናጻ ብምርዋይ’ ንርእስኻ ብናጻ ክትረዊ ኢኻ። — ምሳ. 11:​25

6 ግራት ኣገልግሎት:- እዛ ብበረኸት ምዝራእ እትብል መሰረታዊት ሕጊ ከም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ገይራ ኣብ ካልእ ኣይትውዕልን ትኸውን። ንግራት ኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ብዝወፈናሉ መጠን ብእኡ መጠን ድማ ኣገደስቲ ተመኩሮታት: ፍረ ዘለዎ ተመላሊስካ ምብጻሕን ፍርያም ዝኾነ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስን ንዓጽድ።

7 ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብበረኸት ምዝራእ ግን ዓይነትን ብዝሕን ይሓትት ኢዩ። ኣብ ዓይነት ናይ ኣገልግሎትና ምምሕያሽ መታን ክንገብር እታ ዝበለጸት ደገፍ መጽሓፍ ምምርማር ኢያ። ካብ ገጽ 9–15 ዘለዉ 18 ኣርእስትታት ዝሓዙ 40 ዝኾኑ መእተዊታት ኣብ ኣፍ ደገ ናይ ሰባት ተገዳስነት ንምልዕዓል ሓገዝቲ ኢዮም። ተገዳስነት እንተድኣ ረኺብካ ክትምለስ ከሎኻ ናይቲ ዝዘራእካዮ ፍረ መታን ክትዓጽድ ኣመልክቶ ። ጻዕርኻ ብምትእምማን ናብ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሓካ ኢዩ: ንኻልእ ሰብ ድማ ብኸመይ ብበረኸት ከም ዝዘርእ ክትምህሮ ትኽእል ኢኻ።

8 እንተድኣ ብበረኸት ዘሪእና: ካብ የሆዋ ዝዓበየ በረኸት ክንጽበ ንኽእል ኢና። — ሚል. 3:​10

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ