ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/94 ገጽ 2
  • ሕቶ ሳጹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ሕቶ ሳጹን
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ —ንዀለፍቲ ዘረባ ብኸመይ ከም እትምልሰሎም
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ንብዓል ቤት ብርትዓዊ መገዲ ኣረድኣዮ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ኣብ ኣገልግሎትካ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ስዓባ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1994
km 6/94 ገጽ 2

ሕቶ ሳጹን

◼ ሓደ በዓል–ገዛ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ገዛይ ከይመጹኒ እንተድኣ ኢሉ እቲ ጉዳይ ብኸመይ ክተሓዝ ይግብኦ?

ኣብቲ ማዕጾ ንሃይማኖታዊ መልክዕ ዘለዎ ብፍላይ ከኣ ንናይ የሆዋ መሳኻኽር ኣጥቢቑ ዝኽልክል ምልክታ እንተደኣ ጸኒሑና እቲ ዝበለጸ: ድሌት ናይ በዓል ገዛ ብምኽባር ዘይምኽሑካሕ ኢዩ።

ሓደ ሓደ ግዜ ንሸየጥትን ነቶም ንእገለ ምረጹ እናበሉ ገዛ ገዛ ዝኹሕኩሑ ሰባትን ዝኽልክል ምልክታታት የጋጥሙና ኢዮም። ንሕና ግን ብፍታው ሃይማኖታዊ ዕዮ ስለ እንገብር እዚ ንዓና ዝምልከት ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ዓይነት ምልክታት ዘለዎም መዓጹ ክንኹሕኵሕ ቅኑዕ ኢዩ። እቲ በዓል ቤት እንተደኣ ተቓዊሙ: እቲ ምልክት ንዓና ዝምልከት ኮይኑ ከም ዘይተሰማዓና ብሜላ ንግለጸሉ። እቲ በዓል ቤት እቲ ምልክት ንናይ የሆዋ መሳኻኽርውን ይምልከት ኢዩ እንተደኣ ኢሉና ግን ድሌቱ ነኽብረሉ።

ኣብቲ ዞባ እናዓየና ከሎና ሓደ በዓል ቤት ብግልጺ ባህ ከም ዘይበሎን ካልእ ግዜ ከይንኩሕኩሕን ኣትሪሩ ይዛረበና ይኸውን። ብዛዕባቲ እቲ ነገር እቲ ምኽንያት ክህብ ፍቓደኛ እንተዘይኮነ ምስታ ድሌቱ ክንሰማማዕ ኣሎና። መታን ኣብ መጻኢ ግዜ ካልእ ኣስፋሒ ኣብታ ቤት እቲኣ ከይከይድ ኣብቲ ናይቲ ዞባ ሰታሪት ዕለት ዘለዎ ምልክታ ይገበር።

ከምዚኦም ዝበሉ ኣባይቲ ጨሪስካ ዘይክየዱ ማለት ኣየኮኑን። እቶም ሕጂ ዘለዉ ነበረቲ ክቕይሩ ይኽእሉ ኢዮም። ወይ ከኣ ካልእ ጽቡቕ ዝሰምዕ ኣባል ስድራ ቤት ንረክብ ንኸውን። ወይ ከኣ እቲ ቅድሚ ሕጂ ዘዘራረብናዮ በዓል ቤት ኣተሓሳሰባኡ ቀይሩ ምስቲ እንብሎ ዝሰማማዕን ክንመጾ ዝደልን ኮይኑ ክጸንሕ ይኽእል ይኸውን። ስለዚ ድሕሪ ገለ ግዜ እዋናዊ ስምዒቶም ንምፍላጥ ሜላ ዘለዎ ምሕታት ክግበር ኣለዎ።

ጉባኤታት እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ግድላት ምስ ዘጋጥመን እቲ ናይ ዞባ መዝገብ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ደጊምካ ተራእዩ ዝርዝር ናይቶም ከይንኸዶም ዝተነግሩና ኣባይቲ ይረኤ። ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ኮይኖም: ኪኢላታትን ተመኩሮ ዘለዎምን ኣስፋሕቲ: ናብቶም ኣባይቲ ክምዘዙ ይከኣል። እንኸዶ ዘሎና ምኽንያት እቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ በዓል ቤት እንተልዩ ንምፍላጥ ምዃኑ ክግለጽ ይከኣል ኢዩ። እቲ ኣስፋሒ ምስቶም ኣብ መጽሓፍ ምምርማር ኣብ ገጽ 15–24 ዘለዉ “ንመቋረጽቲ ዘረባ ብኸመይ ከም እንምልሽ” ዝብሉ ኣርእስትታት ክላለ ኣለዎ። ምኽንያታዊ ምላሽ እንተድኣ ተረኺቡ እቲ ዝቕጽል ተመላሊስካ ምሕታት ከምቲ ልሙድ ክግበር ይከኣል ኢዩ። እቲ በዓል ቤት ገና ዝጻረር እንተድኣ ኮይኑ ግን ክሳዕ ዝመጽእ ዓመት ጻውዒት ክግበር የብሉን። እቲ ኩነታት ንበይኑ ገይርካ ብፍልይ ዝበለ ኣገባብ ክተሓዝ ዝሓይሽ እንተድኣ ኮይኑ ናይቲ ከባቢ ኣካል ሽማገለ ኣብቲ ጉዳይ ክውስን ይኽእል።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ