ንብዓል ቤት ብርትዓዊ መገዲ ኣረድኣዮ
1. ኣብ ኣገልግሎት ኣየናይ ኣቀራርባ እዩ ዝያዳ ውጽኢታዊ፧
1 ኣብ ኣገልግሎት ኣየናይ ኣቀራርባ እዩ ዝያዳ ውጽኢታዊ፧ ኣፍካ መሊእካ ምዝራብዶ ወይ ነቲ ብዓል ቤት ብርትዓዊ መገዲ ኣረዲእካ፡ ባዕሉ ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ንኺበጽሕ ምሕጋዙ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ኣብ ተሰሎንቄ ዝነበሩ ኣይሁድ፡ ብርትዓዊ መገዲ እናኣረድአ እዩ ዚዛረቦም ነይሩ፣ “ካባታቶም ከኣ ሓያሎ አሚኖም” እዮም። (ግብ. 17:2-4) ንኻልኦት ብርትዓዊ መገዲ እናኣረዳእካ ምዝራብ እንታይ የጠቓልል፧
2. ንሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንነግሮም ከለና፡ ነቲ ጳውሎስ ዝገደፎ ኣብነት ክንስዕብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ስምዒቶምን ድሕሪ ባይታኦምን ኣብ ግምት ኣእቱ፦ ብርትዓዊ መገዲ እናኣረድአ ዚዛረብ ሰብ ንስምዒት እቶም ኣብ ክሉ ዘለዉ ሰባት ኣብ ግምት የእቱ እዩ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኣርዮስፋጎስ ዝነበሩ ዘይኣምኑ ግሪኻውያን፡ ንዚፈልጥዎን ንዚቕበልዎን ነገራት ብምጥቃስ ኪዛረቦም ጀመረ። (ግብ. 17:22-31) ስለዚ እምበኣር፡ ኣቀራርባኻ ኽትዳሎ ኸለካ፡ ነቲ እቶም ኣብ ክልኻ ዘለዉ ዚኣምንዎን ዚጸልእዎን ነገራት ኣብ ግምት ኣእቱ። (1 ቈረ. 9:19-22) እቲ ብዓል ቤት ናይ ተቓውሞ ሕቶ እንተ ደኣ ኣበጊሱ፡ ዜሰማምዓኩም ነጥቢ ኽትረክብ ብምጽዓር፡ ኣብቲ ነጥቢ እቲ ኣተኲርካ ተዛረብ።
3. ሕቶታት ብኽእለት ምስ እንጥቀም ንኻልኦት ብርትዓዊ መገዲ ኸነረድኦ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
3 ንሕቶታት ብኽእለት ተጠቐመሉ፦ ሓደ ገያሺ ኣበይ ከም ዘሎ እንተ ዘይፈሊጥና፡ ኣብ መዕረፊኡ ንኺበጽሕ መምርሒ ኽንህቦ ኣይንኽእልን ኢና። ብተመሳሳሊ መገዲ፡ ሓደ ብዓል ቤት እንታይ ርእይቶ ኸም ዘለዎ እንተ ዘይፈሊጥና እውን ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ንኺበጽሕ ክንሕግዞ ኣይንኽእልን ኢና። የሱስ መብዛሕትኡ ግዜ ንሰባት ኬረድኦም ከሎ፡ ሓሳባቶም ምእንቲ ኺፈልጥ ኣቐዲሙ ሕቶታት ይሓቶም ነበረ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ፡ “ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧” ኢሉ ምስ ሓተቶ፡ መልሲ ቕድሚ ምሃቡ ሓሳባቱ ኺፈልጥ ደለየ። (ሉቃ. 10:25-28) ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኸኣ፡ ጴጥሮስ ግጉይ መልሲ ምስ ሃቦ፡ ንኣተሓሳስባኡ ምእንቲ ኺእርም ብኽእለት ሕቶታት ተጠቕመ። (ማቴ. 17:24-26) ስለዚ፡ ሓደ ብዓል ቤት ሕቶ ምስ ዜልዕል ወይ ጌጋ ርእይቶ ምስ ዚህብ፡ ብርትዓዊ መገዲ ምእንቲ ኸነረድኦ፡ ሕቶታት ክንጥቀም ንኽእል ኢና።
4. ንሓደ ብዓል ቤት ብርትዓዊ መገዲ ንኸነርድኦ ኽንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 ንሓደ ብዓል ቤት ብርትዓዊ መገዲ ምስ እነረድኦ፡ ነቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሱስን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ንዝነበሩ ኽኢላታት ወንጌላውያንን ኢና እንመስሎም። ነቲ ብዓል ቤት ከኣ ክብረቱ ንሕልወሉ። (1 ጴጥ. 3:15) ንሱ እውን ተመሊስና ንኽንበጽሖ ፍቓደኛ ንምዃን ይድረኽ ይኸውን።