ብበረኸት ምዝራእ በረኸት የምጽእ
1 ኵላትና ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝርከብ ዘደንቕ መብጽዓታት ዝፍጸመሉ እዋን ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ። ሕጂውን እንተዀነ የሆዋ ብብዙሕ መገዲ በረኸቱ ብምሃብ ኣብ ህይወትና ሓጐስ የምጽኣልና ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ብብሕትና እንረኽቦ ረብሓ: ብዓቢኡ ኣብቲ እንገብሮ ጻዕሪ ኢዩ ዝምርኰስ። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝገለጾ “እቲ ብበረኸት ዚዘርእ . . . ብበረኸት እዩ ዚዐጽድ።” (2 ቈረ. 9:6) እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ዝዓየሉ ኽልተ መዳያት እስከ ንርአ።
2 ኣገልግሎትና:- ዓቕምና ብዝፈቕደልና መጠን እቲ ብስራት ንሰባት ምስ እነካፍል ብዙሕ ዓስቢ ኢና እንረክብ። (ምሳ. 3:27, 28) ብዙሓት ሰባት ሓገዝቲ ወይ ስርዓታውያን ፓይነራት ብምዃን ወይ ብኻልእ መገዲ ኣገልግሎቶም ብምስፋሖም ብበረኸት ይዘርኡ ምህላዎም ዝነኣድ ኢዩ። ኵላትና ነቶም ዝረኸብናዮም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ምስ እንምለሶምን ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸብናሉ እዋን ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽገብሩ ብምዕዳምን ብበረኸት ክንዘርእ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 12:11) በዚ ኸምዚ ኣበርቲዕና ምስ እንዓዪ: ካብ ኣገልግሎትና ሃናጺ ተመክሮታትን ዝያዳ ሓጐስን ክንረክብ ኢና።
3 ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ደገፍ ምሃብ:- ጳውሎስ ብዛዕባ ‘ብበረኸት ምዝራእ’ እተዛረበ ንስጋዊ ልግሲ ብዝምልከት ኢዩ። (2 ቈረ. 9:6, 7, 11, 13) ሎሚ ብጕልበትና ዀነ ብገንዘብና ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብዙሕ ደገፍ ክንህብ ንኽእል ኢና። ኣብ ህንጸት ኣደራሻት መንግስቲ ኽንሕግዝ ንኽእል፣ ነዚ ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኣብ ምጽራይን ምጽጋንን እውን ደገፍና ኽንህብ ንኽእል ኢና። ብዘይዚውን ነቲ ጉባኤና እተውጽኦ ወጻኢታት ንምሽፋን ኰነ ነቲ ዓለምለኻዊ ናይ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ንምድጋፍ ገንዘብ ክንውፊ ንኽእል ኢና። ኵላትና አእጃምና ኸነበርክት ከሎና: የሆዋ ነቲ ዝሃበና ዕዮ ኣብዚሑ ስለ ዝባርኾ ዓብዪ ሓጐስ ኢዩ ዝስምዓና!—ሚል. 3:10፣ ሉቃ. 6:38
4 ቃል ኣምላኽ ‘ገበርቲ ሰናይ ክንከውን: ብሰናይ ግብሪ ኽንህብትም: ለጋሳትን መማቐልትን ክንከውን’ ኢዩ ዝምሕጸነና። ነዚ ምሕጽንታ እዚ ኣብ ልብና ምስ እነሕድሮ: ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሕ በረኸት ንረክብ። ኣብ ርእሲኡውን ‘ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኽንረክብ: ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ግዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእስና ንእክብ።’—1 ጢሞ. 6:18, 19